2ይ ነገስት 7

1 ኤልሳእ ድማ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ በለ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ኣብ ደገ ሰማርያ ሓደ መስፈሪ ድኹም ሓርጭ ብሲቃል፡ ክልተ መስፈሪ ስገም ከኣ ብሲቃል ኺሽመት እዩ።

2 እቲ ንጉስ ኣብ ኢዱ ዚጒዝጐዞ ዝነበረ ሓለቓ ድማ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይ መሳዂቲ እንተ ዚገብርሲ፡ እዚ ነገር እዚ ይኸውንዶ፧ ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኸኣ፡ በዒንትኻ ኽትርእዮ ኢኻ፡ ግናኸ ኻብኡ ኣይክትበልዕን ኢኻ፡ በለ።

3 ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ድማ ኣርባዕተ ሰብ ለምጺ ነበሩ። ንሓድሕዶም ከኣ፡ ስለምንታይ ኢና ኽሳዕ እንመውት ኣብዚ ኾፍ እንብል፧

4 ናብ ከተማ ንእቶ እንተ በልና፡ ኣብ ከተማ ጥሜት ኣሎ እሞ፡ ኣብአ ኽንመውት ኢና፡ ኣብዚ እንተ ተቐመጥናውን ክንመውት ኢና፡ ሕጂ ኸኣ ንኺድ፡ ናብ ሰፈር ሶርያውያን ንሰደድ፡ ብህይወት እንተ ሐደጉና፡ ብህይወት ንነብር፡ እንተ ቐተሉና ኸኣ፡ ንመውት፡ ተባሃሀሉ።

5 ጽልግልግ ምስ ኰነ ድማ፡ ናብ ሰፈር ሶርያውያን ኪኸዱ ተንስኡ። ኣብ ወሰን ሰፈር ሶርያውያን ምስ በጽሑ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብኡ ሰብ ኣይነበረን።

6 ኣምላኽ ድማ ኣብቲ ሰፈር ሶርያውያን ደሃይ ሰረገላታት ደሃይ ኣፍራስን ደሃይ ብዙሕ ሰራዊትን ኣስሚዕዎም ነበረ እሞ፡ ንሓድሕዶም፡ እንሆ፡ ንጉስ እስራኤል ንነገስታት ሔታውያንን ነገስታት ግብጻውያንን ተኻርዩ ኣባና ኣምጺእዎም እዩ፡ ተባሃሀሉ።

7 ጽልግልግ ምስ ኰነ ድማ፡ ተንሲኦም፡ ሀደሙ። ድንኳውንቶምን ኣፍራሶምን ኣእዱጎምን እቲ ሰፈሮም ከም ዘሎ ሓዲጎምዎ ነፍሶም ኬድሕኑ ሀደሙ።

8 እቶም ለምጻማት እቲኣቶም ናብ ወሰን እቲ ሰፈር ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ናብ ሓደ ድንኳን ኣትዮም በልዑን ሰተዩን፡ ካብኡ ድማ ብሩርን ወርቅን ክዳውንትን ወሰዱ፡ ከይዶም ከኣ ሐብእዎ። ተመሊሶም ድማ ናብ ካልእ ድንኳን ኣተዉ፡ ካብኡ ኸኣ ወሰዱ፡ ከይዶምውን ሐብእዎ።

9 ሽዑ ንሓድሕዶም እዚ ንሕና እንገብሮ ዘሎና ቕኑዕ ኣይኰነን፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ንሳ መዓልቲ ብስራት እያ፡ ንሕና ኸኣ ስቕ ኢልና ኣሎና፡ ንግሆ ኽሳዕ ዚበርህ እንተ ጸናሕና ድማ፡ በደል ኪዀነና እዩ። ሕጂ ኸኣ ንኺድ እሞ ኣብ ቤት ንጉስ ኣቲና ንንገር፡ ተባሃሀሉ።

