2ይ ነገስት 4

1 ካብ ኣንስቲ ደቂ ነብያት ድማ ሓንቲ ሰበይቲ ናብ ኤልሳእ፡ ሰብአየይ ጊልያኻ ሞይቱ እዩ፡ ጊልያኻ ኸኣ ፈራህ እግዚኣብሄር ከም ዝነበረ ትፈልጥ ኢኻ፡ በዓል ዕዳ ኸኣ ንኽልቲኦም ደቀይ ወሲዱ ባሮቱ ኺገብሮም መጺኡ ኣሎ፡ ኢላ ጠርዔት።

2 ኤልሳእ ድማ፡ እንታይ እሞ ኽገብረልኪ፧ ኣብ ቤትኪ ዘሎኪ ንገርኒ፡ በላ። ንሳ ኸኣ፡ ገረድካ ብጀካ መቐርሰሚቶ ዘይቲ ኣብ ቤት ገለ እኳ የብላን፡ በለት።

3 ሽዑ ንሱ በላ፡ ኪዲ እሞ ካብ ወጻኢ፡ ካብ ኲለን ጐረባብትኺ ጥራይ ዝዀነ ጐይብታት ለምኒ፡ ኣይተውሕድዮ ድማ።

4 እተዊ። ድሕሬኽን ድሕሪ ደቅኽን ከኣ ማዕጾ ሸጒሪ፡ ናብ ኲሉ እዚ ገይብታት እዚ ኸኣ ኣዕርቕዮ፡ ዘዝመልኤ ድማ ኣግልስዮ።

5 ካብኡ ኸኣ ከደት እሞ። ድሕሪኣን ድሕሪ ደቃን ነታ ማዕጾ ሸጐረቶ። ንሳቶም ድማ ጐይብታት የምጽኡላ ነበሩ፡ ንሳ ኸኣ ተዕርቕ ነበረት።

6 ኰነ ድማ፡ እቲ ጐይብታት ምስ መልኤ፡ ንወዳ፡ ገና ኸኣ ጐይቢ ኣይመጽኣለይ፡ በለቶ። ንሱ ድማ፡ ደጊምሲ ግይቢ የልቦን፡ በላ። እቲ ዘይቲ ኸኣ ቈመ።

7 ሽዑ ናብቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ መጺኣ ነገረቶ። ንሱ ድማ። ኪዲ፡ እቲ ዘይቲ ሽጢ እሞ ዕዳኺ ኽፈሊ፡ በቲ ዝተረፈ ኸኣ ንስኽን ደቅኽን ተናበሩ፡ በላ።

8 ሓደ መዓልቲ ድማ ዀነ፡ ኤልሳእ ናብ ሹኔም ሐለፈ። ኣብኡ ኸኣ ሃብታም ሰበይቲ ነበረት እሞ፡ እንጌራ ኺበልዕ ግዲ በለቶ። ኰነ ድማ፡ ኲሉ ሳዕ ብእኣ ምስ ዚሐልፍ፡ እንጌራ ኺበልዕ ናብኣ የግልስ ነበረ።

9 ንሰብኣያ ኽኣ፡ እንሆ እዚ ወርትግ በዚ ዚሐልፍ፡ ንሱ ቅዱስ ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃኑ እፈልጥ ኣሎኹ።

10 እምበኣርሲ፡ በጃኻ፡ ኣብ ልዕሊ መንደቕ ንእሽቶ ቤት ንስራሕ እሞ ኣብኣ ዓራትን ሰደቓን መንበርን ቀዋሚ ቐንዴልን ንግበር። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ናባና ምስ ዚመጽእ፡ ናብኣ የግልስ፡ በለቶ።

11 ኰነ ኸኣ፡ ሓንቲ መዓልቲ ናብኣ መጸ፡ ናብታ ቤት ኣግሊሱ ድማ ኣብኣ ደቀሰ።

12 ንገሓዚ ድማ። እቲ ጊልያኡ፡ ነታ ሹናማዊት ጸውዖያ፡ በሎ። ምስ ጸውዓ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለት።

13 ንሱ ኸኣ ንእኡ፡ እንሆ፡ እዚ ዂሉ ሓልዮት እዚ ሐሌኽልና፡ እንታይ እሞ ኺግበረልኪ እዩ፧ ኣብ ንጉስ ወይ ኣብ ሓለቓ ሰራዊት ዚዝረብዶ ኣሎኪ፧ በላ፡ በሎ። ንሳ ድማ፡ ኣብ ማእከል ህዝበይ እየ ተቐሚጠ ዘሎኹ፡ በለት።

