ዘፍጥረት 27

1 ኰነ ድማ፡ ይስሃቅ ኣሪጉ ኣዒንቱ ጽልግልግ ኢለን ምርኣይ ምስ ሰኣና፡ ንኤሳው ነቲ ዓብዪ ወዱ ጸዊዑ፡ ኣታ ወደይ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ፡ በሎ።

2 ሽዑ ንሱ፡ እንሆ፡ ሕጂ ኣሪገ እየ፡ መዓልቲ ሞተይ ድማ ኣይፈልጥን እየ።

3 ሕጂ በጃኻ መሳርያኻ፡ ጕልድባኻን ቀስትኻን፡ ውሰድ እሞ ንመሮር ወፊርካ፡ ሀዲንካ ኣምጽኣለይ፡

4 ከይሞትኩ ነፍሰይ ምእንቲ ክትምርቐካስ ኣነ፡ ዝፈትዎ ጥዑም ብልዒ ኽበልዕ፡ ሰሪሕካ ኣምጽኣለይ፡ በለ።

5 ርብቃ ኸኣ ይስሃቅ ንወዱ ኤሳው ኪዛረቦ ኸሎ ሰምዔት። ኤሳው ድማ ሀዲኑ ኼምጽእ ናብ መሮር ወፈረ።

6-7 ርብቃ ኸኣ ንወዳ ያእቆብ ከምዚ ኢላ ተዛረበቶ፡ እንሆ፡ ኣቦኻ ንሓውካ ኤሳው፡ በሊዔ ቕድሚ ሞተይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክምርቐካስ፡ ሀዲንካ ጥዑም ብልዒ ጌርካ ኣምጽኣለይ፡ ኢሉ ኺዛረቦ ሰሚዔዮ አሎኹ።

8 ሕጂ ድማ ወደየ፡ ከምቲ ኣነ ዝእዝዘካ ቓለይ ስማዕ።

9 ናብተን መጓሰ ኼድካ፡ ካብኡ ኽልተ ጽቡቓት መሓስእ ኣምጽኣለይ። ኣነ ኸኣ ንኣታተን ከምቲ ኣቦኻ ዚፈትዎ ጥዑም ብልዒ ገይረ ኽሰርሓሉ።

10 ንሱ ድማ በሊዑ፡ ቅድሚ ሞቱ ምእንቲ ኺምርቐካስ፡ ነቦኻ ኸተእትወሉ።

11 ያእቆብ ከኣ ነዲኡ ርብቃ፡ እንሆ፡ ሓወይ ኤሳው ጸጓር ሰብኣይ እዩ፡ ኣነ ግና ልሙጽ ሰብኣይ እየ።

12 ምናልባሽ ኣቦይ እንተኣረምሰሰንስ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኸም ጠባሪ ኸይከውን፡ ኣብ ልዕለይ ከኣ መርገም ኤምጽእ እምበር፡ ምርቓስ ኣይኰነን፡ በለ።

13 ኣዲኡ ድማ፡ ወደይ፡ መርገምካስ ኣባይ ይብጻሕ፡ ቃለይ ግዳ ስማዕ፡ ኬድካ ኣምጽኣለይ፡ በለቶ።

14 ከይዱ ድማ ወሰደን፡ ነዲኡውን ኣምጽኣላ፡ ኣዲኡ ኸኣ ኣቦኡ ዚፈትዎ፡ ጥዑም ብልዒ ኣዳለወት።

15 ርብቃ ድማ እቲ ምሳኣ ኣብ ቤት ዝነበረ ጽቡቕ ክዳውንቲ ኤሳው፡ እቲ ዓብዪ ወዳ፡ ወሲዳ፡ ያእቆብ፡ ነቲ ንእሽቶ ወዳ፡ ከደነቶ።

16 ኣብ ኣእዳዉን እብቲ ልሙጽ ክሳዱን ድማ ቘርበት እተን መሓስእ ጠምጠመትሉ።

17 እቲ ጥዑም ብልዕን እቲ ዝሰንከተቶ እንጌራን ገይራ፡ ንወዳ ያእቆብ ኣብ ኢዱ ሀበቶ።

18 ንሱ ኸኣ ናብ ኣቦኡ ኣትዩ፡ ኣቦየ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ እኔኹ ወደይ፡ መን ኢኻ ንስኻ፧ በለ።

