2ይ ነገስት 2

1 ኰነ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንኤልያስ ብህቦብላ ንፋስ ንሰማይ ኬዕርጎ ምስ ደለየ፡ ኤልያስ ምስ ኤልሳእ ካብ ጊልጋል ከደ።

2 ኤልያስ ከኣ ንኤልሳእ፡ እግዚኣብሄር ክሳዕ ቤት-ኤል ልኢኹኒ እዩ እሞ፡ በጃኻ፡ ኣብዚ ጽናሕ፡ በሎ። ኤልሳእ ግና፡ ከይሐድገካ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ነፍስኻውን ህያው እያ፡ በለ። ናብ ቤት-ኤል ድማ ወረዱ።

3 እቶም ኣብ ቤት-ኤል ዝነበሩ ደቂ ነብያት ከኣ ናብ ኤልሳእ ወጺኦም፡ እግዚኣብሄር ንጐይታኻ ሎሚ ኻብ ልዕሊ ርእስኻ ኸም ዚወስዶዶ ፈሊጥካ ኣሎኻ፧ በልዎ። እወ፡ ኣነ ድማ ፈሊጠ ኣሎኹ፡ ስቕ ደኣ በሉ፡ በለ።

4 ኤልያስ ከኣ፡ ኣታ ኤልሳእ፡ እግዚኣብሄር ናብ ያሪኮ ልኢኹኒ እዩ እሞ፡ በጃኻ፡ ኣብዚ ጽናሕ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ ከይሐድገካ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ነፍስኻውን ህያው እያ፡ በለ። ናብ ያሪኮ ኸኣ መጹ።

5 ኣቶም ኣብ ያሪኮ ዝነበሩ ደቂ ነብያት ድማ ናብ ኤልሳእ ቀሪቦም፡ እግዚኣብሄር ንጐይታኻ ሎሚ ኻብ ልዕሊ ርእስኻ ኸም ዝወስዶዶ ትፈልጥ ኣሎኻ፡ በልዎ። እወ፡ ኣነ ድማ ፈሊጠ ኣሎኹ፡ ስቕ ደአ በሉ፡ በለ።

6 ኤልያስ ድማ፡ እግዚኣብሄር ናብ ዮርዳኖስ ልኢኹኒ እዩ እሞ፡ በጃኻ፡ ኣብዚ ጽናሕ፡ በሎ። ንሱ ግና፡ ከይሐድገካ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ነፍስኻውን ህያው እያ፡ በለ። ክልቲኦም ከኣ ኸዱ።

7 ኣብ ደቂ ነብያት ድማ ሓምሳ ሰብ ከይዶም ኣብ ርሑቕ ኰይኖም ኣብ መንጽሮም ደው በሉ፡ እቶም ክልተ ኸኣ ኣብ ዮርዳኖስ ደው በሉ።

8 ሽዑ ኤልያስ ነታ ባርኖሱ ወሲዱ ጠቕሊሉ ነቲ ማይ ወቕዖ፡ ናብዝን ናብትን ድማ ተመቕለ፡ ክልቲኦም ድማ ብንቑጽ ተሳገሩ።

9 ኰነ ኸኣ፡ ምስ ተሳገሩ፡ ኤልያስ ንኤልሳእ፡ ገና ኻባኻ ኸይተወሰድኩ እቲ ኽገብረልካ እትደልዮ ለምን፡ በሎ። ኤልሳእ ድማ፡ በጃኻ፡ እቲ መንፈስካ ኣብ ልዕለይ ዕጽፊ ይኹን፡ በለ።

10 ንሱ ኸኣ፡ ዜሸግር ነገር ለመንካ። ካባኻ ኽውሰድ ከሎኹ እንተ ርኤኻኒ ግና፡ ከምኡ ኪዀነልካ እዩ፡ እንተ ዘይኰነ ግና፡ ኣይኸውንን እዩ፡ በለ።

11 ኰነ ኸኣ፡ እናተዛራረቡ ኪኸዱ ኸለዉ፡ እንሆ፡ ሰረገላ ሓውን ኣፍራስ ሓውን፡ ኣብ መንጎኦም መጺኡ ንኽልቲኦም ፈላለዮም። ኤልያስ ድማ ብህቦብላ ንፋስ ናብ ሰማይ ዓረገ።

