ዘፍጥረት 50

1 ዮሴፍ ኣብ ገጽ ኣቦኡ ወዲቑ፡ ኣብ ልዕሊኡ በኸየ፡ ሰዐሞ ድማ።

2 ዮሴፍ ከኣ ነቶም ፈዋሶ ገላዉኡ ነቦኡ ብቕዱይ ቅብኢ ኺለኽይዎ እዘዞም። እቶም ፈዋሶ ድማ ብቕዱይ ቅብኢ ለኸይዎ።

3 መዓልታትት ምልካይ ከምኡ እየን ዚፍጸማ እሞ፡ ኣርብዓ መዓልቲ መልኡሉ። ግብጻውያን ድማ ሰብዓ መዓልቲ በኸዩሉ።

4 መዓልታት ሓዘን ምስ ሐለፋ ኸኣ፡ ዮሴፍ ንቤት ፈርኦን ተዛረቦም፡ በሎም ድማ፡ ኣብ ቅድሜኹም ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ በጃኹም ንፈርኦን ኣብ እዝኑ ኸምዚ ኢልኩም ንገሩለይ፡

5 ኣቦይ፤ እንሆ፡ ኣነ እመውት ኣሎኹ። ኣብታ ኣብ ሃገር ከነኣን ንኣይ ኢለ ዝዀዐትክዋ መቓብረይ ኣብኣ ቕበረኒ፡ ኢሉ ኣምሒሉኒ እዩ። ሕጂ ኸኣ ክድይብ እሞ ነቦይ ቀቢረ ኽምለስ ፍቐደለይ።

6 ፈርኦን ድማ፤ ደይብ እሞ ከምቲ ዘምሐለካ፡ ነቦኻ ቕበሮ፡ በለ።

7 ዮሴፍ ከኣ ነቦኡ ኪቐብሮ ደየበ። ኲላቶም ገላዉ ፈርኦንን ዓበይቲ ቤቱን፡ ኲላቶም ዓበይቲ ሃገር ግብጺ ድማ ምስኡ፡

8 ኲላቶም ስድራ ቤት ዮሴፍን ኣሕዋቱን ስድራ ቤት ኣቦኡን ድማ ደየቡ፡ ቈልዑኦምን ኣባጊዖምን ኣሓኦምን ጥራይ ኣብ ምድሪ ጎሼን ሐደጉ።

9 ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ድማ ምስኡ ደየቡ እሞ ኣዝዩ ብዙሕ ጭፍራ ነበረ።

10 ናብታ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ ዓውዲ ኣጣድ ከኣ መጹ፡ ኣብኣ ድማ ኣዝዩ ብርቱዕ ብኽያት በኸዪሉ። ነቦኡ ሾብዓተ መዓልቲ መልቀስ ገበሩሉ።

11 እቶም ኣብታ ሃገር ዚቕመጡ ከነኣናውያን ድማ ነቲ ኣብ ዓውዲ ኣጣድ ዝዀነ መልቀስ ምስ ረአዩ፡ እዚ ዓብዪ መልቀስ ግብጻውያን እዩ፡ በሉ። ስለዚ ኸኣ ስማ ኣቤል-ሚስራይም ተባህለት። ንሳ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ እያ።

12 ደቁ ድማ ከምቲ ዝአዘዞም ገበሩሉ።

13 እቶም ደቁ ኸኣ ጾይሮም ኣብ ምድሪ ኸነኣን ወሰድዎ፡ ኣብታ ኣብ መንጽር መምሬ ዘላ፡ ኣብርሃም ርስቲ ንመቓብር ኢሉ ኻብ ዔፍሮን ሔታዊ ምስታ ግራት እተሻየጣ፡ ኣብ በዓቲ ግራት ማክጴላ ቐበርዎ።

14 ዮሴፍ ነቦኡ ምስ ቀበሮ፡ ንሱ ምስ ኣሕዋቱን ምስቶም ነቦኡ ኪቐብሩ ምስኡ ዝደየቡ ዂላቶምን ናብ ግብጺ ተመልሰ።

15 ኣሕዋት ዮሴፍ ኣቦኦም ከም ዝሞተ ምስ ረኣዩ፡ ምናልባሽ ዮሴፍ ይጸልኣና እሞ፡ እቲ ዝገበርናዮ ዂሉ ኽፉእ ከኣ ይፈድየና፡ በሉ።

16 ንዮሴፍ ድማ፡ ኣቦኻ ቕድሚ ሞቱ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዘ፡ ኢሎም ለኣኹሉ፡

17 ንዮሴፍ፤ እቲ ኽፉእ ዝገበሩኻ በደል ኣሕዋትካን ሓጢኣቶምን ሕደገሎም ሕድርኻ፡ በልዎ። ሕጂ ኸኣ በደል ባሮት ኣምላኽ ኣቦኻ ይቕረ ኽትብል፡ ንልምነካ ኣሎና። ዮሴፍ ምስ ተዛረብዎ በኸየ።

18 እቶም ኣሕዋቱ ድማ ከይዶም ኣብ ቅድሚኡ ፍግም ኢሎም ወደቑ፡ እንሆ፡ ንሕና ገላዉኻ ኢና፡ ከኣ በልዎ።

19 ዮሴፍ ድማ፡ ኣይትፍርሁ። ኣነዶ ኣብ ክንዲ ኣምላኽ እየ፧

20 ንስኻትኩም ንኽፉኤይ ሐሰብኩም፡ እግዚኣብሄር ግና፡ ከምቲ ሎሚ ዀይኑ ዘሎ ኺገብር ብዙሕ ህዝቢ ምእንቲ ኼድሕን፡ ንጽቡቕ ሐሰበ።

21 ሕጂ ኸኣ ኣይትፍርሁ። ኣነ ንኣኻትኩምን ንቘልዑኹምን ኽቕልበኩም እየ፡ በሎም። ኣጻናንዖም ድማ፡ ንልቦም ዜሐጒስውን ተዛረቦም።

22 ዮሴፍ ድማ፡ ንሱን ቤት ኣቦኡን ኣብ ግብጺ ተቐመጡ። ዮሴፍ ከኣ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ገይሩ ነበረ።

23 ዮሴፍ ድማ ንደቂ ኤፍሬም ክሳዕ ሳልሳይ ወለዶ ረአየ፡ ደቂ ሚኪር ወዲ ምናሴ ኸኣ ኣብ ብርኪ ዮሴፍ ተወልዱ።

24 ዮሴፍ ድማ ነሕዋቱ፡ ኣነ እመውት ኣሎኹ። ኣምላኽ ግና ብሓቂ ኺበጽሓኩም እዩ፡ ካብዛ ምድሪ እዚኣ ኸኣ ናብታ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ዝመሐለሎም ምድሪ ኼደዪበኩም እዩ፡ በሎም።

25 ዮሴፍ ድማ ንደቂ እስራኤል፡ ኣምላኽ ብሓቂ ኺበጽሓኩም እዩ እሞ፡ ነዕጽምተይ ካብዚ ኣደይብዎ፡ ኢሉ ኣምሐሎም።

26 ዮሴፍ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ምስ ኰነ፡ ሞተ። ብቕዱይ ቅብኢ ድማ ለኸይዎ፡ ኣብ ሳጹን ገይሮም ከኣ ኣብ ግብጺ ኣንበርዎ።