2ይ ነገስት 25

1 ኰነ ድማ፡ ብታስዐይቲ ዓመት መንግስቱ፡ በታ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ብዓስረይቲ መዓልቲ፡ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ምስ ኲሉ ሰራዊቱ ናብ ኢየሩሳሌም መጺኡ ኸበባ። ብዙርያኣ ኸኣ ዕርዲ ነደቑላ።

2 እታ ኸተማ ድማ ንጼድቅያስ ክሳዕ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመቱ ብመካበብያ ተዐጽወት።

3 ካብታ ራብዐይቲ ወርሒ ኣብ ታስዐይቲ መዓልቲ ኣብታ ኸተማ ጥሜት በርትዔ፡ ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ንእንጌራ ኣይነበሮምን።

4 ሽዑ ነታ ኸተማ ብሓደ ቦታ ኣፍረሱላ። እቶም ከለዳውያን ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ ኸለዉ ድማ፡ እቲ ንጉስ ብመገዲ ጐልጐል ከደ። ኲሎም ሰብ ውግእ ብለይቲ በቲ ኣብ ጥቓ ኣታኽልቲ ንጉስ ዘሎ ኣብ መንጎ ኽልቲኡ መካበብያ ዘሎ ደገ፡ ብመገዲ እቲ ደገ ገይሮም ሀደሙ።

5 እቶም ሰራዊት ከለዳውያን ግና ነቲ ንጉስ ደድሕሪኡ ስዒቦም ኣብ ጐልጐል ያሪኮ ኣርከብዎ፡ ብዘለዉ ሰራዊቱ ድማ ካብኡ ፋሕ በሉ።

6 ሽዑ ነቲ ንጉስ ሒዞም ናብ ንጉስ ባቢሎን ናብ ሪብላ ኣደየብዎ፡ ፍርዲ ኸኣ ፈረድዎ።

7 ንደቂ ጼድቅያስ ድማ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሓረድዎም፡ ንጼዴቅያስ ከኣ ኣዒንቱ ኣዖርዎ። ብኽልተ ሰንሰለት ኣስራዚ ኣሲሮም ድማ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ።

8 በታ ሓምሰይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ብሳብዐይቲ መዓልቲ፡ ንነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ኣብ መበል ዓሰርተው ትሽዓተ ዓመቱ፡ ነቡዛራዳን ሓለቓ ዘብዔኛታት፡ ጊልያ ንጉስ ባቢሎን፡ ናብ ኢየሩሳሌም መጺኡ፡

9 ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤት ንጉስን ንዅለን ኣባይቲ ኢየሩሳሌምን ተኰሰ፡ ንዂሉ ዓበይቲ ኣባይቲ ድማ ብሓዊ ተኰሰ።

10 ምስቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት ዝነበረ ብዘሎ ሰራዊት ከለዳውያን ንመካበብያታት ኢየሩሳሌም ብዙርያኡ ኣፍረሶ።

11 ነቡዛራዳን፡ እቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት፡ ድማ ነቶም ኣብ ከተማ ተሪፎም ዝነበሩ ተረፍ ኣቲ ህዝብን ነቶም ሃዲሞም ናብ ንጉስ ባቢሎን እተጸግዑን ካብቲ ብዙሕ ህዝቢ ዝተረፉን ማረኽዎም።

12 እቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት ግና ካብቶም ድኻታት እታ ሃገር ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዐዩን መሬት ኪሐርሱን ኢሉ ሐደጎም።

13 እቶም ከለዳውያን ድማ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ኣዕኑድ ኣስራዝን ነቲ መቐመጢታትን ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ባሕሪ ኣስራዝን ሰባበርዎ፡ ነቲ ኣስራዚኡ ኸኣ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ።

14 ንድስትታትን መጽሓርያታትን ካራታትን ጽዋኣትን ነቲ ዜገልግሉሉ ዝነበሩ ዂሉ ኣቓሑ ኣስራዝን ወሰድዎ።

15 እቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት ከኣ ንጽንሃታትን ንጭሔሎታትን ናይ ወርቂ ኸም ወርቂ፡ ናይ ብሩር ከም ብሩር ገይሩ ወሰዶ።

16 እቲ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ኢሉ ዝገበሮ ኽልተ ዓንድን ሓደ ባሕርን መቐመጢታትን ናይ እዚ ዂሉ ኣቓሑ ኣስራዚ ድማ ሚዛን ኣይነበሮን።

17 ቊመት እቲ ሓደ ዓንዲ ዓሰርተው ሾሞንተ እመት ነበረ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ጒልላት ኣስራዚ ነበሮ፡ ቊመት እቲ ጒልላት ድማ ሰለስተ እመት ነበረ ነቲ ጒልላት ከኣ ብዙርያኡ ዓይነ ርግብን ሮማንን ነበሮ፡ እዚ ዂሉ ኻብ ኣስራዚ ነበረ። ነቲ ኻልኣይ ዓንዲ ድማ ምስ ዓይነ ርግቡ ኸምኡ ገበሮ።