12 ኤልሳእ ከኣ እዚ ርእዩ፡ ኣቦይ፡ ኣቦይ፡ ሰረገላ እስራኤልን ፈረሰኛታቱን፡ ኢሉ ጨደረ። መሊሱ ድማ ኣይረኣዮን። ነቲ ኽዳውንቱ ሒዙ ኸኣ ኣብ ክልተ ተርተሮ።

13 ነቲ ባርኖስ ኤልያስ፡ ካብኡ ዝወደቐ፡ ኣልዒሉ ኸኣ፡ ተመሊሱ ኣብ ገምገም ዮርዳኖስ ደው በለ።

14 ነቲ ባርኖስ ኤልያስ፡ ካብኡ ዝወደቐ፡ ድማ ወሰዶ፡ ነቲ ማይ ወቒዑ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኤልያስከ፡ ንሱ ኣበይ ኣሎ፧ በለ። ነቲ ማይ ምስ ወቕዖ ድማ፡ ናብዝን ናብትን ተመቕለ፡ ኤልሳእ ከኣ ተሳገረ።

15 እቶም ኣብ ያሪኮ ኣብ መንጽር ዝነበሩ ደቂ ነብያት ምስ ረኣይዎ ድማ፡ መንፈስ ኤልያስ ኣብ ልዕሊ ኤልሳእ ሓዲሩ ኣሎ፡ በሉ። ኪቃባበልዎ መጺኦም ከኣ ኣብ ምድሪ ወዲቖም ኢድ ነስኡሉ።

16 ንሳቶም ድማ፡ እንሆ፡ ምስ ገላዉኻ ሓምሳ ሓያላት ሰባት ኣለዉ እሞ፡ ንጐይታኻ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣልዒሉ ናብ ሓደ ኸረን ወይ ኣብ ሓደ ሽንጭሮ ደርብይዎ ኸይከውንሲ፡ በጃኻ፡ ከይዶም ይድለይዎ፡ በልዎ። ንሱ ግና፡ ኣይትስደዱ፡ በለ።

17 ክሳዕ ዚሐፍር ግዲ ምስ በልዎ ኸኣ፡ ንሱ። ስደዱ፡ በሎም። ሓምሳ ሰብ ከኣ ሰደዱ፡ ሰለስተ መዓልቲ ድማ ደለይዎ፡ ግናኸ ኣይረኸብዎን።

18 ንሱ ኣብ ያሪኮ ተቐሚጡ ኸሎ ኸኣ፡ ናብኡ ተመልሱ። ንሱ ድማ፡ ኣይትኺዱዶ ኣይበልኩኹምን፡ በሎም።

19 ሰብ እታ ኸተማ እቲኣ ኸኣ ንኤልሳእ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ፡ ከምዚ ጐይታይ እትርእዮ ዘሎኻ፡ እንሃ ኣቐማምጣኣ ጽቡቕ እዩ፡ እቲ ማይ ግና ሕማቕ እዩ፡ እዛ ሃገር ድማ መምከኒት እያ፡ በልዎ።

20 ንሱ ኸኣ፡ ወዝኖ ዳንሶ ኣምጽኡለይ ጨው ድማ ግበሩሉ፡ በለ። ናብኡ ኸኣ ኣምጽኡሉ።

21 ናብታ ዓይኒ ማይ ድማ ወጸ፡ ኣብኡ ጨው ደርብዩ ኸኣ በለ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ነዛ ማይ እዚኣ ፈዊሰያ እየ፡ ድሕሪ ደጊም ካብኡ ሞትን ምምካንን ኣይኸውንን።

22 እቲ ማይ ከኣ፡ ከምቲ ኤልሳእ እተዛረቦ ዘረባ፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ጥዑይ ኰይኑ ኣሎ።

23 ካባኡ ኸኣ ናብ ቤት-ኤል ደየበ። ብመገዲ ኺድይብ ከሎ ድማ፡ ናእሽቱ ቘልዑ ኻብታ ኸተማ ወጺኦም፡ ኣታ በራሕ። ደይብ፡ ኣታ በራሕ፡ ደይብ፡ ኢሎም ኣላገጹሉ።

24 ንድሕሪት ግልጽ ኢሉ ድማ ረአዮም፡ ብስም እግዚኣብሄር ከኣ ረገሞም። ሽዑ ኽልተ ድቢ ኻብ ዱር ወጹ፡ ካባታቶም ድማ ኣርብዓን ክልተን ቈልዓ ሰባበሩ።

25 ካብኡ ኸኣ ናብ ከረን ቀርሜሎስ ከደ፡ ካብኡውን ናብ ሰማርያ ተመልሰ።