ዘፍጥረት 45

1 ሽዑ ዮሴፍ ኣብ ቅድሚ እቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ዅሎም ልቡ ኼህድእ ኣይከኣለን እሞ፡ ዓው ኢሉ፡ ኵሎም ሰብ ካብ ቅድመይ ኣውጽኡለይ፡ በለ። እቲ ነሕዋቱ ኺላለዮም ከሎ፡ ምስ ዮሴፍ ገለ ሰብ እኳ ኣይነበረን።

2 ቃሉ ዓው ኣቢሉ ድማ በኸየ፡ ግብጻውያን ከኣ ሰምዑ፡ ቤት ፈርኦንውን ሰምዔ።

3 ዮሴፍ ድማ ነሕዋቱ፡ ኣነ ዮሴፍ እየ፡ ኣቦይከ ኽሳዕ ሕጂዶ ብህይወቱ ኣሎ፧ በሎም። ኣሕዋቱ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ሰምበዱ እሞ፡ ኪመልሱሉ ኣይከኣሉን።

4 ዮሴፍ ከኣ ነሕዋቱ፡ በጃኹም ናባይ ቅረቡ፡ በሎም። ቀረቡ ድማ። በለ ኸኣ፡ ኣነ ናብ ግብጺ ዝሸጥኩምኒ ዮሴፍ ሓውኩም እየ።

5 ኣምላኽ እዩ ህይወት ንምድሓን ቀቅድሜኹም ዝለኣኸኒ እሞ፡ ሕጂ ድማ ናብዚ ስለ ዝሸጥኩምኒ ኣይትጕሀዩ፡ ኣይትጨነቑ።

6 ኣብዛ ምድሪ ጥሜት ካብ ዚኸውን ሕጂ ኽልተ ዓመት ኰይኑ፡ ዘይሕረሰንን ዘይዕጸደንን ድማ ገና ሓሙሽተ ዓመት ኣለዋ።

7 ኣምላኽ ግና ኣብ ምድሪ ተረፍ ምእንቲ ኼትርፈኩም፡ ብዓብዪ ምድሓን ድማ ህይወትኩም ክትድሕን፡ ቀቅድሜኹም ለአኸኒ።

8 ሕጂ ኸኣ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን ናብዚ ዝለኣኽኩምኒ። ንሱ ንፈርኦን ኣቦኡን ጐይታ ዅላ ቤቱን ገዛእ ኵላ ሃገር ግብጽን ገበረኒ።

9 ቀልጢፍኩም ናብ ኣቦይ ደይቡ እሞ በልዎ፡ ዮሴፍ ወድኻ ከምዚ ይብል፡ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ዅላ ግብጺ ጐይታ ገበረኒ፡ ናባይ ውረድ፡ ኣይትደንጕ።

10 ንስኻን ደቅኻን ደቂ ደቅኻን ኣባጊዕካን ኣሓኻን ዘሎካ ዅሉን ኣብ ቀረባይ ክትከውን፡ ኣብ ምድሪ ጎሼን ክትቅመጥ ኢኻ።

11 ገና ሓሙሽተ ዓመት ጥሜት ተሪፉ ኣሎ እሞ፡ ንስኻን ቤትካን ኵሉ ዘሎካን ምእንቲ ኸይትሽገሩ፡ ኣብኡ ኽሐልየልካ እየ።

12 ኣፈይ ትዛረበኩም ከም ዘላ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣዒንትኹምን ዓይኒ ሓወይ ብንያምን ይርእያ ኣለዋ።

