ዘፍጥረት 44

1 ንኣዛዝ ቤቱ ድማ፡ ንዓያብቲ እዞም ሰባት ኪወስድዎ ኸም ዚኽእሉ ጌርካ እኽሊ ምልኣሎም። ገንዘብ ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብ ኣፍ ዐዓይበቱ ኣንብር።

2 ነታ ጽዋኤይ ድማ፡ እታ ጽዋእ ብሩር፡ ምስቲ ገንዘብ እኽሉ ጌርካ ናብ ኣፍ ዓይበት እቲ ንእሽቶ ግበራ፡ ኢሉ አዘዞ። ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ቓል ከኣ ገበረ።

3 ንግሆ ምስ በርሄ፡ ነቶም ሰባት ምስ ኣእዱጎም ይኺዱ ሐደግዎም።

4 ንሳቶም ካብ ከተማ ወጺኦም፡ ገናኸይረሐቑ፡ ዮሴፍ ንኣዛዝ ቤቱ በሎ፥ ተንስእ፡ ደድሕሪ እዞም ሰባት ስዐብ እሞ፡ ምስ ኣርከብካዮም፡ ከመይ ኣብ ክንዲ ጽቡቕ ክፉእ ፈዴኹም፧

5 እታ ጐይታይ ዚሰትየላን ብእኣ ድማ ምስጢር ዚፈልጠላን ጽዋእ እዚኣዶ ኣይኰነትን፧ እዚ ምግባርኩም ክፉእ ጌርኩም፡ በሎም።

6 ንሱ ኸኣ ኣርከቦም፡ እዚ ነገርዚ ድማ ተዛረቦም።

7 ንሳቶም ከኣ፥ ጐይታይ፡ ስለምንታይ ከምዚ ኢልካ ትዛረብ፥ ከምዚ ዝበለ ነገር ምግባርሲ ኻብ ገላዉኻ የርሕቆ፡

8 እቲ ኣብ ኣፍ ዓያብትና ዝረኸብናዮ ገንዘብ እኳ፡ እንሆ፡ ካብ ምድሪ ኸንኣን መሊስናልካ። ካብ ቤት ጐይታኻ ግዳ ኸመይ ጌርና ብሩር ኰነ ወይ ወርቂ ኽንሰርቕ፧

9 ካብ ገላዉኻ እቲ እተረኽበቶ ይሙት፡ ንሕና ኸኣ ባሮት ጐይታይ ንኹን፡ በልዎ።

10 ንሱ ኸኣ፥ ሕጂ ኸም ዝበልኩሞ ይኹን። እቲ እተረኽበቶ፡ ንሱ ባርያይ ይኹን፡ ንስኻትኩም ግና ንጹሃት ኢኹም፡ በለ።

11 ቀልጢፎም ከኣ ነፍሲ ወከፍ ዐዓይበቶም ናብ ምድሪ ኣውረዱ፡ ነፍሲ ወከፍ ድማ ዓይበቱ ኸፈተ።

12 ንሱ ኸኣ በቲ ዓብዪ ጀሚሩ በቲ ንእሽቶ ኽሳዕ ዚውድእ ጐርጐሮም። እታ ጽዋእ ድማ ኣብ ዓይበት ብንያም ተረኽበት።

13 ሽዑ ኽዳውንቶም ቀደዱ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣድጉ ጽዒኑ ድማ ናብ ከተማ ተመልሱ።

14 ይሁዳን ኣሕዋቱን ከኣ ናብ ቤት ዮሴፍ ኣተዉ። ንሱ ገና ኣብኣ ነበረ። ኣብ ቅድሚኡ ድማ ናብ ምድሪ ተደፍኡ።

15 ዮሴፍ ከኣ፡ እዚ ዝገበርኩምዎ እንታይ ግብሩ እዩ፧ ከማይ ዝበለ ሰብ ፈላጢ ኸም ዝዀነስ ኣይትፈልጡንዶ፧ በሎም።

16 ይሁዳ ድማ፥ ንጐይታይ እሞ እንታይ ክንብል ኢና፡ እንታይስ ክንዛረብ፧ ከመይ ጌርናኸ ርእስና ኸነጽድቕ፧ ኣምላኽ በደል ባሮትካ ረኸበ፡ እኔና ንሕናን እቲ ኣብ ኢዱ ጽዋእ እተረኽበቶን ባሮት ጐይታይ ኢና፡ በለ።

17 ንሱ ግና፥ ከምዚ ዝበለ ምግባርሲ ኻባይ ይርሐቕ፡ እቲ ኣብ ኢዱ ጽዋእ እተረኽበቶ ሰብኣይ፡ ንሱ ባርያይ ይኹን፡ ንስኻትኩም ግና ናብ ኣቦኹም ብሰላም ደይቡ፡ በለ።

