2ይ ነገስት 18

1 ንሆሴእ ወዲ ኤላ፡ ንጉስ እስራኤል፡ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመቱ ኸኣ ኰነ፡ ህዝቅያስ ወዲ ኣሃዝ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ነገሰ።

2 ንሱ ኺነግስ ከሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ከኣ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ ኣቢ እዩ፡ ንሳ ጓል ዘካርያስ እያ።

3 ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝገበሮ ዂሉ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ።

4 ንሱ ነቲ በረኽቲ ኣግለሶ፡ ነቲ ሓወልትታት ድማ ሰባበሮ፡ ንኣስታርተ ኸኣ ቈረጾ፡ ነቲ ሙሴ ዝገበሮ ተመን ኣስራዚ ድማ፡ ደቂ እስራኤል ክሳዕ እቲ ዘመን እቲ ይዐጥኑሉ ነበሩ እሞ፡ ድርቅምቅም ኣበሉ፡ ንእኡ ኸኣ ነሑሽታን ሰመዮ።

5 ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተአመነ፡ ኣብቶም ድሕሪኡ ዝነበሩ ዀነ ኣብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣብ ኲሎም ነገስታት ይሁዳ ኸምኡ ዝበለ ኣይነበረን።

6 ንሱስ ኣብ እግዚኣብሄር ጠበቐ፡ ካብ ምስዓቡ ኣየግለሰን፡ እቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ትእዛዛቱውን ሐለወ።

7 እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ነበረ፡ ኣብ ዝወጾ ዘበለ ቐንዓሉ። ካብ ንጉስ ኣሶር ከኣ ዐለወ እሞ ኣይተገዝአሉን።

8 ንሱ ድማ ንፍልስጥኤማውያን ካብ ግምቢ ዘብዔኛታት ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ዕርድቲ ኸተማ፡ ክሳዕ ጋዛን ዶባታን ሰዐሮም።

9 ኰነ ድማ፡ ንንጉስ ህዝቅያስ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፡ ንሆሴእ ወዲ ኤላ፡ ንጉስ እስራኤል፡ ኣብ ሳብዐይቲ ዓመቱ ሰልመናስር ንጉስ ኣሶር ናብ ሰማርያ ደዪቡ ኸበባ።

10 ኣብ መወዳእታ እታ ሳልሰይቲ ዓመቱ፡ ንሳ ንሆሴእ ንጉስ እስራኤል ብታስዐይቲ ዓመቱ ሰማርያ ተታሕዘት።

11 እቲ ንጉስ ኣሶር ድማ ንእስራኤል ናብ ኣሶር ማረኾም፡ ኣብ ሓላሕን ኣብ ሓቦርን ኣብ ርባ ጐዛንን ኣብ ከተማታት ሜዶናውያንን ኣቐመጦም።

12 እዚ ኸኣ ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዘይሰምዕዎ፡ ንኺዳኑ ብምፍራሶም፡ እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝአዘዞም ዂሉ ስለ ዘይሰምዕዎን ዘይገበርዎን እዩ።

13 ንንጉስ ህዝቅያስ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመቱ ድማ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ናብ ኲለን እተን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ደዪቡ ሐዘን።

14 ሽዑ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ናብ ንጉስ ኣሶር ናብ ላኪሽ ልኢኹ፡ በዲለ እየ እሞ፡ ካባይ ተመለስ፡ እቲ እትጽዕነኒ እጸውር፡ በለ። ንጉስ ኣሶር ከኣ ኣብ ልዕሊ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ሰለስተ ሚእቲ ታለንት ብሩርን ሰላሳ ታለንት ወርቅን ጸዐኖ።

15 ህዝቅያስ ድማ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ መዝገብ ቤተ ንጉስን እተረኽበ ዂሉ ገንዘብ ሀቦ።

16 በታ ጊዜ እቲኣ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ነቲ መዓጹ መቕደስ እግዝኣብሄርን ልዳዊትን ለቢጥዎ ዝነበረ ወርቂ ህዝቅያስ ባዕሊ ቐንጢጡ ንንጉስ ኣሶር ሀቦ።

17 እቲ ንጉስ ኣሶር ግና ንታርታንን ንራብሳርስን ንራብሳቀን ምስ ብርቱዕ ሰራዊት ገይሩ ኻብ ላኪሽ ናብ ንጉስ ህዝቅያስ ናብ ኢየሩሳሌም ሰደዶም። ደዪቦም ድማ ናብ ኢየሩሳሌም መጹ፡ ደዪቦም ምስ መጹ ኸኣ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ መገዲ ግራት ሓጾቦ ዘሎ መስኖ ላዕላይ ቀላይ ቈሙ።

18 ንንጉስ ድማ ጸውዕዎ። ሽዑ ኤልያቂም ወዲ ሒልቂያ፡ ኣዛዝ ቤትን ሸብና ጸሓፍን ዮዓህ ወዲ ኣሳፍ ጸሓፍ ዛንታን ናባታቶም ወጹ።

19 ራብሳቀ ድማ በሎም፡ ንህዝቅያስ ግዳ በልዎ፡ እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እዚ ተአሚንካዮ ዘሎኻ እሙንቶ እዚ እንታይ እዩ፧

20 ንስኻ፡ ንውግእ ምኽርን ሓይልን ኣሎኒ፡ ትብል ኣሎኻ፡ ግናኸ ዘረባ ኸናፍር ጥራይ እዩ። እቲ ዝዐሎኻንስ፡ ሕጂ ብመን ኣሚንካ ኢኻ፧

