2ይ ነገስት 5

1 ንእማን ድማ፡ ንንጉስ ሶርያ ሓለቓ ሰራዊቱ፡ እግዚኣብሄር ንሶርያ ብእኡ ዲል ሂብዎም ነበረ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ዓብይን ክቡርን ሰብ ነበረ፡ እቲ ሰብኣይ ከኣ ብርቱዕ ጅግና ነበረ፡ ግናኸ ለምጻም ነበረ።

2 ሶርያውያን ድማ ሓደጋ ኺወድቁ ወጺኦም ነበሩ፡ ካብ ምድሪ እስራኤል ከኣ ንእሽቶ ጓል ማሪኾም ወሰዱ። ንሳ ድማ ኣብ ቅድሚ ሰበይቲ ንእማን ተገልግል ነበረት።

3 ንእመቤታ ኸኣ፡ ጐይታይሲ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማርያ ዘሎ ነብዪ እንተ ዚህሉ፡ ሽዑ ኻብ ለምጹ መሕወዮ ነይሩ፡ በለት።

4 ንእማን ከኣ ኣትዩ ንጐይታኡ፡ እታ ኻብ ምድሪ እስራኤል ዝመጸት ጓል ከምዝን ከምዝን ኢላ ተዛሪባ፡ ኢሉ ነገሮ።

5 እቲ ንጉስ ሶርያ ድማ፡ እምበእርሲ ኺድ፡ ኣነ ኸኣ ንንጉስ እስራኤል ደብዳበ ኽሰደሉ እየ፡ በለ። ሽዑ ንሱ ዓሰርተ ታለንት ብሩርን ሹድሽተ ሽሕ ሲቃል ወርቅን ዓሰርተ ለውጢ ኽዳውንትን ምስኡ ሒዙ ኸደ።

6 ነታ ደብዳበ ድማ ንንጉስ እስራኤል ኣብጽሓሉ፡ ንሳ ኸምዚ ትብል፡ ሕጂ ኸኣ፡ እዛ ደብዳበ እዚኣ ምስ መጸትካ፡ እንሆ፡ ንእማን ጊልያይ ካብ ለምጹ ኸተሕውዮ ኢለ ናባኻ ሰዲደዮ ኣሎኹ።

7 ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ እስራኤል ነታ ደብዳበ ምስ ኣንበባ፡ ክዳውንቱ ቐዲዱ፡ ነዚ ሰብኣይ እዚ ኻብ ለምጹ ኸሕውዮ ኢሉ ዝሰደደለይ፡ ዝቐትልን ዘሕውንሲ፡ ኣነዶ ኣምላኽ እየ ንሱ ምኽንያት ጥራይ ይደልየኒ ኸም ዘሎ፡ በጃኹም፡ ፍለጡን ርአዩን፡ በለ።

8 ኰነ ድማ፡ ኤልሳእ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እቲ ንጉስ እስራኤል ክዳውንቱ ኸም ዝቐደደ ምስ ሰምዔ፡ ናብቲ ንጉስ ልኢኹ፡ ስለምንታይከ ኢኻ ኽዳውንትኻ ዝቐደድካ፡ ኣብ እስራኤል ነብዪ ኸም ዘሎ ኺፈልጥሲ ናባይ ይምጻእ፡ በሎ።

9 ንእማን ከኣ በፍራሱን ብሰረገላታቱን መጺኡ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ኤልሳእ ደው በለ።

10 ኤልሳእ ከኣ ናብኡ ልኡኽ ሰዲዱ፡ ናብ ዮርዳኖስ ኪድ እሞ ሾብዓተ ሳዕ ተሓጸብ፡ እቲ ስጋኻ ድማ ጥዕዩ ይምለሰካ፡ ክትጸሪውን ኢኻ፡ በሎ።

11 ንእማን ግና ኰርዩ ኸደ እሞ፡ እንሆ፡ ኣነስ ብርግጽ ወጺኡ፡ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ ተማህሊሉ፡ ነቲ ለምጺ ዘለዎ ስፍራ ብኢዱ ዳህሲሱ ዜሕውየኒ መሲሉኒ ነይረ።

12 ካብ ኲሉ ማያት እስራኤልሲ፡ እቲ ርባታት ደማስቆ ኣባናን ፈርጳርንዶ ግዳ ኣይበልጽን ኣብኡ ተሐጺበዶ ኣይምጸሬኹን፧ በለ።ተናዲደ ኸኣ ገጹ መሊሱ ኸደ።

13 ገላውኡ ግና ቅርብ ኢሎም፡ ኣቦየ፡ እዚ ነብዪ ጽኑዕ ነገር እንተ ዚዛረበካስ፡ ኣይምገበርካዮንዶ፧ ተሐጸብ እሞ ጽረ፡ እንተ በለካ ግዳ ኸመይ፧ ኢሎም ተዛረብዎ።

