2ይ ነገስት 24

1 ብዘመኑ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ደየበ እሞ፡ ዮያቂም ክሳዕ ሰለስተ ዓመት ተገዝኦ። ግናኸ መሊሱ ዐለዎ።

2 እግዚኣብሄር ድማ ጭፍራታት ከለዳውያንን ጭፍራታት ሶርያውያንን ጭፍራታት ሞኣባውያንን ጭፍራታት ደቂ ዓሞንን ሰደደሉ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ብኣፍ ባሮቱ ነብያት እተዛረቦ ቓል ከኣ ምእንቲ ኼጥፍእዋ ናብ ይሁዳ ሰደዶም።

3-4 እዚ ኸኣ ብሰሪ እቲ ምናሴ ዝገበሮ ዂሉ ሓጢኣትን ድማ ብሰሪ እቲ ንጹህ ደም ዘፍሰሶን፡ ንኢየሩሳሌም ከኣ ብንጹህ ደም ስለ ዝመልኣ፡ ንይሁዳ ኻብ ቅድሚ ገጹ ኼግልሳ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር እዩ ዝዀነ። በዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ይቕረ ኺብል ኣይፈተወን።

5 እቲ ዝተረፈ ናይ ዮያቂም ነገርን እቲ ዝገበሮ ዂሉን ከኣ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧

6 ዮያቂም ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮያኪን ነገሰ።

7 ነቲ ናይ ንጉስ ግብጺ ዘበለ፡ ካብ ርባ ግብጺ ጀሚሩ ኽሳዕ ፈለግ ኤፍራጥስ፡ ንጉስ ባቢሎን ሒዝዎ ነበረ እሞ፡ ድሕርዚ እቲ ንጉስ ግብጺ ኻብ ሃገሩ መሊሱ ኣይወጸን።

8 ዮያኪን ኪነግስ ከሎ ወዲ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ነበረ፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ከኣ ሰለስተ ወርሒ ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ነሑሽታ እዩ፡ ንሳ ጓል ኤልናታን ብዓል ኢየሩሳሌም እያ።

9 ንሱ ኸኣ ከምቲ ኣቦኡ ዝገበሮ ዂሉ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።

10 በቲ ጊዜ እቲ ገላዉ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ናብ ኢየሩሳሌም ደየቡ፡ እታ ኸተማ ድማ ተኸበት።

11 እቶም ገላዉኡ ኸቢቦምዋ ኸለው ኸኣ፡ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ናብታ ኸተማ መጸ።

12 ሽዑ ዮያኪን ንጉስ ይሁዳ፡ ንሱን ኣዲኡን ገላውኡን ሓላቑኡን ስሉባቱን ናብ ንጉስ ባቢሎን ወጹ፡ እቲ ንጉስ ባቢሎን ከኣ ብሳምነይቲ ዓመት መንግስቱ ሐዞ።

13 ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ድማ፡ ንብዘሎ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን መዛግብቲ ቤት ንጉስን ኣውጽኤ፡ ነቲ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝገበሮ ዂሉ ኣቓሑ ወርቂ ኸኣ ሰባበሮ።

14 ንብዘላ ኢየሩሳሌምን ንዂሎም ሓላቑን ንዂሎም ሓያላት ጀጋኑን፡ ዓሰርተ ሽሕ ምሩኻት፡ ንዂሎም ጸረብትን ሰራሕቲ ሓጺንን ከኣ ማረኸ። ካብ ህዝቢ እታ ሃገር፡ ብዘይ እቶም ድኻታት፡ ገለ እዃ ኣይተረፈን።

15 ንዮያኪን ድማ ናብ ባቢሎን ማረኾ፡ ነደ ንጉስን ነንስቲ ንጉስን ንስሉባቱን ንዓበይቲ እታ ሃገርን ከኣ ካብ ኢየሩሳሌም ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም።

16 ንዂሎም ሓያላት ሰባት ሾብዓተ ሽሕ ዚዀኑ፡ ጸረብትን ሰራሕቲ ሓጺንን ከኣ ሽሕ፡ ኲሎም ጀጋኑ ንውግእ ዚበቕዑ፡ እቲ ንጉስ ባቢሎን ማሪኹ ናብ ባቢሎን ኣእተዎም።

17 እቲ ንጉስ ባቢሎን ድማ ንሓው ኣቦኡ ማታንያ ኣብ ክንዳኡ ኣንገሶ፡ ስሙ ኸኣ ጼዴቅያስ ኢሉ ለወጠሉ።

18 ጼዴቅያስ ኪነግስ ከሎ ወዲ ዕስራን ሓደን ዓመት ነበረ፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሓደ ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ ሓሙጣል እዩ፡ ንሳ ጓል ኤርምያስ ብዓል ሊብና እያ።

19 ንሱ ኸኣ ከምቲ ዮያቂም ዝገበሮ ዂሉ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።

20 እዚ ንኢየሩሳሌምን ንይሁዳን ካብ ቅድሚ ገጹ ኽሳዕ ዚድርብዮም ዝዀነ፡ ብምኽንያት ኲራ እግዚኣብሄር እዩ። ጼድቅያስ ድማ ካብ ንጉስ ባቢሎን ዐለወ።