ዘፍጥረት 12

1 እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም በሎ፤ ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ እንዳ ኣቦኻን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ ውጻእ።

2 ንዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን ከኣ እየ፡ ንስምካውን ከዕብዮ እየ፡ ንበረኸት ድማ ክትከውን ኢኻ።

3 ንዚባርኹኻ ክባርኾም፡ ንዚረግመካ ድማ ክረግሞ እየ። ዓሌታት ኵላ ምድሪ ድማ ብኣኻ ኪባረኹ እዮም።

4 ኣብራም ከኣ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸደ፡ ሎጥ ድማ ምስኡ ኸደ። ኣብራም ካብ ካራን ኪወጽእ ከሎ ኸኣ ወዲ ሰብዓን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ።

5 ኣብራም ድማ ንሳራይ ሰበይቱን ንሎጥ ወዲ ሓዉን፡ ነቲ ዘጥረይዎ ዅሉ ጥሪቶምን ነቶም ኣብ ካራን ዘጥረይዎም ነፍሳትን ወሲዱ፡ ንምድሪ ኸነኣን ኪኸዱ ወጹ፡ ናብ ምድሪ ኸነኣን ከኣ መጹ።

6 ኣብራም ድማ በታ ምድሪ ኽሳዕ ቦታ ሴኬም ክሳዕ ድዋታት ሞሬ ሓለፈ። በቲ ዘበንቲ ድማ ከነኣናውያን ኣብታ ምድሪ እቲኣ ነበሩ።

7 እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም ተራእዮ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ክህቦ እየ፡ ከኣ በሎ። ኣብኡውን ነቲ እተራእዮ እግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሓሉ።

8 ካብኡ ናብቲ ኣብ ምብራቕ ቤት-ኤል ዘሎ ኸረን ተጓዒዙ ድማ፡ ኣብኡ ድንኳኑ ተኸለ፡ እሞ ቤት-ኤል ብሸነኽ ምዕራቡ፡ ዓይ ከኣ ብምብራቑ ዀና። ኣብኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ፡ ብስም እግዚኣብሄር ተማህለለ።

9 ኣብራም ድማ ተላዒሉ እናገዐዘ ናብ ደቡብ ኣቢሉ ኸደ።

10 ኣብታ ሃገር ከኣ ጥሜት ኰነ። ኣብታ ሃገር ጥሜት ስለ ዝበርትዔ ድማ፡ ኣብራም ብስደት፡ ኣብኣ ኪቕመጥ፡ ናብ ግብጺ ወረደ።

11 ኰነ ኸኣ፡ ናብ ግብጺ ኺኣቱ ምስ ቀረበ፡ ንሰበይቱ ሳራይ፡ እንሆ፡ መልክዔኛ ሰበይቲ ምዃንኪ ፈሊጠ አሎኹ እሞ፡

12 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ግብጻውያን ምስ ዚርእዩኺ፡ ሰበይቱ እያ ኺብሉ እዮም፡ ንኣይ ቀቲሎም ንኣኺ ብህይወት ይሓድጉኺ።

13 እምበኣር በጃኺ፡ ብሳላኺ ምእንቲ ንኣይ ኪጥዕም፡ ነፍሰይ ድማ ብኣኺ ክትድሕንሲ፡ ሓብቱ እየ ደኣ በሊ፡ በላ።

14 ኰነ ኸኣ፡ ኣብራም ኣብ ግብጺ ምስ ኣተወ፡ ግብጻውያን እታ ሰበይቲ ብዙሕ መልክዔኛ ምዃና ረኣዩ።

15 እቶም ሹማምቲ ፈርኦን ድማ ረኣይዋ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ከኣ ነኣድዋ። ነታ ሰበይቲ ውን ናብ ቤት ፈርኦን ወሰድዋ።

16 ንኣብራም ድማ ምእንትኣ ጽቡቕ ገበረሉ፡ ኣባጊዕን ኣብዑርን ኣውዳልን ገላዉን ኣግራድን ኣንስትዮ ኣእዱግን ኣግማልን ነበርዎ።

17 እግዚኣብሄር ግና ብምኽንያት ሳራይ ሰበይቲ ኣብራም፡ ንፈርኦንን ንቤቱን ብርቱዕ ቅጽዓት ቀጽዖ።

18 ፈርኦን ድማ ንኣብራም ናብኡ ጸዊዑ፥ እንታይ እዩ እዚ ዝገበርካኒ፧ ስለምንታይከ ኢኻ ሰበይትኻ ምዃና ዘየፍለጥካኒ፧

19 ስለምንታይሲ ሓብተይ እያ፡ በልካ፧ ሰበይተይ ክትከውን ምወሰድክዋ ነይረ። ሕጂ ኸኣ እንሃትልካ፡ ሰበይትኻ ሒዝካ ኺድ፡ በሎ።

20 ፈርኦን ድማ ብዛዕባኡ ንሰቡ፡ ንእኡን ንሰበይቱን ንዘለዎ ዅሉን ኬሰንይዎም፡ ኣዘዘ።