13 እቲ ዅሉ ኽብረተይ ኣብ ግብጽን እቲ ዝርኤኽምዎ ዅሉን ነቦይ ንገርዎ። ነቦይ ከኣ ቀልጢፍኩም ናብዚ ኣውርድዎ።

14 ኣብ ክሳድ ሓዉ ብንያም ወዲቑ ኸኣ በኸየ፡ ብንያም ድማ ኣብ ክሳዱ በኸየ።

15 ንዅሎም ኣሕዋቱ ኸኣ እናበኸየ ሰዐሞም። ድሕርዚ ድማ ኣሕዋቱ ምስኡ ተዛረቡ።

16 ኣብ ቤት ፈርኦን ከኣ፡ ኣሕዋት ዮሴፍ መጺኦም፡ ዚብል ወረ ተሰምዔ። እዚውን ንፈርኦንን ንገላውኡን ባህ ኣበሎም።

17 ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ በሎ፡ ነሐዋትካ፡ ከምዚ ግበሩ፡ በሎም፡ እንስሳኹም ጽዒንኩም ኪዱ፡ ናብ ምድሪ ኸነኣን ከኣ እተዉ።

18 ኣቦኹምን ስድራቤትኩምን ሒዝኩም ድማ ናባይ ምጹ። ካብ ምድሪ ግብጺ ኸኣ እቲ ዝበለጸ ኽህበኩም እየ፡ ስብሒ እዛ ምድሪውን ክትበልዑ ኢኹም።

19 እዚ ኽትገብሩ እእዝዘካ ኣሎኹ፡ ንሕጻናትኩምን ነንስትኹምን ሰረገላታት ካብ ምድሪ ግብጺ ውሰዱ እሞ፡ ነቦኹም ድማ ሒዝኩምዎ ምጹ።

20 እቲ ኣብ ምድሪ ግብጺ ዘሎ ዘዝበለጸ ዅሉ ንኣኻትኩም እዩ እሞ፡ ኣቓሑኹም ርኢኹም ኣይትጕሀዩ።

21 ደቂ እስራኤል ከኣ ከምኡ ገበሩ። ዮሴፍ ድማ ከምቲ ትእዛዝ ፈርኦን ሰረገላታት ሀቦም፡ ንመገዲ ኸኣ ስንቂ ሀቦም።

22 ንነፍሲ ወከፎም ኵሎም ድማ ዚለዋወጥ ክዳውንቲ ሀቦም። ንብንያም ግና ሰለስተ ሚእቲ ሲቃል ብሩርን ሓሙሽተ ዚለዋወጥ ክዳውንትን ሀቦ።

23 ነቦኡ ድማ ካብ ናይ ዘዝጸበቐ ነገር ግብጺ ጽዕነት ዓሰርተ ኣድጊ፡ ነቦኡ ንመገዲ ዚኾኖ ኸኣ እኽልን እንጌራን ካልእ ብልዕን ጽዕነት ዓሰርተ ኣንስተይቲ ኣድጊ ኸምዚ ገይሩ ሰደደሉ።

24 ነሕዋቱ ድማ፡ ኣብ መገዲ ኣይትበአሱ፡ ኢሉ ሰደዶም፡ ከዱ ኸኣ።

25 ካብ ግብጺ ደይቦም ከኣ ናብ ኣቦኦም ያእቆብ ናብ ምድሪ ኸነኣን መጹ፡

26 ዮሴፍ ገና ብህይወቱ ኣሎ፡ ንዅላ ሃገር ግብጺ ዚገዝእ ዘሎውን ንሱ እዩ፡ ኢሎም ድማ ነገርዎ። ንሱ ግና ኣይአመኖምን እሞ፡ ልቡ ደንጸወ።

27 እቲ ዮሴፍ ዝበሎም ኵሉ ዘረባ ድማ ነገርዎ፡ እቲ ኺመጸሉ ኢሉ ዮሴፍ ዝሰደዶ ሰረገላታት ምስ ረኣየ ኸኣ፡ መንፈስ ኣቦኦም ያእቆብ ተሐደሰ።

28 እስራኤል ድማ፥ ወደይ ዮሴፍስ ገና ብህይወቱ ኣሎ፡ ደጊም ይኣኽለኒ። ከይሞትኩ ደኣ ኸይደ ኽርእዮ፡ በለ።