18 ሽዑ ይሁዳ ናብኡ ቐሪቡ በለ፡ በል ጐይታይ፡ ጊልያካ ሓንቲ ቓል ኣብ እዝኒ ጐይታይ ክዛረብ እልምነካ ኣሎኹ፡ ንስኻ ከም ፈርኦን ኢኻ እሞ፡ ኵራኻ ኣብ ጊልያኻ ኣይንደድ።

19 ጐይታይ ንገላውኡ፡ ኣቦ ወይ ሓውከ ኣሎኩምዶ፧ ኢሉ ሐተቶም።

20 ንሕና ኸኣ ንጐይታይ፡ ኣረጊት ኣቦ ኣሎና፡ ኣብ እርግናኡ ዝወለዶ ንእሽቶ ቘልዓ ድማ፡ ሓዉ ኸኣ ሞይቱ፡ እዚ ድማ ካብ ደቂ ኣዲኡ በይኑ ተሪፉ፡ ኣቦኡ ኸኣ ይፈትዎ እዩ፡ በልናካ።

21 ሽዑ ንስኻ ንገላውኻ፡ ዓይነይ ክርእዮ ናባይ ኣውርድዎ፡ በልካና።

22 ንሕና ድማ ንጐይታይ፡ እቲ ወዲ ኣቦኡ ኽሐድጎ ኣይክእልን፡ ነቦኡ እንተ ሐደጎስ፡ ኣቦኡ ኺመውት እዩ፡ በልናዮ።

23 ንገላዉኻ ድማ፡ እቲ ንእሽቶ ሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘይወረደ፡ ደጊም ገጸይ ኣይትርእዩንን ኢኹም፡ በልካና።

24 ኰነ ኸኣ፡ ንሕና ናብ ጊልያኻ ኣቦይ ምስ ደየብና፡ ዘረባ ጐይታይ ነገርናዮ።

25 ኣቦና ድማ፡ ተመሊስኩም ሒደት እኽሊ ሸምቱልና፡ በለ።

26 ንሕና ኸኣ፡ ክንወርድ ኣይንኽእልን። እዚ ንእሽቶ ሓውና ምሳና እንተ ዘየሎ፡ ገጽ እቲ ሰብኣይ እቲ ኽንርኢ ኣይንኽእልን ኢና እሞ፡ እዚ ንእሽቶ ሓውና ምሳና እንተሎ ግና፡ ንወርድ፡ በልና።

27 ኣቦይ ጊልያኻ ድማ፡ ሰበይተይ ክልተ ወዲ ኸም ዝወለደትለይ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።

28 እቲ ሓደ ኻባይ ወጸ፡ ኣነ ኸኣ፡ ብሓቂ ተበሊዑ እዩ፡ በልኩ። ክሳዕ ሕጂ ድማ ኣይርኤኽዎን።

29 ነዚ ኸኣ ካብ ቅድመይ እንተወሰድክምዎ እሞ ድንገት እንተ ረኸቦ፡ ንሽበተይ ብጓሂ ናብ ሽኦል ከተውርድዎ ኢኹም፡ በለና።

30 ሕጂ ኸኣ ኣነ ናብ ኣቦይ ጊልያኻ እንተ መጻእኩ እሞ፡ እዚ ወዲ ምሳና እንተ ዘየሎ፡ ነፍሱ ምስ ነፍሲ ወዱ ስለ እተጣበቐት፡

31 ኪኸውን ድማ እዩ፡ እዚ ወዲ ኸም ዘየሎ እንተ ረአየ፡ ኪመውት እዩ። ገላውኻ ኸኣ ንሽበት ኣቦና ጊልያኻ ብጓሂ ናብ ሽኦል የውርዱ።

32 ጊልያኻ ነዚ ወዲ ኣብ ቅድሚ ኣቦይ፡ ናባኻ እንተ ዘየምጻእክዎ፡ ብዅሉ ዘበን ነቦይ ሓጢኣት ከም ዝገበርኩ እኸውን፡ ኢሉ ተዋሒስዎ እዩ።

33 ሕጂ ድማ፡ጊልያኻ ኣብ ክንዲ እዚ ወዲ ንጐይታይ ባርያ ዀይኑ ኪቕመጥ፡ እልምነካ ኣሎኹ። እዚ ወዲ ኸኣ ምስ ኣሕዋቱ ይደይብ።

34 እዚ ወዲ ምሳይ ካብ ዘይህሉስ፡ ከመይ ኢለ ደኣ ናብ ኣቦይ ክድይብ እየ፧ እቲ ነቦይ ዚረኽቦ ኽፉእሲ ኣየርእየኒ።