2ይ ነገስት 3

1 ንዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ ዮራም ወዲ ኣከኣብ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፡ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ከኣ ገዝኤ።

2 ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ከም ኣቦኡን ኣዲኡን ግና ኣይኰነን፡ ንሱስ ነቲ ኣቦኡ ዝገበሮ ሓወልቲ በዓል ኣርሐቖ።

3 ግናኸ ኣብቲ ንእስራኤል ዘስሐተሉ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ ጠበቐ እምበር፡ ካብኡ ኣየግለሰን።

4 ሜሳ ንጉስ ሞኣብ ከኣ ብዓል ኣባጊዕ ነበረ። ንንጉስ እስራኤል ድማ ሚእቲ ሽሕ ገንሸልን ሚእቲ ሽሕ ድዑል ምስ ጸጒሮምን ይግብረሉ ነበረ።

5 ኰነ ኸኣ፡ ኣከኣብ ምስ ሞተ፡ እቲ ንጉስ ሞኣብ ካብ ንጉስ እስራኤል ዐለወ።

6 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ንጉስ ዮራም ካብ ሰማርያ ወጺኡ ንብዘሎ እስራኤል ቈጸረ።

7 ናብ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ልኢኹ ኸኣ፡ ንጉስ ሞኣብ ካባይ ዐልዩ እዩ እሞ፡ ንንጉስ ሞኣብ ክንዋግኦስ፡ ምሳይዶ ትኸይድ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ድማ፡ ሕራይ እድይብ፡ ኣነ ኸማኻ፡ ህዝበይ ከም ህዝብኻ፡ ኣፍራሰይ ከም ኣፍራስካ፡ በለ።

8 ንሱ ኸኣ፡ በየናይ መገዲኸ ንደይብ፡ በለ። ብመገዲ በረኻ ኤዶም፡ በለ።

9 ንጉስ እስራኤልን ንጉስ ይሁዳን ንጉስ ኤዶምን ድማ ኸዱ፡ መገዲ ሾብዓተ መዓልቲ ምስዞሩ ኸኣ፡ ንሰራዊቶምን ነተን ዚስዕባኦም ዝነበራ እንስሳን ማይ ሰኣኑ።

10 ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤል። ኣየ፡ እግዚኣብሄር ነዞም ሰለስተ ነገስታት እዚኣቶም ኣብ ኢድ ሞኣብ ኣሕሊፉ ኺህቦም ጸውዖም፡ በለ።

11 ዮሳፋጥ ግና፡ ብእኡ ንእግዚኣብሄር እንሐተሉ ነብዪ እግዚኣብሄርዶ ኣብዚ የልቦን፧ በለ። ሽዑ ሓደ ካብ ገላዉ ንጉስ እስራኤል፡ እቲ ናብ ኣእዳው ኤልያስ ማይ ዜፍስስ ዝነበረ ኤልሳእ ወዲ ሻፋጥ እባ ኣብዚ ኣሎ፡ ኢሉ መለሰ።

12 ዮሳፋጥ ከኣ፡ ቃል እግዚኣብሄር ምስኡ ኣሎ፡ በለ። ንጉስ እስራኤልን ዮሳፋጥን ንጉስ ኤዶምን ኰይኖም ድማ ናብኡ ወረዱ።

13 ኤልሳእ ከኣ ንንጉስ እስራኤል፡ ንኣይን ንኣኻን እንታይ ኣራኺቡና፧ ናብቶም ነብያት ኣቦኻን ናብ ነብያት ኣዴኻን ደአ ኺድ፡ በሎ። እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ፡ ኣይፋል፡ እግዚኣብሄር ነዞም ሰለስተ ነገስታት እዚኣቶም ደአ ኣብ ኢድ ሞአብ ኣሕሊፉ ኺህቦም እዩ ዝጸውዖም፡ በሎ።

14 ኤልሳእ ከኣ፡ ንዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ እንተ ዘይብልሲ፡ ኣነ ኣይምጠመትኩኻን ኣይምርኤኹኻን ድማ፡ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢለ ዘሎኹ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ህያው እዩ፡