21 እንሆ፡ ሕጂ ብግብጺ በቲ ጭፍሉቕ በትሪ ሻምብቆ ንዝተመርኰሶ ሰብ ናብ ኢዱ ኣንኲሉ ዝአቱ፡ ብእኡ ተአሚንካ ኢኻ። ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ንዚእመንዎ ዂሎም ከምኡ እዩ።

22 ብእግዚኣብሄር ኣምላኽና ተአሚንና ኣሎና፡ እንተ በልኩምኒ ድማ፡ ንሱ እቲ በረኽቱን መሰውኢታቱን ህዝቅያስ ዘግለሰሉን፡ ንይሁዳን ንኢየሩሳሌምን ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ መሰውኢ እዚ ኣብ ኢየሩሳሌም ስገዱ፡ ዝበለ ንሱዶ ኣይኰነን፧

23 ሕጂ ድማ ንጐይታይን ንጉስ ኣሶር ኰታ ተዋራረዶ እሞ፡ ንስኻ ዚውጥሕዎም ከተምጽእ እንተ ኽኢልካስ፡ ክልተ ሽሕ ፈረስ ክህበካ እየ።

24 ከመይ ጌርካኸ ገጽ ሓደ ሓለቓ ኻብቶም ናእሽቱ ገላዉ ጐይታይ ክትመልስ ትኽእል፧ ስለ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኢልካ ድማስ ብግብጺ ትእመን ኣሎኻ።

25 ብዘይ ፍቓድ እግዚኣብሄርዶ ነዛ ቦታ እዚኣ ኸጥፍኣ ኢለ ደዪበ፧ እግዚኣብሄር ደአ፡ ነዛ ሃገር ደዪብካ ኣጥፍኣያ፡ ኢሉኒ እዩ።

26 ሽዑ ኤልያቂም ወዲ ሒልቂያን ሸብናን ዮኣህን ንራብሳቀ፡ ንሕና ንሰምዖ ኢና እሞ፡ ንገላውኻ ብኣራማይስጢ ዀታ ተዛረበና፡ ግናኸ እዚ ኣብ መካበብያ ዘሎ ህዝቢ እናሰምዔ ብዘረባ ኣይሁድ ኣይትዛረበና፡ በልዎ።

27 ራብሳቀ ግና፡ ጐይታይ እዚ ነገር እዚ ንጐይታኻን ንኣኻን ክነግረኩምዶ እዩ ዝለአኸኒ፧ ናብቶም ኣብ መካበብያ ተቐሚጦም ዘለዉ እሞ፡ ምሳኻትኩም ከይኖም ሓርኦም ኪበልዑን ሽንቶም ኪሰትዩን ዘለዎም ሰባትዶ ኣይኰነን፧ በሎም።

28 ሽዑ ራብሳቀ ደው ኢሉ ብዘረባ ኣይሁድ ከኣ ዓው ኢሉ ጨደረ፡ ከምዚ ኢሉ ድማ ተዛረበ፡ ዘረባ እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ናይቲ ንጉስ ኣሶር ስምዑ።

29 እቲ ንጉስ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ህይዝቅያስ ካብ ኢደይ ኬድሕነኩም ኣይኽእልን እዩ እሞ፡ ንሱ ኣየዐሹኹም።

30 ህዝቅያስ ድማ፡ እግዚኣብሄር ብርግጽ ኬድሕነና እዩ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይትውሀብን እያ፡ ኢሉ ብእግዚኣብሄር ኣየእምንኩም።

31 ንህዝቅያስ ኣይትስምዕዎ፡ እቲ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል ኣሎ እሞ፡ ምሳይ ተዐረቑ፡ ናባይ ውጹ፡ ነፍሲ ወከፍ ወይኒ ነፍሲ ወከፍ ድማ በለሱ ይብላዕ፡ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ካብ ማይ ዔላኡ ይስተ።

32 ምእንቲ ኽትነብሩ እምበር፡ ከይትሞቱስ፡ መጺኤ ሃገርኩም ናብ እትመስል ሃገር፡ ናብ ሃገር እኽልን ኰልዒ ወይንን ናብ ሃገር እንጌራን ኣታኽልቲ ወይንን፡ ናብ ሃገር ዘይትን መዓርን ክሳዕ ዝወስደኩም፡ ንህዝቅያስ፡ እግዚኣብሄር ኬድሕነና እዩ፡ እናበለ ኺጥብረኩም ከሎ፡ ኣይትስምዕዎ።

33 ካብቶም ኣማልኽቲ ኣህዛብከ ሃገሩ ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ዘድሐነዶ ኣሎ፧

34 ኣማልኽቲ ሓማትን ኣርጳድን ኣበይ ኣለዉ፧ ኣማልኽቲ ሰፋርዋዪምን ናይ ሄናዕን ናይ ዒዋንከ ኣበይ ኣለዉ፧ ንሰማርያዶ ካብ ኢደይ ኣድሒኖምዋ እዮም፧

35 እግዚኣብሄር ንኢየሩሳሌም ካብ ኢደይ ኬድሕናስ፡ ካብ ኲሎም ኣማልኽቲ ሃገራት ንሃገሮም ካብ ኢደይ ዘድሐኑ ኣየኖት እዮም፧

36 እቲ ንጉስ፡ ኣይትምለሱሉ፡ ኢሉ ኣዚዙ ነበረ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ስቕ በሉ፡ ገለ ቓል እኳ ኣይመለሱሉን።

37 ኤልያቂም ወዲ ሒልቂያ፡ ኣዛዝ ቤትን ሸብና ጸሓፍን ዮኣህ ወዲ ኣሳፍ፡ ጸሓፍ ዛንታን ክዳውንቶም ቀዲዶም ናብ ህዝቅያስ መጹ እሞ ዘረባ ራብሳቀ ነገርዎ።