1ይ ሳሙኤል 23

1 ንዳዊት ድማ፡ እንሆ፡ ፍልስጥኤማውያን ንቅዒላ ይዋግእዋ፡ ኣዕውዲውን ይወርሩ ኣለዉ፡ ኢሎም ነገርዎ።

2 ሽዑ ዳዊት፡ ነዞም ፍልስጥኤማውያንዶ ኽዋግኦም ክኸይድ፧ ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቖ። እግዚኣብሄር ከኣ ንዳዊት፡ ኪድ ንፍልስጥኤማውያን ተዋጊእካ ንቅዒላ ኣድሕና፡ በሎ።

3 ግናኸ ንዳዊት እቶም ሰቡ፡ እንሆ፡ ንሕና ኣብዚ ኣብ ይሁዳ ኸሎና እኳ፡ እንፈርህ ዘሎናስ፡ ናብ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ንቅዒላ እንተ ኸድና ግዳ ኺገድድ ደይኰነን፧ በልዎ።

4 ሽዑ ዳዊት መሊሱ ንእግዚኣብሄር ጠየቖ። እግዚኣብሄር ድማ፡ ኣነ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ እሞ፡ ተንሲእካ ናብ ቅዒላ ውረድ፡ ኢሉ መለሰሉ።

5 ዳዊት ከኣ ምስ ሰቡ ናብ ቅዒላ ኸይዱ፡ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኤ፡ ከብቶም ድማ ዘመተ፡ ብርቱዕ ስዕረት ከኣ ሰዐሮም። በዚውን ዳዊት ነቶም ኣብ ቅዒላ ዚነብሩ ኣድሐኖም።

6 ኰነ ኸኣ፡ ኣብያታር ወዲ ኣሂሜላክ፡ ናብ ዳዊት ናብ ቅዒላ ምስ ሀደመ፡ ኤፎድ ኣብ ኢዱ ሒዙ ወረደ።

7 ንሳኦል ድማ ዳዊት ናብ ቅዒላ ኸም ዝአተወ ነገርዎ። ሳኦል ከኣ፡ ናብታ ማዕጾን መሸጐርን ዘለዋ ኸተማ አትዩ ተዐጽዩ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሂቡኒ እዩ፡ በለ።

8 ሳኦል ድማ ንዳዊትን ንሰቡን ኪኸቦም ንብዘሎ ህዝቢ ኺዋግኡ ናብ ቅዒላ ኺወርዱ አወጀሎም።

9 ዳዊት ግና ሳኦል ክፉእ ከም ዝመኸረሉ ፈሊጡ ንኻህን ኣብያታር፡ ኤፎድ ኣምጽእ፡ በሎ።

10 ዳዊት ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ሳኦል ናብ ቅዒላ መጺኡ ብሰረይ ነዛ ኸተማ ኼጥፍኣ ኸም ዚደሊ፡ ባርያኻ ብርግጽ ሰሚዑ ኣሎ።

11 ከምቲ ባርያኻ ዝሰምዖ፡ ሳኦልዶ ኺወርድ እዩ፡ ሰብ ቅዒላኸ ኣሕሊፎምዶ ኣብ ኢዱ ኺህቡኒ እዮም፧ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ በጃኻ እዚ ንባርያኻ ኣፍልጦ፡ በለ።

12 ዳዊት ድማ፡ ሰብ ቅዒላኸ ንኣይን ንሰበይንዶ ኣሕሊፎም ኣብ ኢድ ሳኦል ኪህቡኒ እዮም፧ በለ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ እወ፡ ኣሕሊፎም ኪህቡኻ እዮም፡ በለ።

13 ሽዑ ዳዊትን እቶም ሹድሽተ ሚእቲ ዝዀኑ ሰቡን ተላዒሎም ካብ ቅዒላ ወጹ። ኪኸድዎ ናብ ዝኸአሉ ዘበለ ድማ ተመላለሱ። ንሳኦል ከኣ፡ ዳዊት ካብ ቅዒላ ኸም ዝሀደመ ምስ ነገርዎ፡ ምውጻእ ሐደጎ።

14 ዳዊት ከኣ ኣብ በረኻ ኣብ እምባታት ተቐመጠ፡ ኣብቲ ኣብ በረኻ ዚፍ ዘሎ ኸረንውን ይቕመጥ ነበረ። ሳኦል ከኣ ኵሉ መዓልቲ ይደልዮ ነበረ፡ ኣምላኽ ግና ኣብ ኢዱ ኣይሀቦን።