15 ሕጂ ኸኣ ሓደ ብዓል በገና ኣምጽኡለይ፡ በለ። ኰነ ድማ፡ እቲ ብዓል በገና ምስ ወቕዔ፡ ኢድ እግዚኣብሄር መጸቶ፡

16 በለ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብዚ ርባ እዚ ጐዳጒዲ ኣብ ርእሲ ጐዳጒዲ ዂዐቱ።

17 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንፋስ ኣይትርእዩን፡ ዝናምውን ኣይትርእዩን፡ እዚ ርባ ደአ ባዕሉ ማይ ይመልእ እሞ፡ ንስኻትኩምን እንስሳኹምን ከብትኹምን ክትሰትዩ ኢኹም።

18 እዚ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቀሊል እዩ እሞ፡ ንሞኣብውን ኣሕሊፉ ኣብ ኢድኩም ኪህበኩም እዩ።

19 ንስኻትኩም ድማ ንዂለን ዕሩዳት ከተማታትን ንዂለን ሕሩያት ከተማታትን ከተጥፍእወን ኢኹም፡ ንዂሉ ጽቡቕ ዘበለ ኦም ከኣ ክትቈርጹ፡ ኲሉ ዓይኒ ማያትውን ክትደፍኑ ኢኹም፡ ንዂሉ ጽቡቕ ዘበል ግራት ከኣ በእማን ከተብኣላሽውዎ ኢኹም።

20 ኰነ ድማ፡ ንጽብሒቱ በታ መስዋእቲ ብልዒ ዚዐርገላ ጊዜ፡ እንሆ፡ ማይ ብመገዲ ኤዶም ኣቢሉ መጸ፡ እታ ሃገር ከኣ ማይ መልኤት።

21 ብዘለዉ ሞኣባውያን ድማ እቶም ነገስታት ኪዋግእዎም ከም ዝደየቡ ምስ ሰምዑ፡ ኣጽዋር ኪዐጥቕ ዚኽእል ዘበለ ኻብኡ ንላዕሊውን ከቲቶም ኣብቲ ዶብ ቈሙ።

22 ንግሆ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ። ጸሓይ ከኣ ኣብቲ ማይ ምስ ኣንጸባረቐት፡ እቶም ሞኣባውያን እቲ ማይ ኣብ መንጽሮም ከም ደም ቀዪሑ ረአይዎ።

23 ሽዑ፡ እዚ ደም እዩ፡ እቶም ነገስታት ብርግጽ ተዋጊኦም ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ቐቲሉ እዩ። እምበአር ሕጅስ፡ ኣታ ሞኣብ፡ ኪድ ማርኽ፡ በሉ።

24 ናብቲ ሰፈር እስራኤል ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ እቶም እስራኤላውያን ተንሲኦም ንሞኣባውያን ተዋግእዎም፡ ስዒሮም ድማ ናብታ ሃገር ኣተዉ።

25 ነተን ከተማታት ከኣ ኣፍረሱ፡ ንዂሉ ጽቡቕ ዘበለ ግራት ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኤእምኖም ደርብዮም መልእዎ፡ ንዂሉ ዓይኒ ማያትውን ደፈንዎ፡ ንዂሉ ጽቡቕ ዘበለ ኦም ድማ ቈረጽዎ። ንቂር-ሓረሰት እምኒ ጥራይ ክሳዕ ዜትርፍዋ ሰብ ወንጭፍ ከቢቦም ተዋግእዋ።

26 እቲ ንጉስ ሞኣብ ከኣ ውግእ ከም ዝበርትዖ ምስ ረአየ፡ ጥሒሱ ናብ ንጉስ ኤዶም ኪሐልፍ፡ ሾብዓተ ሚእቲ ሴፍ ዚመልሑ ሰብ ወሰደ፡ ግናኸ ኣይከአሉን።

27 ሽዑ ነቲ ኣብ ክንዳኡ ዚነግስ በዂሪ ወዱ ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ንዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረጎ። ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከኣ ብርቱዕ ኲራ ዀነ እሞ፡ ካብኡ ረሐቑ፡ ናብ ሃገሮም ድማ ተመልሱ።