14 ሽዑ ወረዱ፡ ከም ዘረባ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ኣብ ዮርዳኖስ ሾብዓተ ሳዕ ጠሐለ፡ ስጋኡ ኸኣ ከም ስጋ ንእሽቶ ቘልዓ ዀይኑ ተመልሶ፡ ጸረየውን።

15 ሽዑ ንሱ ምስ ብዘሎ ጭፍራኡ ተመሊሱ፡ ናብቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ መጾ፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ድማ፡ እንሆ፡ ሕጂስ ብጀካ ኣብ እስራኤል ኣብ ብዘላ ምድሪ ኣምላኽ ከምዜልቦ ፈለጥኩ፡ ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ፡ ካብ ጊልያኻ ገጽ በረኸት ተቐበል፡ በለ።

16 ንሱ ግና፡ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢለ ዘሎኹ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ከይቅበለካ፡ በለ። ንሱ ድማ ኪቕበሎ ግዲ በሎ። ንሱ ግና ኣበየ።

17 ሽዑ ንእማን፡ እዚ ኻብ ዘይኸውንሲ ንጊልያኻ ኽልተ ጽዕነት በቕሊ መሬት ክትህቦ በጃኻ። ድሕሪ ደጊምሲ ጊልያኻ ንእግዚኣብሄር እምበር፡ ንኻልኦት ኣማልኽትስ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ኣየቕርብን እዩ።

18 በዚ ነገር እዚ ግዳ እግዚኣብሄር ንጊልያኻ ይስረየለይ፡ ጐይታይ ኣብ ቤት ሪሞን ኣብኣ ኺሰግድ ኢሉ ምስ ዚአቱ፡ ንሱ ኣብ ኢደይ ይጐዝጐዝ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቤት ሪሞን እሰግድ፡ ኣብ ቤት ሪሞን ክሰግድ ከሎኹ ድማ፡ በዚ ነገር እዚ ደኣ እግዚኣብሄር ንጊልያኻ ይስረየለይ፡ በለ።

19 ንሱ ድማ፡ ብሰላም ኪድ፡ በሎ። ካብኡ ኸኣ ገለ ቕሩብ መገዲ ኸደ።

20 ገሓዚ ጊልያ ኤልሳእ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ግና፡ እንሆ፡ ጐይታይ ነዚ ንእማን ሶርያዊ ዘምጽኦ ኻብ ኢዱ ኸይወስድ ነሐፎ። ህያው እግዚኣብሄር ኢለ፡ ደድሕሪኡ ጐይየ ገለ ኻብኡ ኽወስድ፡ እየ፡ በለ።

21 ሽዑ ገሓዚ ደድሕሪ ንእማን ሰዐበ። ንእማን ከኣ ደድሕሪኡ ኺጐዪ ምስረአዮ፡ ኪቕበሎ ኻብ ሰረገላ ዘሊሉ ወረደ እሞ፡ ደሓንዶ፧ በለ።

22 ንሱ ድማ፡ ደሓን፡ ጐይታይ ደአ፡ እነዉ ኽልተ መንእሰይ ካብ ደቂ ነብያት ካብ ከረን ኤፍሬም ሕጂ ሕጂ መጺኦምኒ እሞ፡ በጃኻ፡ ንኣታቶም ሓደ ታለንት ብሩርን ክልተ ለውጢ ኽዳውንትን ሀቦም፡ ኢሉ ልኢኹኒ፡ በለ።

23 ንእማን ከኣ፡ ኤረ ኽልተ ታለንት ውሰድ፡ በለ። ግዲ ድማ በሎ። ክልተ ታለንት ብሩር ኣብ ክልተ ኸረጺት ኣሲሩ፡ ክልተ ለውጢ ኽዳውንቲውን ገይሩ ንኽልተ ገላውኡ ሀቦም፡ ንሳቶም ድማ ቀቅድሚኡ ተሰከምዎ።

24 ኣብታ ዂርባ ምስ በጽሔ ኸኣ፡ ካብ ኢዶም ወሲዱ ኣብ ቤት ኣርነቦ፡ ነቶም ሰባት ድማ ሰደዶም፡ ከዱውን።

25 ንሱ ኸኣ ኣትዩ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ደው በለ፡ ኤልሳእ ድማ፡ ገሓዚ፡ ካበይ መጺእካ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ጊልያኻ ኣብ ዝኸድክዎ የብለይን፡ በለ።

26 ንሱ ድማ፡ እቲ ሰብኣይ ካብ ሰረገላኡ ተመሊሱ ኪቕበለካ ኸሎ፡ ልበይዶ ምሳኻ ኣይከደን፡ ብሩር ክትወስድ፡ ክዳውንትን ኣታኽልቲ ዘይትን ወይንን ኣባጊዕን ኣሓን ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ከኣ ክትወስድሲ ጊዜኡ ድዩ፧

27 እምብኣርሲ እቲ ለምጺ ንእማን ንዘለአለም ኣባኻን ኣብ ዘርእኻን ይልገብ፡ በሎ። ሽዑ ለምጻም ኰይኑ ኸም በረድ ጻዕድዩ ኻብ ቅድሚኡ ወጸ።