15 ዳዊት ድማ ሳኦል ንነፍሱ ኺደልያ ኸም ዝወጸ ርእዩ፡ ኣብ በረኻ ዚፍ ኣብ ዱር ነበረ።

16 ዮናታን ወዲ ሳኦል ድማ ተንሲኡ ናብ ዳዊት ናብቲ ዱር ከደ፡ ኢዱ ኸኣ ብኣምላኽ ኣጽንዔ።

17 ንሱ በሎ፡ ኢድ ኣቦይ ሳኦል ኣይትረኽበካን እያ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ክትከውን ኢኻ፡ ኣነ ኸኣ ካልኣይካ ክኸውን እየ፡ ነዚ ድማ ኣቦይ ሳኦል ፈሊጥዎ ኣሎ።

18 ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ክልቲኦም ኪዳን ተኣታተዉ። ዳዊት ድማ ኣብቲ ዱር ተቐመጠ፡ ዮናታን ከኣ ናብ ቤቱ ኸደ።

19 ሽዑ ዚፋውያን ናብ ሳኦል ናብ ጊብዓ ደዪቦም ከምዚ በሉ፡ ዳዊት ኣብቲ ኣብ ዱር ዘሎ እምባታት ኣብ ልዕሊ እቲ ብደቡብ በረኻ ዘሎ ዅርባ ሓኪላ ተሐቢኡዶ ኣየሎን፧

20 ሕጂ ኸኣ፡ ዎ ንጉስ፡ ምውራድሲ፡ ከምቲ ዅሉ ድላይ ነፍስኻ ውረድ፡ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፍካ ምሃብ ግና ናትና እዩ፡፡

21 ሳኦል ድማ በለ፡ ስለ ዝደንገጽኩምለይ ብእግዚኣብሄር ብሩኻት ኢኹም፡፡

22 ንሱ ኣዝዩ ጎራሕ ከም ዝኾነ፡ ነጊሮምኒ እዮም እሞ፡ በጃኹም ኬድኩም እግሩ ኣብ ኣየናይ ቦታ ኸም ዝረገጸት፡ ኣብኣ ኸኣ መን ከም ዝረኣዩ፡ መሊስኩም ኣርጊጽኩም ፍለጡን ርኣዩን፡፡

23 እቲ ንሱ ዚሕብኣሉ ዘበለ መሕቢኢታት ርኢኹም ከኣ ፍለጡ፡ እቲ ነገሩ ምስ ኣርገጽኩምዎ ድማ ናባይ ተመለሱ እሞ፡ ምሳኻትኩም ክኸይድ እየ፡፡ ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣብታ ሃገር እንተሎ፡ ኣብ ኵሎም ኣሽሓት ይሁዳ ኺደልዮ እየ፡፡

24 ንሳቶም ከኣ ተንሲኦም ቀቅድሚ ሳኦል ናብ ዚፍ ከዱ፡፡ ዳዊትን ሰቡን ግና ኣብ በረኻ ማዖን ነቲ በረኻ ብወገን ደቡቡ ኣብ ዘሎ ጎልጎል ነበሩ፡፡

25 ሳኦልን ሰቡን ድማ ኪደልይዎ ኸዱ፡፡ ንዳዊት ምስ ነገርዎ ኸኣ፡ ናብቲ ኸውሒ ወሪዱ፡ ኣብ በረኻ ማዖን ተቐመጠ፡፡ ሳኦል ድማ፡ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ደድሕሪ ዳዊት ናብ በረኻ ማዖን ሰዓበ፡፡

26 ሳኦል ከኣ ነቲ ኸረን ብሓደ ወገኑ፡ ዳዊትን ሰቡን ድማ ነቲ ኸረን በቲ ኻልኣይ ወገኑ ኸዱ፡፡ ሳኦልን ሰቡን ንዳዊትን ሰቡን ኪሕዝዎም ከቢቦምዎ ነበሩ እሞ፡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ ሳኦል ቀልጢፉ ህደመ፡፡

27 ሽዑ ልኡኽ ናብ ሳኦል መጺኡ፡ ነዛ ሃገር ፍልስጥኤማውያን ኣትዮምዋ ኣለዉ እሞ፡ ቀልጢፍካ ንዓ፡ በሎ፡፡

28 ሳኦል ድማ ደድሕሪ ዳዊት ካብ ምስዓብ ተመልሰ፡ ንፍልስጥኤማውያን ኪቃባበሎም ከደ፡ ስለዚ ኸኣ ነታ ቦታ ሴላዕ-ማሕልቆት ኢሎም ሰመይዋ፡፡