14 እንታይ ደአ ኽገብረላ እየ፧ በለ። ገሓዚ ኸኣ፡ ውሉድ እምበር የብላን፡ ሰብኣያ ድማ ኣረጊት እዩ፡ በለ።

15 ንሱ ኸኣ፡ ጸውዓያ፡ በለ። ምስ ጸውዓ ድማ፡ ኣብ ኣፍ ቤት ደው በለት።

16 ንሱ ኸኣ፡ ንዓመታ ኸምዛ ጊዜ እዚኣ ወዲ ኽትሐቚፊ ኢኺ፡ በለ። ንሳ ድማ፡ ኣይፋልካን ጐይታይ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንገረድካ ኣይትሐስዋ፡ በለት።

17 እታ ሰበይቲ ኸኣ ጠነሰት እሞ፡ ከምቲ ኤልሳእ እተዛረቦ፡ ንዓመታኡ በታ ጊዜ እቲኣ ወዲ ወለደት።

18 እቲ ቘልዓ ድማ ዐበየ። ኰነ ኸኣ፡ ሓንቲ መዓልቲ ናብ ኣቦኡ ናብ ዓጻዶ ወጸ።

19 ነቦኡ ድማ፡ ርእሰይ፡ ርእሰይ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ ንጊልያኡ። ሐንጊርካ ናብ ኣዲኡ ውሰዶ፡ በሎ።

20 ሓንጊሩ ኸኣ ናብ ኣዲኡ ኣእተዎ። ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ድማ ኣብ ብርካ ኾፍ በለ፡ ሽዑ ሞተ።

21 ንሳ ኸኣ ደዪባ ኣብ ዓራት እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣደቀሰቶ፡ ብድሕሪኡ ሽጒራቶ ወጸት።

22 ንሰብኣያ ጸዊዓ ድማ፡ ናብቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ጐይየ ኽምለስሲ፡ በጃኻ፡ ሓደ ኻብቶም ገላዉን ሓንቲ ኣድግን ስደደለይ፡ በለቶ።

23 ንሱ ኸኣ፡ ሰርቂ ወርሒ ኣይኰነ፡ ሰንበትውን ኣይኰነ፡ ስለምንታይ ደአ ሎሚ ናብኡ እትኸዲ፡ በላ። ንሳ ድማ፡ ደሓን፡ በለት።

24 ሽዑ ነታ ኣድጊ ጽዒና ነቲ ጊልያኣ፡ ኪድ ምራሕ፡ ኣነ እንተ ዘይበልኩኻ ኣብ መገዲ ጠጠው ኣይተብለኒ፡ በለቶ።

25 ተበጊሳ ድማ ኣብ ከረን ቀርሜሎስ ናብቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከደት። ኰነ ኸኣ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣማዕድዩ ምስ ረአያ፡ ንጊልያኡ ገሓዚ፡ እታ ሹናማዊት፡ ኣብኡ እንሃ፡

26 በጃኻ፡ ሕጂ ጐዪኻ ተቐበላ እሞ ደሓንዶ ኢኺ፧ ሰብኣይኪኸ ደሓንዶ ኣሎ፧ እቲ ወዲኺ ደሓንዶ ኣሎ፧ በላ፡ በሎ። ንሳ ድማ ደሓን በለት።

27 ናብቲ ኸርን፡ ናብቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ምስ መጸት ከኣ፡ በእጋሩ ኣጽኒዓ ሐዘቶ። ገሓዚ ድማ ኪደፍኣ ቐረበ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ግና፡ ነፍሳ እተመረረት እያ እሞ፡ ሕደጋ ደኣ፡ እግዚኣብሄር ግዳ ሓቢኡለይ እዩ፡ ኣይገለጸለይን ድማ፡ በሎ።

28 ንሳ ኸኣ፡ ወዲ ሀበኒ ኢለዶ ኻብ ጐይታይ ለሚነ ነይረ እየ፧ ኣይትጠብረኒዶ ኢለካ ኣይነበርኩን፧ በለት።

29 ሽዑ ንገሓዚ፡ ሕቜኻ ተዐጠቕ እሞ፡ በትረይ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ኺድ፡ ገለ ሰብ እንተ ረኸበካ ከኣ፡ ከመዓልካ ኣይትበሎ፡ ከመዓልካ እንተ በለካውን ኣይትምለሰሉ። ነዛ በትረይ ድም ኣብ ገጽ እቲ ቘልዓ ኣንብራ፡ በሎ።

30 ኣደ እቲ ቘልዓ ኸኣ፡ ከይሐድገካ፡ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ነፍስኻውን ህያው እያ፡ በለት። ተንሲኡ ድማ ደድሕሪኣ ኸደ።

