ዘፍጥረት 26

1 ብጀካ እቲ ቐዳማይ ብዘበን ኣብርሃም ዝዀነ ጥሜት ኣብታ ሃገር ካልእ ጥሜት ድማ ዀነ። ይስሃቅ ከኣ ናብ ኣቢሜለክ፡ ንጉስ ፍልስጥኤማውያን፡ ናብ ጌራር ከደ።

2 እግዚኣብሄር ድማ ተራእዮ በሎውን፡ ናብ ግብጺ ኣይትውረድ፡ ኣብታ ኣነ ዝብለካ ምድሪ ደኣ ተቐመጥ።

3 እዛ ዅላ ሃገር ንኣኻን ንዘርእኻን ክህበካ እየ እሞ፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ስደተኛ ዄንካ ተቐመጥ። ኣነ ኸኣ ምሳኻ ክኸውንን ክባርኸካን እየ። እቲ ነቦኻ ኣብርሃም ዝመሐልኩሉ ማሕላ ድማ ከቝሞ እየ።

4-5 ኣብርሃም ቃለይ ስለ ዝሰምዔ፡ እቲ ሐልዎ ኢለ ዝአዘዝክዎ፡ ትእዛዛተይን፡ ስርዓታተይን ሕጋጋተይን ድማ ስለ ዝሐለወ፡ ንዘርእኻ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝሖ እየ፡ ህዝብታት ኵላ ምድሪ ድማ ብዘርእኻ ኺባረኹ እዮም።

6 ይስሃቅ ከኣ ኣብ ጌራር ተቕመጠ።

7 ሰብ እታ ቦታ ድማ ብዛዕባ ሰበይቱ ሐተትዎ። ንሳ ሓብተይ እያ፡ በለ። ትርኢታ ጽቡቕ ነበረ እሞ፡ ደቂ እዛ ቦታ እዚኣ ብዛዕባ ርብቃ ኸይቀትሉኒ ኢሉ፡ ሰበይተይ እያ ምባል ፈርሄ።

8 ኰነ ኸኣ፡ ሓያሎ ወርሓት ኣብኡ ምስ ተቐመጠ፡ ኣቢሜለክ፡ ንጉስ ፍልስጥኤማያን፡ ብመስኰት ኪጥምት ከሎ፡ እንሆ ድማ ይስሃቅ ምስ ሰበይቱ ርብቃ ኪስሐቕ ረአዮ።

9 ኣቢሜለክ ከኣ ንይስሃቅ ጸዊዑ፡ እንሆ ርግጽ ሰበይትኻ እያ፡ ከመይ ደኣ፡ ንሳ ሓብተይ እያ፡ዝበልካኒ፧ በሎ። ይስሃቅ ከኣ፡ ብዛዕባኣ ኸይመውት ኢለ፡ በሎ።

10 ኣቢሜለክ ድማ፡ እዚ ዝገበርካና እንታይ እዩ፧ ሓደ ኻብ ህዝቢ ምስ ሰበይትኻ ኺድቅስ ቀሪቡ ነይሩ እዩ እሞ በደል መምጻእካልና ኔርካ፡ በለ።

11 ኣቢሜለክ ከኣ ንዅሉ ህዝቢ፡ ነዚ ሰብኣይዚ ወይ ንሰበይቱ ዝተንከየ፡ ሞት ኪመውት እዩ፡ ኢሉ አዘዘ።

12 ይስሃቅ ድማ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ዘርኤ፡ በታ ዓመት እቲኣ፡ ኸኣ ሚእቲ ኻዕበት ረኸበ። እግዚኣብሄር ድማ ባረኾ።

13 እቲ ሰብኣይ እቲ ኸኣ ዐበየ፡ ኣዝዩ ኽሳዕ ዚዐዝዝ ድማ እናወሰኸ ኸደ።

14 ጥሪት ኣባጊዕን ጥሪት ኣሓን ብዙሓት ግዙኣትን ነበርዎ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ቀንኡሉ።

15 ሽዑ ፍልስጥኤማያን፡ ነቲ ግዙኣት ኣቦኡ ብዘበን ኣቦኡ እብርሃም ዝዀዐትዎ ዅሉ ዔላታት ደበይዎ፡ ሓመድ ከኣ መልእዎ።

16 ኣቢሜለክ ድማ ንይስሃቅ፡ ካባና ኣዚኻ ሐይልካ ኢኻ ኣሞ፡ ካባና ኺድ፡ በሎ።

17 ይስሃቅ ከኣ ካብኡ ኸይዱ ኣብ ለሰ ጌራር ሰፈረ፡ ኣብኡ ኸኣ ተቐመጠ።

18 ነቲ ብዘበን ኣቦኡ ኣብርሃም ዝዀዐትዎ ዔላታት ማይ ድማ፡ ፍልስጥኤማውያን ድሕሪ ሞት ኣብርሃም ዝደበይዎ፡ ይስሃቅ መሊሱ ዀዐቶ፡ ስሙ ድማ በቲ ኣቦኡ ዘውጽኣሉ ስም ሰመዮ።

