1ይ ሳሙኤል 22

1 ዳዊት ድማ ካብኡ ኸይዱ ናብ በዓቲ ኣዱላም ሀደመ። ኣሕዋቱን ብዘለዉ ቤት ኣቦኡን እዚ ምስ ሰምዑ ኸአ፡ ናብኡ ወረዱ።

2 ኵሎም ጭኑቓት ሰብን ኵሎም ሰብ ዕዳን ኵሎም ነፍሶም እተመረረት ሰብን ናብኡ ተአከቡ፡ ኣብ ልዕሊኦም ድማ ሓለቓ ዀነ፡ ኣስታት ኣርባዕተ ሚእቲ ሰባት ከአ ምስኡ ነበሩ።

3 ካብኡ ድማ ዳዊት ናብ ሚጽጳ ናይ ሞኣብ ከደ፡ ንንጉስ ሞኣብ ከኣ፡ ኣምላኽ ዝገበረኒ ኽሳዕ ዝፈልጥሲ፡ በጃኻ ኣቦይን ኣደይን ምሳኻትኩም ኪዀኑ ይምጽኡ፡ በሎ።

4 ናብ ቅድሚ ንጉስ ሞኣብ ድማ ኣምጽኦም፡ ክሳዕ እተን ዳዊት ኣብ እምባ ዝነበረለን መዓልትታት ከኣ ምስኡ ተቐመጡ።

5 ነብዪ ጋድ ድማ ንዳዊት፡ ኣብዚ እምባ ኣይትቀመጥ፡ ንቐል እሞ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ፡ በሎ። ሽዑ ዳዊት ከይዱ ናብ ዱር ሓረት መጸ።

6 ሳኦል ድማ፡ ዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ከም እተጋህዱ፡ ሰምዔ። ሳኦል ከኣ ኣብ ጊብዓ ዅናቱ ሒዙ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ በሪኽ ዘላ ኦም ተቐመጠ፡ ኵሎም ገላዉኡ ድማ ምስኡ ደው ኢሎም ነበሩ።

7 ሳኦል ከኣ ነቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዘለዉ ገላዉኡ፡ ኣቱም ብንያማውያን፡ እስከ ስምዑ፡ ወዲ እሴይሲ ንዅሉኹምዶ ግርሁን ኣታኽልቲ ወይንን ኪህበኩም እዩ፧ ንዅሉኹምዶኸ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ኪገብረኩም እዩ፧

8 ኵሉኹም ደአ እተማሓሐልኩምለይ፡ ወደይውን ምስ ወዲ እሴይ ኪዳን ከም እተኣታተወ፡ ሓደ እኳ ዝነገረኒ የልቦን። ወደይ ንጊልያይ ከምዚ ናይ ሎሚ ዘሎ ንምድባቕ ኬተንስኣለይ ከሎ፡ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ዝሐመመለይን ዝገለጸለይን የልቦን፡ በሎም።

9 ሽዑ ዶኤግ እቲ ኤዶማዊ፡ ምስቶም ገላው ሳኦል ደው ኢሉ ዝነበረ፡ ንወዲ እሴይ ናብ ኣሂሜሌክ ወዲ ኣሒጡብ፡ ኣብ ኖብ መጺኡ ርእየዮ።

10 ንሱ ድማ ንእግዚኣብሄር ጠየቐሉ፡ ምግቢውን ሀቦ፡ ሴፍ ጐልያድ እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ ሀቦ፡ ኢሉ መለሰ።

11 ሽዑ እቲ ንጉስ ንኻህን ኣሂሜሌክ ወዲ ኣሒጡብን ንብዘላ ቤት ኣቦኡ፡ ኣብ ኖብ ዝነበሩ ኻህናትን ልኢኹ ጸውዖም። ኵሎም ከኣ ናብ ንጉስ መጹ።

12 ሳኦል ድማ፡ ኣታ ወዲ ኣሒጡብ፡ እስኪ ስምዓኒ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ ጐይታይ፡ ኢሉ መለሰ።