19 ያእቆብ ከኣ ነቦኡ፡ ኣነ ኤሳው በዅርኻ እየ። ከምቲ ዝበልካኒ ገይረ ኣሎኹ እሞ ነፍስኻ ምእንቲ ኽትምርቐንስ፡ ተንሲእካ ዀታ ኾፍ በል፡ ካብዚ ሃድነይ ድማ ብላዕ፡ በሎ።

20 ይስሃቅ ከኣ ንወዱ፥ ከመይ ኢልካ ኽንድዚ ብቕልጡፍ ረኸብካ፡ ወደይ፧ በሎ። ንሱ ድማ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ቅድመይ ኣጋባጊቡለይ፡ በለ።

21 ይስሃቅ ከኣ ንያቆብ፥ ወደይ፡ ብሓቂ ንስኻ ወደይ ኤሳው እንተ ዄንካ ወይ እንተ ዘይኴንካ ኸረምስሰካስ፡ ቅረብ፡ በሎ።

22 ያእቆብ ድማ ናብ ኣቦኡ ይስሃቅ ቀረበ። ኣረምሲሱ ኸኣ፡ ድምጽስ ድምጺ ያእቆብ እዩ፡ እእዳው ግና ኣእዳው ኤሳው፡ በለ።

23 ንሱ ድማ፡ ኣእዳው ኸም ኣእዳው ኤሳው ሓዉ ጸጓራት ነበራ እሞ፡ ኣየለለዮን፡ መረቖ ኸኣ።

24 ብሓቂዶ ንስኻ ወደይ ኤሳው ኢኻ፧ ድማ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ እየ፡ በለ።

25 ነፍሰይ ምእንቲ ኽትምርቐካስ፡ ካብቲ ሃድን ወደይ ክበልዕ ኣቕርበለይ፡ ድማ በለ። ኣቕረበሉ፡ በልዔ ድማ፡ ወይኒ ውን ሀቦ እሞ ሰተየ።

26 ኣቦኡ ይስሃቅ ድማ፡ ወደይ፡ ቀሪብካባ ስዐመኒ በሎ።

27 ቀሪቡ ሰዐሞ፡ ጨና ኽዳኑ ኣጨንዩ ኸኣ፡ ከምዚ ኢሉ መረቖ፡ እንሆ፡ መኣዛ ወደይ ከም መኣዛ እታ እግዚኣብሄር ዝባረኻ ግራት እዩ።

28 ኣምላኽ ከኣ ካብ ኣውሊ ሰማይን ካብ ስብሒ ምድርን ብዙሕ ስርናይን ወይንን ይሀብካ።

29 ህዝብታት ይገዝኡኻ፡ ህዝብታት ድማ ይስገዱልካ፡ ጐይታ ኣሕዋትካ ኹን፡ ደቂ እኖኻ ድማ ይስገዱልካ። ዚረግመካ ርጉም፡ ዚምርቐካ ድማ ምሩቕ ይኹን።

30 ኰነ ኸኣ፡ ይስሃቅ ንያእቆብ ምርቓኡ ምስ ወድኤ፡ ያእቆብ ድማ ካብ ቅድሚ ኣቦኡ ይስሃቅ ብኡብኡ ውጽእ ምስ በለ፡ ኤሳው ሓዉ ኸኣ ካብ ሃድን ኣተወ።

31 ንሱውን ጥዑም ብልዒ ኣዳልዩ፡ ናብ ኣቦኡ ኣምጽኦ፡ ነቦኡ ድማ፡ ኣቦየ፡ ነፍስኻ ምእንቲ ኽትምርቐንስ፡ ተንስእ እሞ ካብቲ ሃድን ወድኻ ብላዕ፡ በሎ።

32 ኣቦኡ ይስሃቅ ከኣ፡ ንስኻ መን ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ድማ፡ ኣነ ኤሳው ቦዅሪ ወድኻ እየ፡ በለ።

33 ሽዑ ይስሃቅ ኣዝዩ ብርቱዕ ስምባድ ሰምበደ እሞ፡ እቲ ሀዲኑስ ህዱን ዘምጽኣለይ፡ ኣነ ኸኣ፡ ገና ንስኻ ኸይመጻእካ፡ ካብ ኵሉ በሊዔ ዝመረቕክዎ ደኣ መን እዩ፧ ምሩቕ ድማ ኪኸውን እዩ፡ በለ።

