2ይ ነገስት 21

1 ምናሴ ኺነግስ ከሎ ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ነበረ፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ከኣ ሓምሳን ሓሙሽተን ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ ሔፍጺባ እዩ።

2 ንሱ ኸኣ፡ ከም ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎ ህዝብታት ዝበለ ጽያፍ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ነበረ።

3 ንሱ ድማ ነቲ ኣቦኡ ህዝቅያስ ዘፍረሶ በረኸት መሊሱ ሰርሖ፡ ንበዓል ከኣ መሰውኢታት ኣቘመ፡ ከምቲ ኣከአብ ንጉስ እስራኤል ዝገበሮ ድማ ኣስታርተ ገበረ፡ ንብዘለዉ ሰራዊት ሰማይ ከኣ ሰገደሎምን ኣገልገሎምን።

4 ኣብታ እግዚኣብሄር ብዛዕባኣ፡ ስመይ ኣብ ኢየሩሳሌም ከንብር እየ፡ ዝበለ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እኳ መሰውኢታት ሰርሔ።

5 ንብዘለዉ ሰራዊት ሰማይ ድማ ኣብ ውሽጢ ኽልቲኡ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር መሰውኢታት ሰርሓሎም።

6 ንወዱ ኸኣ ብሓዊ ኣሕለፎ፡ ብደበናን ብተመንን ገይሩ ድማ ይጥንቊል ነበረ፡ መናፍስቲ ዚሐቱን መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ከኣ ገበረ። ምእንቲ ኬዀርዮስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዙሕ ክፋእ ገበረ።

7 ነቲ ዝገበሮ ምስሊ ኣስታርተ ድማ ኣብታ ቤት ኣንበሮ። ብዛዕባ እታ ቤት ግና እግዚኣብሄር ንዳዊትን ንወዱ ሰሎሞንን በሎም፡ ኣብዛ ቤት እዚኣን ኣብዛ ኻብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ዝሐሬኽዋ ኢየሩሳሌምን ስመይ ንዘለአለም ከንብር እየ፡

8 ሓንትስ ከምቲ ዂሉ ዝአዘዝክዎምን ከምቲ ባርያይ ሙሴ ዝአዘዞም ኲሉ ሕግን ከኣ ንምግባሩ እንተ ተጠንቀቑሉ፡ ሽዑ ንእግሪ እስራኤል ከኣ ካብታ ነቦታቶም ዝሀብክዎም ምድሪ መሊሰ ኣየግዕዝን እየ።

9 ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን። ምናሴ ድማ ካብ ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘጥፍኦም ህዝብታት ዝኸፍኤ ኺገብሩ ኣስሐቶም።

10 ሽዑ እግዚኣብሄር ብባሮቱ ነብያት ገይሩ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡

11 ምናሴ ንጉስ ይሁዳ እዚ ጽያፋት እዚ ስለ ዝገበረን፡ ካብቲ እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣሞራውያን ዝገበርዎ ዚኸፍእ ስለ ዝገበረን፡ ንይሁዳ ድማ ብጣኦታቱ ስለ ዘሕጥኦም፡

12 ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ንዝሰምዖ ዘበለ ኣብ ክልቲኤን እዝኑ ዱድ ክሳዕ ዚብሎ፡ ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌምን ይሁዳን ክፉእ ነገር ከምጽእ እየ።

13 እቲ ገመድ ሰማርያን እቲ ሚዛን ቤት ኣከኣብን ድማ ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም ክዝርግሖ እየ፡ ጻሕሊ ኸም ዚሕጸብ፡ ሐጺብካ ብኣፉ ኸም ኣትደፍኦ፡ ንኢየሩሳሌም ድማ ክሐጽባ እየ።

14 ነቲ ተረፍ ርስተይ ከኣ ክጥንጥኖ እየ፡ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ድማ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኣብ ኲሎም ጸላእቶም ንምርኮን ንምብዝባዝን ኪዀኑ እዮም።

15 እዚ ኸኣ ኣብ ቅድመይ ክፉእ ስለ ዝገበሩን፡ ካብታ ኣቦታቶም ካብ ግብጺ ዝወጹላ መዓልቲ ጀሚሮም ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ስለ ዝዀረዩንን እዩ።

16 ምናሴ ድማ ብጀካ እቲ ሓጢኣቱ ብእኡ ንይሁዳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ንምግባር ዘሕጥኤ፡ ወሲኹ ኸኣ ክሳዕ ንኢየሩሳሌም ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን ዚመልኣ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ንጹህ ደም ኣፍሰሰ።

17 እቲ ዝተረፈ ናይ ምናሴ ነገርን ኲሉ ዝገበሮን ነቲ ዝገበሮ ሓጢኣትን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧

18 ምናሴ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ እሞ ኣብ ኣታኽልቲ ቤቱ ኣብ ኣታኽልቲ ዑዛ ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣሞን ነገሰ።

19 ኣሞን ኪነግስ ከሎ ወዲ ዕስራን ክልተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ከኣ ክልተ ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ድማ መሹለመት እዩ፡ ንሳ ጓል ሓሩጽ ብዓል ዮጣባ እያ።

20 ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።

21 በቲ ዂሉ ኣቦኡ ዝኸዶ መገዲ ድማ ኸደ፡ ነቶም ኣቦኡ ዘገልገሎም ጣኦታት ከኣ ኣገልገሎምን ሰገደሎምን።

22 ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቱ ሐደጎ፡ በመገዲ እግዚኣብሄርውን ኣይከደን።

23 ገላዉ ኣሞን ድማ ተማሓሐሉሉ እሞ ነቲ ንጉስ ኣብ ቤቱ ቐተልዎ።

24 ህዝቢ እታ ሃገር ግና ነቶም ንንጉስ ኣሞን እተማሓሓሉሉ ዂሎም ቀተሎም። እቲ ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ኣብ ክንዳኡ ንወዱ ዮስያስ ኣንገሶ።

25 እቲ ዝተረፈ ኣሞን ዝገበሮ ነገር ድማ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧

26 ኣብ መቓብሩ ኣብ ኣታኽልቲ ዑዛ ድማ ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮስያስ ነገሰ።