ዘፍጥረት 8

1 ኣምላኽ ከኣ ንኖህን ነቶም ምስኡ ኣብ መርከብ ዝነበሩ ዅሎም ኣራዊትን ኵሉ እንስሳን ዘከረ። ኣምላኽ ድማ ኣብ ምድሪ ንፋስ ኣንፈሰ፡ እቲ ማይ ከኣ ጐደለ።

2 ናይቲ መዓሙቝ ዓይኒ ማያትን መሳዅቲ ሰማይን ተዐብሰ። ሰርቢውን ካብ ሰማይ ጸሓየ።

3 እቲ ማይ ድማ ኻብ ምድሪ እናተመልሰ ኸደ። ኣብ መወዳእታ ሚእትን ሓምሳን መዓልቲ ኸኣ እቲ ማይ ጐደለ።

4 ብሳብዓይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾብዓተ መዓልቲ፡ እታ መርከብ ኣብ ኣኽራን ኣራራት ዐረፈት።

5 እቲ ማይ ከኣ ክሳዕ ዓስረይቲ ወርሒ እናጐደለ ኸደ። ኣብ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ርእሲ እቲ ኣኽራን ተራእየ።

6 ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መወዳእታ ኣርብዓ መዓልቲ ኖህ ነቲ ኣብ መርከብ ዝሰርሖ መስኰት ከፈቶ።

7 ኳዅ ድማ ሰደደ፡ ንሱ ከኣ ማይ ካብ ምድሪ ኽሳዕ ዚነጽፍ፡ ንየው ነጀው ይማላለስ ነበረ።

8 ድሕርዚ ድማ ማይ ካብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ጐዲሉ እንተ ዀነ ኺርኢ፡ ካብቲ ዘለዎ ርግቢ ሰደደ።

9 ኣብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ማይ ስለ ዝነበረ ግና፡ እታ ርግቢ እግራ እተዕርፈላ ኣይረኸበትን እሞ፡ ናብኡ ናብ መርከብ ተመልሰቶ። ኢዱ ዘርጊሑ ወሰዳ፡ ናብኡ ኸኣ ናብ መርከብ ኣእተዋ።

10 ገና ኻልእ ሾብዓተ መዓልቲ ጸኒሑ ድማ፡ ነታ ርግቢ መሊሱ ኻብ መርከብ ሰደዳ።

11 እታ ርግቢ ኣጋ ምሸት ተመልሰቶ፡ እንሆ ኸኣ ልሙዕ ቈጽሊ ኣውልዕ ኣብ ኣፋ ሒዛ ነበረት። ሽዑ ኖህ ማይ ካብ ምድሪ ኸም ዝነጸፈ ፈለጠ።

12 ገና ኻልእ ሾብዓተ መዓልቲ ጸኒሑ ድማ ነታ ርግቢ ሰደዳ። ድሕሪ ደጊም ናብኡ ኣይተመልሰትን።

13 ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መበል ሹድሽተ ሚእትን ሓደን ዓመቱ ንኖህ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ፡ እቲ ማይ ካብ ምድሪ ነጸፈ። ሽዑ ኖህ ናሕሲ መርከብ ቀሊዑ ረኣየ፡ እንሆ ኸኣ ገጽ እታ ምድሪ ነቒጻ ነበረት።

14 ኣብ ካልኣይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተን መዓልቲ እታ ምድሪ ነቐጸት።

15 ኣምላኽ ድማ ንኖህ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡

16 ንስኻን ሰበይትኻን ደቅኻን፡ ኣንስቲ ደቅኻ ኸኣ ምሳኻ፡ ካብ መርከብ ውጹ።

17 ምሳኻ ዘሎ ኹሉ ህያው ካብ ስጋ ዘበለ፡ ኣዕዋፍን እንስሳን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ለመምታን ኣብ ምድሪ ኺስስኑ፡ ምሳኻ ኣውጽኣዮም፡ ኣብ ምድሪ ድማ ይፋረዩን ይባዝሑን።

18 ሽዑ ኖህ፡ ደቁን ሰበይቱን ኣንስቲ ደቁን ከኣ ምስኡ ወጹ።

19 ኵሉ ኣራዊትን ኵሉ ለመምታን ኵለን ኣዕዋፍን ኣብ ምድሪ ዚዋሳወስ ዘበለ ዅሉን ድማ በብዓሌቶም ካብ መርከብ ወጹ።

20 ኖህ ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ፡ ካብ ንጹህ እንስሳ ዘበለን ካብ ኵለን ንጹሃት ኣዕዋፍን ወሲዱ ኸኣ ዚሓርር መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ኣዕረገ።

21 እግዚኣብሄር ድማ እዚ ጥዑም መኣዛ ኣጭነወ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ብልቡ፡ ሕሊና ልቢ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ብሰሪ ሰብ ንምድሪ መሊሰ ኣይረግማን። ድሕሪ ደጊምሲ ኸምቲ ዝገበርክዎ፡ ህያው ንዘበለ ዅሉ መሊሰ ኣይክወቅዕን እየ።

22 ምድሪ ኽሳዕ ዘላ፡ ዘርእን ዓጺድን፡ ዛሕልን ዋዕን፡ ሓጋይን ክረምትን፡ መዓልትን ለይትን ኣየቋርጽን እዩ፡ በለ።