10 መጺኦም ድማ ንዘብዔኛ ደገ እታ ኸተማ ጸዊዖም፡ ናብ ሰፈር ሶርያውያን ኬድና ኔርና፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብኡ እሱራት ኣፍራስን እሱራት ኣእዱግን ድንኳውንቲውን ከም ዘለዎ እምበር፡ ሰብ ኰነ፡ ድምጺ ሰብ ኰነ የልቦን፡ ኢሎም ነገሩ።

11 እቶም ዘብዓኛታት ከኣ ጸዊዖም ኣብ ውሽጢ ቤት ንጉስ ነገሩ።

12 እቲ ንጉስ ብለይቲ ተንሲኡ ድማ ንገላዉኡ፡ እቶም ሶርያውያን ዝገበሩና እሞ ክነግረኩም፡ ንሕና ጥሙያት ከም ዝዀንና ፈሊጦም ኣለዉ እሞ ካብ ከተማ ምስ ወጹ፡ ብህይወቶም ንሕዞም፡ ናብ ከተማ ኸኣ ንአቱ፡ ኢሎም ካብ ሰፈር ወጺኦም ኣብ መሮር ተሐቢኦም ኣለዉ፡ በሎም።

13 ሓደ ኻብ ገላዉኡ ድማ፡ ካብቶም ኣብ ከተማ ተሪፎም ዘለዉ ኣፍራስ፡ በጃኻ፡ ሓሙሽተ ይውሰዱ፡ እንሆ፡ ከም ብዘሎ ብዝሒ እቲ ተሪፉ ዘሎ እስራኤል እዮም፡ እንሆ፡ ከም ብዘሎ ብዝሒ እቲ እተወድኤ እስራኤል እዮም እሞ፡ ኪስልዩ ንስደዶም፡ ኢሉ መለሰ።

14 ሽዑ ኽልተ ሰረገላ ምስ ኣፍራስ ወሰዱ፡ እቲ ንጉስ ድማ፡ ኪዱ እሞ ርአዩ፡ ኢሉ ደድሕሪ ሰራዊት ሶርያውያን ሰደዶም።

15 ክሳዕ ዮርዳኖስ ድማ ደድሕሪኦም ከዱ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኲሉ መገዲ እቶም ሶርያውያን ብምህዋኾም ዝደርበይዎ ኽዳውንትን ኣቓሑን መሊኡ ነበረ። እቶም ልኡኻት ድማ ተመሊሶም ንንጉስ ነገርዎ።

16 ሽዑ እቲ ህዝቢ ወጺኡ ነቲ ሰፈር ሶርያውያን ገፈፎ። ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ድማ ዀነ፡ ሓደ መስፈሪ ድኹም ሓርጭ ብሲቃል፡ ክልተ መስፈሪ ስገም ከኣ ብሲቃል ተሸመተ።

17 እቲ ንጉስ ድማ ነቲ ኣብ ኢዱ ዚጒዝጐዞ ዝነበረ ሓለቓ ነቲ ደገ ኺሕሉ ኣቘሞ። ግናኸ ከምቲ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንጉስ ናብኡ ምስ ወረደ እተዛረቦ ቓል፡ እቶም ህዝቢ ኣብቲ ደገ ረገጽዎ፡ ሞተ ኸኣ።

18 ከምቲ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ንንጉስ፡ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ኣብ ደገ ሰማርያ ኽልተ መስፈሪ ስገም ብሲቃል፡ ሓደ መስፈሪ ድኹም ሓርጭ ድማ ብሲቃል ኪሽመት እዩ፡ ኢሉ እተዛረቦ ኸኣ ዀነ።

19 እቲ ሓለቓ ድማ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እንሆ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይ መስኰት እንተ ኸፈተ እኳ፡ ከምዚ ነገር እዚ ዝበለዶ ይኸውን ኢሉ፡ መሊሱ ነበረ። ንሱውን፡ እንሆ፡ በዒንትኻስ ክትርእዮ ኢኻ፡ ካብኡ ግና ኣይትበልዕን፡ ኢሉ ነበረ።

20 ከምኡ ድማ ዀኖ፡ እቶም ህዝቢ ኣብቲ ደገ ረገጽዎ፡ ሞተ ኸኣ።