19 ግዙኣት ይስሃቅ ድማ ኣብቲ ለሰ ዀዐቱ፡ ኣብኡ ኸኣ ፈልፋሊ ዔላ ማይ ረኸቡ።

20 ጓሶት ጌራር ከኣ ምስ ጓሶት ይስሃቅ፡ እዚ ማይና እዩ፡ኢሎም ተበአሱ። ምስኡ ስለ እተበአሱ ድማ፡ ስም እቲ ዔላ ዔሰቅ ኣውጽኣሉ።

21 ካልእ ዔላ ኸኣ ኰዐቱ፡ ብዛዕባኡውን ተበአሱ እሞ ስሙ ሲጥና ኣውጽኣሉ።

22 ካብኡ ድማ ገዐዘ፡ ካልእ ዔላውን ኰዐተ፡ ብዛዕባኡ ግና ኣይተበአሱን፡ ሕጅስ እግዚኣብሄር ኣርሒቡልና እዩ እሞ፡ ኣብዚ ሃገር ክንፋረ ኢና፡ ኢሉ ኸኣ ስሙ ረሓቦት ኣውጽኣሉ።

23 ካብኡ ኸኣ ንብኤር-ሸባዕ ደየበ።

24 በታ ለይቲ እቲኣ ድማ እግዚኣብሄር ተራእዮ፡ ኣነ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃም እየ፡ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ምእንቲ ኣብርሃም ባርያይ ኢለ ድማ ክባርኸካ፡ ንዘርእኻውን ከብዝሖ እየ፡ በሎ።

25 ኣብኡ መሰውኢ ሰሪሑ ኸኣ፡ ብስም እግዚኣብሄር ተማህለለ፡ ኣብኡውን ድንኳኑ ተኸለ። ግዙኣት ይስሃቅ ድማ ኣብኡ ዔላ ዀዓቱ።

26 ኣቢሜለክ ድማ ምስ ኣሑዛት ፈታዊኡን፡ ፊኮል ሓለቓ ሰራዊቱን፡ ካብ ጌራር ናብኡ ኸደ።

27 ይስሃቅ ከኣ፡ ጸሊእኩምንስ ካባኻትኩም ከኣ ሰጕጕኩምኒ፡ ንምንታይ ደኣ መጻእኩምኒ፧ በሎም።

28-29 ንሳቶም ድማ በሉ፡ እግዚኣብሄር ምሳኻ ኸም ዘሎ፡ ኣርጊጽና ርኢና ኢና እሞ፡ ከምቲ ንሕና ዘይተንኬናካ፡ ጽቡቕ ጥራይ ከም ዝገበርናልካ፡ ብሰላም ድማ ኣፋኖናካ፡ ንስኻ ድማ ንኣና ኽፉእ ከይትገብረና፡ ንሕናን ንስኻን ንሓድሕድና ንማሓሐል ምሳኻ ኸኣ ኪዳን ንእቶ፡ በልና። ሕጂ ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ብሩኽ ኢኻ።

30 ንሱ ኸኣ ምሳሕ ገበረሎም፡ እሞ በልዑን ሰተዩን።

31 ንጽብሒቱ ንግሆ ተንሲኦም ድማ ንሓድሕዶም ተማሓሐሉ፡ ይስሃቅ ከኣ ኣፋነዎም፡ ካብኦም ድማ ብሰላም ከዱ።

32 ኰነ ኸኣ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ግዙኣት ይስሃቅ መጺኦም፡ ብዛዕባ እቲ ዝዀዐትዎ ዔላ፡ ማይ ረኺብናሉ፡ ኢሎም ነገርዎ።

33 ንሱ ድማ ንእኡ ሺብዓ ኢሉ ኣውጽኣሉ። ስለዚ ስም እታ ኸተማ ኽሳዕ ሎሚ ብኤር-ሸባዕ እዩ።

34 ኤሳው ወዲ ኣርብዓ ዓመት ምስ ኰነ ድማ፡ ንይሁዲት ጓል ብኤሪ ሔታውን ንበስማት ጓል ኤሎን ሔታውን ኣንስቲ ኣእተወ።

35 እዚኣተን ከኣ ንይስሃቅን ንርብቃን ጓሂ ልቢ ዀናኦም።