ዘፍጥረት 22

1 ድሕርዚ ነገርዚ ኸኣ ዀነ፡ ኣምላኽ ንኣብርሃም መከሮ በሎውን፡ ኣብርሃም። ንሱ ኸኣ፥ እኔኹ፡ በለ።

2 እምበኣር ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ይስሃቅ ውሰድ እሞ፡ ናብ ምድሪ ሞርያ ኺድ፡ ኣብኣ ድማ ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣነ ዝነግረካ ኣኽራን ንዚሓርር መስዋእቲ ሰውኣዮ፡ በለ።

3 ንጽብሒቱ ድማ ኣብርሃም ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ኣድጉ ጽዒኑ፡ ክልተ ግዙኣቱን ወዱ ይስሃቅን ምስኡ ወሰደ፡ ንዝሐርር መስዋእቲ ዚኸውን ዕጨይቲውን ፈለጸ፡ ተንሲኡ ድማ ናብታ ኣምላኽ ዝነገሮ ቦታ ኸደ።

4 ኣብርሃም ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣዒንቱ ኣንቃዕሪሩ ነታ ቦታ ብርሑቕ ረአያ።

5 ኣብርሃም ድማ ንግዙኣቱ፡ ምስ እዛ ኣድጊ ኣብዚ ጽንሑ፡ ኣነን እዚ ወድን ከኣ ናብቲ ኼድና ኽንሰግድ ኢና፡ ናባኻትኩም ድማ ንምለስ፡ በሎም።

6 ኣብርሃም ድማ እቲ ንዚሐርር መስዋእቲ ዚኸውን ዕጨይቲ ወሲዱ፡ ንወዱ ይስሃቅ ኣሰከሞ፡ ሓውን ካራን ከኣ ብኢዱ ወሰደ፡ ክልትኦም ድማ ብሓደ ኸዱ።

7 ይስሃቅ ነቦኡ ኣብርሃም፡ ኣቦየ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ንሱ ኸኣ፧ እነኹ ወደይ፡ በሎ። ንሱ ድማ፥ ሓውን ዕጨይትንሲ እንሆ፡ እቲ ንዝሓርር መስዋእቲ ዝኸውን በጊዕ ደኣ ኣበይ አሎ፧ በለ።

8 ኣብርሃም ከኣ፡ ወደየ፡ እቲ ንዚሐርር መስዋእቲ ዚኸውን በጊዕሲ ኣምላኽ ንርእሱ ይሓልዮ እዩ፡ በለ። ክልቲኦም ድማ ብሓደ ኸዱ።

9 ናብታ ኣምላኽ ዝነገሮ ቦታ መጹ፡ ኣብርሃም ድማ ኣብኣ መሰውኢ ሰርሔ፡ ዕጨይቲ ኸኣ ጸፍጸፈሉ። ንወዱ ይስሃቅ ኣሲሩ ድማ ኣብቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕጨይቲ በጥ ኣበሎ።

10 ኣብርሃም ድማ ንወዱ ኺሓርድ፡ ኢዱ ዘርጊሑ፡ ካራ ወሰደ።

11 መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ካብ ሰማይ ጸዊዑ፡ ኣብርሃም፡ ኣብርሃም በሎ። ንሱውን፡ እኔኹ፡ በለ።

12 ንሱ ድማ፡ ነዚ ሓደ ውሉድካ እኳ ካብ ዘይከላእካንስ፡ ንእግዚኣብሄር ከም እትፈርህ ሕጂ ፈሊጠ አሎኹ እሞ፡ ኢድካ ኣብዚ ወዲ ኣይትዘርግሕ፡ ገለውን ኣይትግበሮ፡ በለ፡

13 ኣብርሃም ድማ ዓይኑ ቛሕ ኣበለ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ድሕሪኡ ቐርኑ ብሓረግ እተታሕዘ ድዑል ረአየ። ኣብርሃም ድማ ከይዱ፡ ነቲ ድዑል ወሲዱ፡ ኣብ ክንዲ ወዱ ንዚሓርር መስዋእቲ ሰውኦ።

14 ኣብርሃም ከኣ ስም እታ ቦታ እቲኣ፡ እግዚኣብሄር ይርኢ፡ ኢሉ ኣውጽኣላ። ንሱ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ከረን እግዚኣብሄር ይሕለ፡ ዚብሀል ዘሎ እዩ።

15 መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ካልኣይ ሳዕ ካብ ሰማይ ንኣብሃም ጸውዖ፡

16 ብርእሰይ መሐልኩ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ እዚ ነገርዚ ኻብ እትገብር፡ ነቲ ሓደ ውሉድካውን ካብ ዘይትኸልእ፡

17 ስለዚ ኣዝየ ኽባርኸካ እየ፡ ንዘርእኻ ድማ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን ኣዝየ ኸብዝሖ እየ። ዘርእኻ ድማ ደጌታት ጸላእቱ ኺወርስ እዩ።

18 ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ ድማ ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም፡ በሎ።

19 ኣብርሃም ከኣ ናብ ግዙኣቱ ተመልሰ። ተላዒሎም ከኣ ብሓንሳእ ናብ ብኤር-ሸባዕ ከዱ። ኣብርሃም ድማ ኣብ ብኤር-ሸባዕ ተቐመጠ።

20 ኰነ ኸኣ፡ ድሕርዚ ነገርዚ ንኣብርሃም፥ እንሆ፡ ሚልካ ድማ ንናሆር ሓውካ ደቂ ወሊዳትሉ፡ ኢሎም ነገርዎ።

21 ዑጽ እቲ በዅሩ፡ ሓዉ ድማ ቡዝ፡ ቄሙኤል ከኣ ኣቦ ኣራም፡

22 ኬሴድን ሓዞን ጲልደሽን ይድላፍን ቤቱኤልን።

23 ቤቱኤል ድማ ንርብቃ ወለደ። እዚኣቶም ሾሞንቲኦም ሚልካ ንናሆር፡ ሓዉ ኣብርሃም፡ ወለደትሉ።

24 ሬኡማ ዝስማ ሰበይቲ ወሰኑ፡ ንሳ ድማ ጤባሕን ጋሓሞን ታሓሽን መዓካን ወለደት።