2ይ ነገስት 19

1 ኰነ ድማ፡ ንጉስ ህዝቅያስ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ክዳኑ ቐዲዱ፡ ከሊ ተኸዲኑ ናብ ቤት እግዚኣብሄር አተወ።

2 ንኤልያቂም ኣዛዝ ቤትን ንሸብና እቲ ጸሓፍን ካብ ካህናትውን ዓበይቲ ገይሩ፡ ከሊ ተኸዲኖም ናብ ነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ሰደዶም።

3 ንሳቶም ድማ በልዎ፡ ህዝቅያስ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ መዓልቲ ጸበባን ቅጽዓትን ነውርን እያ፡ ሕጻናት ናብ ምውላድ በጺሖም ነይሮም፡ ንምውላድ ግና ሓይሊ ተሳእነ።

4 ምናልባሽ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዂሉ ዘረባ ራብሳቀ፡ እቲ ጐይታኡ ንጉስ ኣሶር ነቲ ህያው ኣምላኽ ኪጸርፎ ኢሉ ዝለአኾ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፡ በቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሰምዖ ዘረባ ኪቐጽዖ እዩ። እምበአርሲ ምእንቲ እዚ ገና ተሪፉ ዘሎ ትርፎፍያ ጸሎት ኣዕርግ።

5 እቶም ገላዉ ንጉስ ህዝቅያስ ከኣ ናብ ኢሳይያስ መጹ።

6 ኢሳይያስ ድማ በሎም፡ ንጐይታኹም ከምዚ በልዎ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በቲ ገላዉ ንጉስ ኣሶር ኪጸርፉኒ ዝሰማዕካዮም ቃላት ኣይትፍራህ።

7 እንሆ፡ ኣነ መንፈስ ክህቦ እየ፡ ወረ ሰሚዑ ኸኣ ናብ ሃገሩ ኺምለስ እዩ፡ ኣብ ሃገሩ ድማ ብሴፍ ከውድቖ እየ።

8 ራብሳቀ ኸኣ ተመልሰ፡ ንሱ እቲ ንጉስ ኣሶር ካብ ላኪሽ ከም ዝነቐለ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡ ንሊብና ኺዋግኣ ኸሎ ረኸቦ።

9 ንሱ ግና ብዛዕባ ቲርሃቃህ ንጉስ ኢትዮጵያ፡ እንሆ፡ ኪወግኣካ ወጺኡ ኣሎ፡ ኪብሉ ምስ ሰምዔ፡ መሊሱ ናብ ህዝቅያስ ከምዚ ኢሉ ልኡኻት ሰደደ፡

10 ንህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ በልዎ፡ እዚ ንስኻ እትእመኖ ዘሎኻ ኣምላኽካ፡ ኢየሩሳሌምስ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይትውሀብን እያ፡ ኢሉ ኣየዐሹኻ።

11 እቶም ነገስታት ኣሶር ንዂለን ሃገራት ዝገበርወን፡ ከመይ ገይሮም ከም ዘጥፍእወን፡ እንሆ፡ ሰሚዕካዮ ኣሎኻ፡ ንስኻኸ ትድሕንዶ፧

12 እቶም ኣማልኽቲ ኣህዛብሲ ነቶም ኣቦታተይ ዘጥፍእዎም፡ ንጐዛንን ንሓራንን ንሬጸፍን ነቶም ኣብ ተላሳር ዝነበሩ ደቂ ዔደንን ኣድሐንዎምዶ፧

13 ንጉስ ሓማትን ንጉስ ኣርጳድን ንጉስ ከተማ ሰፈርዋዪምን ናይ ሄናን ናይ ዒዋን ድማ ኣበይ ኣለዉ፧

14 ህዝቅያስ ከኣ ነታ ደብዳበ ኻብ ኢድ እቶም ልኡኻት ተቐቢሉ ኣንበባ። ህዝቅያስ ከኣ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደዪቡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘርግሓ።

15 ህዝቅያስ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ጸለየ፡ ኣታ ኣብ ኪሩቤል እትቕመጥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ እቲ ኣምላኽ ኲለን መንግስትታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ ኢኻ፡ ንሰማይን ንምድርን ንስኻ ገበርካዮ።

16 ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣእዛንካ ኣድንን እሞ ስማዕ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣዒንትኻ ቓሕ ኣቢልካ ድማ ርኤ። ነቲ ንህያው ኣምላኽ ኪጸርፍ ኢሉ ዝለአኾ ዘረባ ሰናክሪብ ከኣ ስምዓዮ።

17 ኣታ እግዚኣብሄር፡ እቶም ነገስታት ኣሶር ነቶም ህዝብታትን ንሃገሮምን ከም ዘባደሙ ሓቂ እዩ።

18 ንኣማልኽቶምውን ናብ ሓዊ ደርበይዎም። ንሳቶም ካብ ዕጨ እምኒ ብኢድ ሰብ ኣተገብሩ እዮም እምበር፡ ኣማልኽትስ ኣይኰኑን፡ ስለዚ ኣጥፍእዎም።

19 ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ኲለን መንግስትታት ምድሪ ንስኻ እግዚኣብሄር በይንኻ ኣምላኽ ከም ዝዀንካ ምእንቲ ኺፈልጣስ፡ ንልምነካ ኣሎና፡ ካብ ኢዱ ኣድሕነና።