13 ሳኦል ድማ፡ ንሱ፡ ከምዚ ናይ ሎሚ ዘሎ፡ ንድብቕ ኪትንስኣኒ፡ ንእኡ እንጌራን ሴፍን ብምሃብካ፡ ኣብ ክንዳኡውን ንኣምላኽ ብምጥያቕካ፡ ስለምንታይ ንስኻን ወዲ እሴይን እተማሓሓልኩምለይ፧ በሎ።

14 ኣሂሜሌክ ከአ ንንጉስ፡ ካብ ኵሎም ገላዉኻኸ ከም ዳዊት ገይሩ እተአምነ፡ ሓሙ ንጉስውን ዝዀነ፡ ዚእዘዘካ ድማ፡ ኣብ ቤትካውን ዝኸበረ፡ መን እዩ፧

15 ሎሚ ድየ ንኣምላኽ ክጥይቐሉ ዝጀመርኩ፧ እዝስ ካበይ ይርሐቕ፡ ጊልያኻ እዚ ዅሉ ነገር እዚ፡ ንእሽቶ ዀነ ወይ ዓብዪ፡ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ንጉስ ንጊልያኡን ንብዘላ ቤት ኣቦይን ነገር ኣይጽዐኖም፡ ኢሉ መለሰሉ።

16 ንጉስ ግና፡ ኣሂሜሌክ፡ ንስኻን ብዘላ ቤት ኣቦኻን ብርግጽ ክትሞቱ ኢኹም፡ በለ።

17 እቲ ንጉስ ከኣ ነቶም ከቢቦምዎ ዝቘሙ ዘብዓኛታት፡ ዳዊት ከም ዝሀደመ ፈሊጦም ከለዉ ስለ ዘይነገሩኒ፡ ኢዶምውን ምስኡ ስለ ዝዀነት፡ ዜርኩም ንኻህናት እግዚኣብሄር ቅተልዎም፡ በሎም። እቶም ገላዉ ንጉስ ግና ንምቕታል ካህናት እግዚኣብሄር ኢዶም ኪዝርግሑ ኣይፈተዉን።

18 ሽዑ እቲ ንጉስ ንዶኤግ፡ ንስኻ ዜርካ ነዞም ካህናት ቅተሎም፡ በሎ። ዶኤግ እቲ ኤዶማዊ ድማ ዞይሩ ነቶም ካህናት ቀተሎም። ንሱ በታ መዓልቲ እቲኣ ሰማንያን ሓሙሽተን ኤፎድ ልሕጺ እንጣጢዕ ዝለበሱ ሰባት ቀተለ።

19 ንኖብ ነታ ኸተማ ኻህናት ድማ ብስሕለት ሴፍ ወቕዓ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ዚጠብዉ ሕጻናትን ኣብዑርን ኣእዱግን ኣባጊዕን ብስሕለት ሴፍ ቀተለ።

20 ሓደ ኻብቶም ደቂ ኣሂሜሌክ፡ ወዲ ኣሒጢብሲ፡ ኣብያታር ዝስሙ ኣምሊጡ ደድሕሪ ዳዊት ሀደመ።

21 ኣብያታር ከኣ ሳኦል ንኻህናት እግዚኣብሄር ከም ዝቐተሎም ንዳዊት ነገሮ።

22 ዳዊት ድማ ንኣብያታር፡ ዶኤግ እቲ ኤዶማዊ ኣብኡ ኸሎ፡ እዚ ንሳኦል ርግጽ ከም ዚነግሮ፡ ሽዑ መዓልቲ ፈሊጠ። ንዅለን ነፍሳት ቤት ኣቦኻ ምኽንያት ሞተን ኣነ እየ።

23 እቲ ንነፍሰይ ዚደልያ ንነፍስኻ ድማ ይደልያ እዩ እሞ፡ ንስኻ ምሳይ ክትሕሎስ ምሳይ ተቐመጥ፡ ኣይትፍራህ፡ በሎ።