18 እቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት ከኣ ንሊቀ ኻህናት ሰራያን ንጸፋንያስ እቲ ኻልኣይ ካህንን ንሰለስቲኦም ሓለውቲ ደገን ወሰዶም።

19 ካብታ ኸተማ ድማ ሓደ ኣዛዝ ሰብ ውግእ ዝነበረ ስሉብን ካብቶም ገጽ ንጉስ ዚርእዩ ሓሙሽተ ሰባት ኣብታ ኸተማ እተረኽቡን ነቲ ጸሓፊ፡ እቲ ንህዝቢ እታ ሃገር ንወትሃደርነት ዚጽሕፍ ዝነበረ ሓለቓ ሰራዊትን ካብቶም ኣብታ ኸተማ እተረኽቡ ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ስሳ ሰባት ወሰደ።

20 ነዚኣቶም ከኣ ነቡዛራዳን ሓለቓ ዘብዔኛታት ወሲዱ ናብ ንጉስ ባቢሎን ናብ ሪብላ ኣምጽኦም።

21 እቲ ንጉስ ባቢሎን ድማ ኣብ ሪብላ ኣብ ምድሪ ሓማት ወቒዑ ቐተሎም። ይሁዳ ኸምዚ ኢሉ ኻብ ሃገሩ ተማረኸ።

22 ነቲ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዘትረፎ፡ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ዝተረፈ ህዝቢ ንኣታቶም ገዳልያ ወዲ ኣሒቃም፡ ወዲ ሻፋን፡ ሸመሎም።

23 ኲሎም ሓላቑ ሰራዊታት፡ ንሳቶምን ሰቦምን፡ እስማኤል ወዲ ነታንያን ዮሓናን ወዲ ቃሬኣሕን ሰራያ ወዲ ታንሑመት እቲ ነጦፋውን ያኣዛንያ ወዲ እቲ ማዓካታውን፡ እዚኣቶምን ሰቦምን ንጉስ ባቢሎን ንገዳልያ ኸም ዝሸሞ ምስ ሰምዑ፡ ናብ ገዳልያ ናብ ሚጽጳ መጹ።

24 ገዳልያ ድማ፡ ካብ ገላዉ ከለዳውያን ኣይትፍርሁ፡ ኣብዛ ሃገር ተቐመጡ፡ ንንጉስ ባቢሎን ከኣ ተገዝእዎ እሞ ጽቡቕ ነገር ኪዀነልኩም እዩ፡ ኢሉ ንኣታቶምን ንሰቦምን መሐለሎም።

25 በታ ሳብዐይቲ ወርሒ ግና ዀነ፡ እቲ ኻብ ዘርኢ ንጉስ ዝነበረ እስማኤል ወዲ ነታንያ፡ ወዲ ኤሊሻማ፡ ዓሰርተ ሰብ ድማ ምስኡ መጺኦም ንገዳልያ ቐተልዎ፡ ሞተ ኸኣ፡ ነቶም ምስኡ ኣብ ሚጽጳ ዝነበረ ኣይሁድን ከለዳውያንን ከኣ ቀተልዎም።

26 እቶም ህዝቢ ብዘለዉ ድማ ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብይን፡ እቶም ሓላቑ ሰራዊታትን ንከለዳውያን ፈሪሆም ነበሩ እሞ፡ ተንሲኦም ናብ ግብጺ ኸዱ።

27 ኰነ ኸኣ ዮያኪን ንጉስ ይሁዳ ኻብ ዚማረኽ ኣብ መበል ሰላሳን ሾብዓተን ዓመቱ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተን መዓልቲ፡ ኤዊል-መሮዳክ ንጉስ ባቢሎን በታ ዝነገሰላ ዓመት ንዮያኪን ንጉስ ይሁዳ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጽኦ።

28 ምስኡ ኸኣ ጥዑም ተዛረበ፡ ዝፋኑ ድማ ካብ ዝፋውንቲ እቶም ምስኡ ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ነገስታት ልዕል ኣበሎ።

29 ነቲ ኽዳን ቤት ማእሰርቱውን ለወጠሉ፡ ብዂሉ ዘመን ህይወቱ ኸኣ ወርትግ ኣብ ቅድሚኡ እንጌራ ይበልዕ ነበረ።

30 ነንመዓልቲ ዚቕለቦ ቐለብ ድማ ብዂሉ ዘመን ህይወቱ ወርትግ ካብ ንጉስ ተዋህቦ።