20 ሽዑ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ናብ ህዝቅያስ ከምዚ ኢሉ ለአኸ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነቲ ብዛዕባ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ዝለመንካኒ፡ ሰሚዔዮ ኣሎኹ።

21 እቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባኡ እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ፡ እታ ድንግል ጓል ጽዮን ነዐቐትካን ኣባጨወትካን፡ እታ ጓል ኢየሩሳሌም ድሕሬኻ ዀይና ርእሳ ነቕነቐትልካ።

22 ዝጸረፍካዮን ዘላገጽካሉን ንመን ኢኻ፧ ድምጽኻ ዓው ዘበልካ፡ ኣዒንትኻውን ቋሕ ዘበልካሉ፡ ናብ መን ኢኻ፧ ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኢኻ።

23 ብልኡኻትካ ጌርካ ንጐይታ ኸምዚ ኢልካ ጸረፍካዮ፡ ኣነ ብብዝሒ ሰረገላይ ናብ ርእሲ ኣኽራን፡ ናብ ማእከል ሊባኖስ ደየብኩ፡ ነቲ ነዋሕቲ ቄድሮሱን ነቲ ሕሩይ ጽሕድታቱን ከኣ ቘረጽኩ፡ ናብቲ ዝረሐቐ መሕደሪኡ፡ ናብቲ ፈራዪ ዱር ድማ ኣቶኹ፡

24 አኒ ዂዒተ ጋሻ ማያት ሰቴኹ፡ ንዂሉ ርባታት ግብጺ ኸኣ ብኸብዲ እግረይ አንቀጽክዎ።

25 ነዚ ኻብ ጥንቲ ኸም ዝገበርክዎ፡ ካብ ቀደም ዘመን ድማ ከም ዝፈጠርክዎዶ ኣይሰማዕካን ኢኻ፧ ሕጂ ንዕሩዳት ከተማታት ኲምራ ዑናታት ጌርካ ኸተባድመን ኣምጻእኩኻ።

26 ስለዚ እቶም ዚነብርወን ሓይሊ ሰአኑ፡ ተሸበሩን ሐፈሩን። ከም ሳዕሪ መሮርን ከም ልምሉም ሓምልን ከም ድርቃ ናሕስን ከይሰወተ ኸም ዝሀጐጐ እኽልን ኰኑ።

27 ኣነ ግና ምቕማጥካን ምውጻእካን ምእታውካን፡ ንኣይ ምዂራይካውን እፈልጥ ኣሎኹ።

28 ስለ ዝዀሬኻለይ፡ ትዕቢትካውን ናብ ኣእዛነይ ስለ ዝደየበ፡ ሰንቀይ ኣብ ኣፍንጫኻ፡ ልጓመይውን ኣብ ከናፍርካ ኽገብረልካ እየ፡ በታ ዝመጻእካለይ መገዲ ድማ ክመልሰካ እየ።

29 ንኣኻ ግና እዚ ምልክት ይኹንካ፡ በዛ ዓመት እዚኣ ባዕሉ ዝበቘለ፡ ብኻልኣይቲ ዓመት ከኣ ባልጋ ኽትበልዑ ኢኹም። በታ ሳልሰይቲ ዓመት ግና ክትዘርኡን ክትዐጽዱን፡ ወይኒ ተኺልኩም ድማ ፍሬኡ ኽትበልዑ ኢኹም።

30 እቶም ካብ ቤት ይሁዳ ድሒኖም ዝተረፉ ድማ መሊሶም ንታሕቲ ሱር ኪሰዱ ኣብ ላዕሊ ኸኣ ኪፈርዩ እዮም።

31 ካብ ኢየሩሳሌም ተረፍ፡ ካብ ከረን ጽዮን ድማ ዝደሐነ ኺወጽእ እየ እሞ፡ ነዚ ከኣ ቅንኣት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኪገብሮ እዩ።

32 ስለዚ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንሱ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣይኣተዋን እዩ፡ ኣብኣ ድማ ፍላጻ ኣይውርውርን፡ ዋልታውን ኣይምክተላን፡ ድልድል ከኣ ኣይዂምረላን።

33 በታ ዝመጸላ መገዲ ይምለስ እምበር፡ ነዛ ኸተማ እዚኣስ ኣይኣትዋን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

34 ኣነ ድማ ነዛ ኸተማ እዚኣ ምእንታይን ምእንቲ ዳዊት ባርያይን ኢለ ኽከላኸለላን ከድሕናን እየ።

35 ኰነ ድማ፡ በታ ለይቲ እቲኣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ወጸ እሞ፡ ኣብ ሰፈር ኣሶራውያን ሚእትን ሰማንያን ሓሙሽተን ሽሕ ቀተለ። ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ ኸኣ፡ እንሆ፡ ዂላቶም ምውታት ሬሳታት ኰይኖም ጸንሑ።

36 ሽዑ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ተንሲኡ ኸደ፡ ተመሊሱ ድማ ኣብ ነነዌ ተቐመጠ።

37 ኰነ ኸኣ፡ ንሱ ኣብ ቤት ኒስሮክ ኣምላኹ ኺሰግድ ከሎ፡ ደቁ ኣድራመለክን ሻሬጸርን ብሴፍ ቀተልዎ። ንሳቶም ድማ ናብ ሃገር ኣራራት ሀደሙ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኤሳር-ሓዶን ነገሰ።