ዘፍጥረት 10

1 ወለዶ ደቂ ኖህ እዚ እዩ፡ ሴም፡ ካም፡ ያፌት። ንኣታቶም ድማ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ደቂ ተወልዱሎም።

2 ደቂ ያፌት፡ ጎሜርን ማጎግን ማዳይን ያዋንን ቱባልን ሜሴክን ቲራስን።

3 ደቂ ጎሜር ከኣ፡ ኣሽከናዝን ሪፋትን ቶጋርማን።

4 ደቂ ያዋን ድማ፡ ኤሊሻን ተርሺሽን ኪቲምን ዶዳኒምን።

5 ካብዚኣቶም ደሴታት ህዝብታት በብምድሮም፡ ነፍስ ወከፍ ከም ቋንቋኡ፡ ከከም ዓሌታቶም፡ በብህዝቦም ተፋላለዩ።

6 ደቂ ካም ከኣ፥ ኩሽን ሚስራይምን ፋጥን ከነኣንን።

7 ደቂ ኩሽ ድማ፥ ሴባን ሓዊላን ሳብታን ራዕማን ሳብተካን። ደቂ ራዕማ ኸኣ፡ ሸባን ዴዳንን።

8 ኩሽ ድማ ንኒምሮድ ወለደ። ንሱ ኣብ ምድሪ ጅግና ምዃን ጀመረ።

9 ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጅግና ሃዳኒ ነበረ። ስለዚ ከም ኒምሮድ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጅግና ሃዳኒ ተባህለ።

10 መጀመርታ መንግስቲ ድማ ባቤል ኤረክን ኣካድን ካልነን ኣብ ሃገር ሲንኣር ነበረ።

11 ካብታ ሃገር እቲኣ ናብ ኣሶር ወጸ፡ ንነነዌን ንሬሖቦት-ዒርን ከላህን ሰርሔን።

12 ኣብ መንጎ ነነዌን ካላህን ከኣ ንሬስን ሰርሔ፡ ንሳ እታ ዓባይ ከተማ እያ።

13-14 ሚስራይም ድማ ንሉዲምን ንዓናሚምን ንለሃቢምን ንናፍቱሂምን ንጳትሩሲምን ንካፍቶራውያንን ንካስሉሂምን ወለደ፡ ካብኦም ፍልስጥኤማውያን ወጹ።

15 ከነኣን ድማ ንሲዶን፡ በዅሪ ወዱን፡ ንሄትን፡

16 ንይቡሳውያንን ንኣሞራውያንን ንጊርጋሳውያንን፡

17 ንሂዋውያንን ንዓርቂውያንን ንሲኒውያንን፡

18 ንኣርዋደውያንን ንጽማራውያንን ንሓማታውያንን ወለደ። ድሕርዚ ዓሌታት ከነኣን ተዘርወ።

19 ዶብ ከነኣናውያን ድማ ካብ ሶዶን በታ ንጌራር እትኣትወላ ኣቢልካ ኽሳዕ ጋዛ፡ በታ ንሶዶምን ንጎሞራን ንኣድማን ንሴቦኢም እትኣትወላ ኣቢልካ ኸኣ ክሳዕ ላሻዕ ነበረ።

20 እዚኣቶም፡ በብዓሌቶም፡ በብቛንቋኦም፡ ኣብ ሃሃገሮም፡ ኣብ ሄህዝቦም፡ ደቂ ካም እዮም።

21 ንሴም ድማ እቲ ኣቦ ዅሎም ደቂ ዔበር፡ ዓብዪ ሓዉ ንያፌት፡ ደቂ ተወልዱሉ።

22 ደቂ ሴም፡ ዔላምን ኣሹርን ኣርፋክሳድን ሉድን ኣራምን።

23 ደቂ ኣራም ከኣ፡ ዑጽን ሑልን ጌተርን ማሽን።

24 ኣርፋክሳድ ድማ ንሸላሕ ወለደ። ሸላሕ ከኣ ንዔበር ወለደ።

25 ንዔበር ድማ ክልተ ወዲ ተወልዱሉ። እቲ ሓደ፡ ብዘበኑ ምድሪ ስለ እተኸፋፈለት፡ ስሙ ፌሌግ ተባህለ። ስም ሓዉ ድማ ዮቅጣን።

26 ዮቅጣን ድማ ንኣልሞዳድን ንሼለፍን ንሓጻርማዌትን ንየራሕን፡

27 ንሃደራምን ንኡዛልን ንዲቅላን፡

28 ንዖባል ንኣቢማኤልን ንሼባን፡

29 ንኦፊርን ንሓዊላን ንዮባብን ወለደ። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ዮቅጣን እዮም።

30 ምቕማጦም ድማ ካብ ሜሻ በታ ንሴፋር እትኣትወላ፡ እቲ ብሸነኽ ምብራቕ ዘሎ ኸረን ነበረ።

31 እዚኣቶም፡ በብዓሌቶም፡ በብቛንቋኦም፡ ኣብ ሃሃገሮም፡ በብህዝቦም፡ ደቂ ሴም እዮም።

32 እዚኣቶም በብወለዶኦም፡ ኣብ ሄህዝቦም፡ ዓሌታት ደቂ ኖህ እዮም። ካብዚኣቶም ድማ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ህዝብታት ኣብ ምድሪ ተዘርዉ።