2ይ ነገስት 22

1 ዮስያስ ኪነግስ ከሎ ወዲ ሾሞንተ ዓመት ነበረ፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ከኣ ሰላሳን ሓደን ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ የዲዳ እዩ፡ ንሳ ጓል ዓዳይ ብዓል ቦጽቃት እያ።

2 ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ፡ ብዂሉ መገዲ ኣቦኡ ዳዊት ከደ፡ ንየማን ኰነ ንጸጋም ኣየግለሰን።

3 ኰነ ድማ፡ ንንጉስ ዮስያስ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ እቲ ንጉስ ንሻፋን ጸሓፊ፡ ወዲ ኣጻልያ ወዲ መሹለም፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ለአኾ፡

4 ናብቲ ሊቀ ኻህናት ናብ ሒልቂያ ደይብ እሞ ነቲ እቶም ሓለውቲ ደገ ኻብቲ ህዝቢ ዝአከብዎ፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ዝአተወ ገንዘብ ኪእክቦ አዝዞ።

5 ነቶም ዕዮ ዜዕይዩ ዋናታት ቤት እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኢዶም ይሀብዎም፡ ንሳቶም ከኣ ነቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ነቲ ነቓዕ እታ ቤት ኪጽግኑ ዚዐዩ ዓየይቲ፡

6 ንጸረብትን ንሀነጽትን ንነደቕትን፡ ንምጽጋን እታ ቤት ዚኸውን ኣእዋምን ውቑር እምንን ዚዕደገሉ ገንዘብ ይሀብዎም።

7 ግናኸ ብእምነት እዮም ዚገብርዎ እሞ፡ ነቲ ኣብ ኢዶም እተዋህበ ገንዘብ ኣይጸባጸብዎም።

8 ሊቀ ኻህናት ሒልቂያ ኸኣ ንሻፋን እቲ ጸሓፊ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር መጽሓፍ ሕጊ ረኺበ፡ በሎ። ሒልቂያ ድማ እቲ መጽሓፍ ንሻፋን ሀቦ፡ ንሱ ኸኣ ኣንበቦ።

9 ሻፋን እቲ ጸሓፊ ድማ ናብ ንጉስ አትዩ፡ እቶም ገላዉኻ ነቲ ኣብታ ቤት እተረኽበ ገንዘብ ገልቢጦም ነቶም ዕዮ ዜዕይዩ ዋናታት ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ኢዶም ሀብዎም፡ ኢሉ ነቲ ንጉስ እቲ ነገር መለሰሉ።

10 ሻፋን እቲ ጸሓፊ ድማ ንንጉስ፡ ሊቀ ኻህናት ሒልቂያ መጽሓፍ ሂቡኒ፡ ኢሉ ነገሮ። ሻፋን ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣንበቦ።

11 ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ ቃላት እቲ መጽሓፍ ሕጊ ምስ ሰምዔ፡ ክዳውንቱ ቐደደ።

12 እቲ ንጉስ ከኣ ንኻህን ሒልቂያን ንኣሒቃም ወዲ ሻፋንን ንዓክቦር ወዲ ሚካያን ንሻፋን እቲ ጸሓፍን ንዓሳያ ጊልያ ንጉስን፡

13 ኣቦታትና ንቓላት እዚ መጽሓፍ እዚ ኸምቲ ዂሉ ንኣና እተጻሕፈ ኺገብርዎ ኢሎም ስለ ዘይሰምዕዎ፡ እቲ ኣባና ተቓጺሉ ዘሎ ዂራ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ እሞ፡ ኢሉ ብናይ እዚ እተረኽበ መጽሓፍ እዚ ነገር ምእንታይን ምእንቲ ህዝብን ምእንቲ ዂሉ ይሁዳን ንእግዚኣብሄር ሕተትዎ፡ ኢሉ ኣዘዞም።

14 ሽዑ ኻህን ሒልቂያን ኣሒቃምን ዓክቦርን ሻፋንን ዓሳያን ናብ ነብዪት ሑልዳ፡ ሰበይቲ ሻሎም ሓላው ክዳውንቲ፡ ከዱ፡ ንሱ ወዲ ጢቅዋ ወዲ ሓርሓስ እዩ። ንሳ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌምስ ኣብታ ኻልአይቲ ኽፍሊ ትቕመጥ ነበረት። ንእኣ ድማ ተዛረብዋ።

15 ንሳ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በለቶም፡ ነቲ ናባይ ዝለአኸኩም ሰብኣይ በልዎ፡

16 እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኲሉ ቓላት እቲ መጽሓፍ፡ እቲ ንጉስ ይሁዳ ዘንበቦ፡ እንሆ፡ ናብዛ ቦታ እዚኣን ናብቶም ዚነብርዋ ዘለዉን እቲ ኽፉእ ከምጽኦ እየ።

17 ብዂሉ ግብሪ ኣእዳዎም ምእንቲ ኬቘጥዑንስ፡ ንኣይ ሐዲጎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝዐጠኑ፡ ናብዛ ቦታ እዚኣ ዂራይ ኪቃጸል እዩ፡ ኣይጠፍእን ከኣ።

18 ነቲ ንእግዚኣብሄር ክትሐቱ ኢሉ ዘለአኸኩም ንጉስ ይሁዳ ግና ከምዚ በልዎ፡ ብዛዕባ እቲ ዝሰማዕካዮ ነገር እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡

19 ብዛዕባ እዛ ቦታ እዚኣን ብዛዕባ እቶም ዚነብርዋን ንመደነቕን ንመራገምን ኪዀኑ እዮም ኢለ እተዛረብክዎም ምስ ሰማዕካ ልብኻ ስለ ዝለስለሰ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ትሕት ስለ ዝበልካ፡ ክዳንካ ቐዲድካ ኸኣ ኣብ ቅድመይ ስለ ዝበኼኻ፡ ኣነ ድማ ሰሚዔካ ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

20 ስለዚ እንሆ፡ ናብ ኣቦታትካ ኽእክበካ እየ፡ ናብ መቓብርካ ኸኣ ብሰላም ክትእከብ ኢኻ፡ ነቲ ኣነ ናብዛ ቦታ እዚኣ ዘምጽኦ ዂሉ ኽፉእ ኣዒንትኻ ኣይርእያኦን እየን። ንሳቶም ድማ ነቲ ነገር ናብ ንጉስ መለስዎ።