34 ኤሳው ዘረባ ኣቦኡ ምስ ሰምዔ፡ ኣዝዩ ዓው ኢሉ መሪር ገዓር ገዐረ፡ ነቦኡ ኸኣ፡ ኣቦየ፡ ንኣይ ድማ መርቐኒ፡ በሎ።

35 ንሱ ድማ፡ ንምርቓኻስ ሓውካ ብተንኰል መጺኡ ወሲድዎ፡ በለ።

36 ኤሳው ከኣ፥ ክልተ ሳዕ ጠቢሩኒ፡ ብዅርናይ ወሰደ፡ ሕጂ ኸኣ እንሆ፡ ምርቓይ ወሰደ። ስሙዶ ግዳ ያእቆብ ኣይኰነን፧ ንኣይከ ምርቓዶ ኣየትረፍካለይን ኢኻ፧ ድማ በሎ።

37 ይስሃቅ ከኣ መሊሱ ንኤሳው፡ እንሆ፡ ጐይታኻ ገበርክዎ፡ ኵሎም ኣሕዋቱ ኸኣ ግዙኣቱ ኪዀኑ ሀብክዎ፡ ብስርናይን ወይንን ከኣ አጸጎኽዎ፡ ሕጂ እሞ ወደይ፡ ንኣኻ እንታይ ክገብረልካ እየ፧ በሎ።

38 ኤሳው ድማ ነቦኡ፥ ኣቦየ፡ ሓንቲ ምርቓ ጥራይዶ ዀይና ዘላትካ፧ ኣቦየ፡ ንኣይ ድማ መርቐኒ ደኣ፡ በሎ። ኤሳው ከኣ ዓው ኢሉ በኸየ።

39 ይስሃቅ ኣቦኡ ድማ መሊሱ በሎ፡ እንሆ ንብረትካ ብስብሒ ምድርን ብናይ ላዕሊ ኣውሊ ሰማይን ኪኸውን እዩ።

40 ብሴፍካ ኽትምገብ፡ ንሓውካ ድማ ኽትግዛኣ ኢኻ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ኰለል ምስ በልካ፡ ኣርዑቱ ኻብ ክሳድካ ኽትሰብር ኢኻ።

41 ኤሳው ድማ፡ ብዛዕባቲ ኣቦኡ ዝሀቦ ምርቓ፡ ንያእቆብ ጸልኦ። ኤሳው ከኣ ብልቡ፥ ነቦይ እንሐዝነሉ ቕንያት ቀሪቡ እዩ እሞ፡ ሽዑ ንያእቆብ ሓወይ ክቐትሎ እየ፡ በለ።

42 ንርብቃ ድማ ዘረባ ኤሳው ዓብዪ ወዳ ነገርዋ። ነቲ ንእሽቶ ወዳ ያእቆብ ከኣ ልኢኻ ጸዊዓ፡ እንሆ፡ ኤሳው ሓውካ ብኣኻ ኺድበስ ኢሉ ኪቐትለካ ይደሊ ኣሎ።

43 ሕጂ ኸኣ ወደይ፡ ቃለይ ስማዕ፡ ተንስእ እሞ ናብ ሓወይ ላባን፡ ናብ ካራን ህደም።

44-45 ነድሪ ሓውካ ኽሳዕ ዚምለስ፡ ኵራ ሓውካ ኻባኻ ተመሊሱ፡ እቲ ዝገበርካዮ ድማ ክሳዕ ዚርስዖ፡ ገለ መዓልትታት ምስኡ ተቐመጥ። ሽዑ ልኢኸ ኻብኡ ኸምጽኣካ እየ። ስለምንታይ ንኽልቴኹም ብሓንቲ መዓልቲ ዝስእነኩም፧ በለቶ።

46 ርብቃ ኸኣ ንይስሃቅ፡ ብምኽንያት ኣዋልድ ሔት ህይወተይ ደኸመት። ያእቆብ ድማ ካብ ኣዋልድ ሔት፡ ካብ ኣዋልድ እዛ ሃገር እዚኣ፡ ከምዚኣተን ዘመሰለት ሰበይቲ ዜእቱ እንተ ዀይኑኸ፡ ስለምንታይ ኣነ ብህይወት እነብር፧ በለቶ።