31 ገሓዚ ኸኣ ቀዲምዎም ሐሊፉ፡ ነታ በትሪ ኣብ ገጽ እቲ ቘልዓ ኣንበራ፡ ግናኸ ደሃይ ኣይነበሮን፡ ምስማዕውን ኣይነበሮን። ሽዑ ኺቃባበሎ ተመሊሱ፡ እቲ ቘልዓ ኣይተንስኤን፡ ኢሉ ነገሮ።

32 ኤልሳእ ናብታ ቤት ምስ ኣተወ ድማ፡ እንሆ፡ እቲ ቘልዓ ሞይቱ፡ ኣብ ዓራቱ ተጋዲሙ ጸንሖ።

33 ናብታ ቤት ኣትዩ ኸኣ፡ ድሕሪ ኽልቲኦም ነቶ ማዕጾ ሸጐሮ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ከኣ ለመነ።

34 ደዪቡ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ቘልዓ በጥ በለ፡ ኣፉ ኸኣ ኣብ ኣፉ፡ ዓይኑ ድማ ኣብ ዓይኑ፡ ኢዱውን ኣብ ኢዱ ገበረ እሞ፡ ኣብ ልዕሊኡ ተዘርግሔ፡ ስጋ እቲ ቘልዓ ኸኣ ሞቐ።

35 መሊሱ ድማ ኣብታ ቤት ሓንሳእ ናብዚ ሓንሳእ ናብቲ ኣቢሉ ተዛወረ፡ ከም ብሓድሽ ደዪቡ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊኡ በጥ በለ። እቲ ቘልዓ ድማ ሾብዓተ ሳዕ እንጥሾ በለ እሞ እቲ ቘልዓ ኣዒንቱ ቛሕ ኣበለ።

36 ሽዑ ኤልሳእ ንገሓዚ ጸዊዑ፡ ነታ ሹናማዊት ጸውዓያ፡ በሎ። ጸዊዑ ኸኣ። ናብኡ ምስ ኣተወት ድማ፡ ወድኺ ውሰዲ፡ በላ።

37 ኣትያ ኽኣ ኣብ እግሩ ወዲቓ ናብ ምድሪ ፍግም ኢላ ሰገደት፡ ወዳ ሒዛ ድማ ወጸት።

38 ኤልሳእ ከኣ ናብ ጊልጋል ተመልሰ፡ ኣብታ ሃገር ድማ ጥሜት ነበረ። እቶም ደቂ ነብያት ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ተቐሚጦም ነበሩ። ነቲ ጊልያኡ ድማ፡ ነቲ ዓብዪ ቚራዕ ሰኽቲትካ ነዞም ደቂ ነብያት ጸብሒ ኣፍልሓሎም፡ በሎ።

39 ሓደ ኸኣ ሓምሊ ኺሐምል ናብ መሮር ወጸ፡ ወይኒ መሮር ድማ ረኸበ፡ ካብኡ ኸኣ ሓምሊ መሮር ሓሚሉ ኽዳኑ መሊኡ ኣተወ፡ ስለ ዘይፈለጥዎ ድማ፡ ናብቲ ቚራዕ ቀርደዶ።

40 ምእንቲ ኪበልዑ ድማ ነቶም ሰባት ቀድሓሎም። ኰነ ኸኣ፡ ካብቲ ጸብሒ ኺበልዑ ኸለዉ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ኣብዝስ ቚራዕ ሞት ኣሎ፡ ኢሎም ጨርሑ። ኪበልዕዎ ኸኣ ኣይከኣሉን።

41 ሽዑ ንሱ፡ ሓርጭ ኣምጽኡ፡ በለ። ኣብ ቊራዕ ኣእትይዎ ድማ፡ ምእንቲ ኺበልዑ፡ ነቶም ህዝቢ ቕድሑሎም፡ በለ። ድሕርቲ ኣብቲ ቚራዕ ገለ ኽፉእ ነገር ኣይነበረን።

42 ካብ በዓል-ሻሊሻ ድማ ሰብኣይ መጸ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከኣ ናይ በዂራት እንጌራ፡ ዕስራ ጐጎ ስገምን ጥቡስ ሰዊት ስርናይ ኣብ ለቘታ ገይሩ ኣምጽኣሉ። ንሱ ድማ፡ ኪበልዕዎስ ነዞም ህዝቢ ሀቦም፡ በለ።

43 እቲ ኣገልጋሊኡ ኸኣ፡ እዚ ደአ ኸመይ ገይረ ንሚእቲ ሰብ ክቕርበሎም እየ፧ በለ። ንሱ ግና፡ እግዚኣብሄር፡ ኪበልዑ እዮም፡ ኬትርፉ ድማ እዮም፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንህዝቢ ደአ ሀቦም ይብልዕዎ፡ በለ።

44 ሽዑ ኣብ ቅድሚኦም ኣቕረበሎም፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ድማ በሊዖምሲ ኣትረፉ።