ዘፍጥረት 46

1 እስራኤል ድማ ምስ ኲሉ ዘለዎ ነቐለ። ናብ ብኤር-ሸባዕ ምስ በጽሔ፡ ኣብኡ ንአምላኽ ኣቦኡ ይስሃቅ መስዋእቲ ሕሩድ ሰውኤ።

2 ኣምላኽ ድማ ንእስራኤል ብራእይ ለይቲ፡ ያእቆብ፡ ያእቆብ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ንሱ ኸኣ፤ እኔኹ፡ በለ።

3 ኣነ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ኣቦኻ እየ። ኣብኡ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካ እየ እሞ፡ ናብ ግብጺ ምውራድ ኣይትፍራህ።

4 ኣነ ምሳኻ ናብ ግብጺ ኽወርድ እየ፡ ብርግጽ ድማ ኣነ ኸደይበካ እየ። ዮሴፍ ከኣ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኣዒንትኻ ኼንብር እዩ፡ ድማ በለ።

5 ያእቆብ ድማ ካብ ብኤር-ሸባዕ ተንስኤ። ደቂ እስራኤል ከኣ ነቦኦም ያእቆብን ሕጻናቶምን ኣንስቶምን ኣብቲ ኺመጸሉ ኢሉ ፈርኦን ዝሰደደሉ ሰረገላታት ኣደየቡ።

6 ያእቆብን ኲሉ ዘርኡ ድማ ምስኡ፡ ማሎምን ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዘጥረይዎ ገንዘቦምን ወሲዶም፡ ናብ ግብጺ መጹ።

7 ንደቁን ደቂ ደቁን፡ ነዋልዱን ኣዋልድ ደቁን፡ ንዂሉ ዘርኡ ድማ ምስኡ ናብ ግብጺ ኣምጽኤ።

8 እቶም ናብ ግብጺ ዝአተዉ ደቂ እስራኤል። ያእቆብን ደቁን፡ ስሞም እዚ እዩ፡ በዂሪ ያእቆብ፡ ሮቤል።

9 ደቂ ሮቤል ድማ፤ ሄኖክን ፋሉን ሄስሮንን ካርሚን።

10 ደቂ ስምኦን ከኣ፡ የሙኤልን ያሚንን ኦሃድን ያኪንን ጾሓርን ሻኡል ወዲ እታ ኸነኣናዊትን።

11 ደቂ ሌዊ ኸኣ፤ ገርሾንን ቀሓትን መራሪን።

12 ደቂ ይሁዳ ድማ፤ ዔርን ኦርንን ሼላን ፋሬስን ዜራሕን። ዔርን ኦናንን ግና ኣብ ምድሪ ኸነኣን ሞቱ። ደቂ ፋሬስ ድማ ሔጽሮንን ሓሙልን እዮም።

13 ደቂ ይሳኮር ከኣ፡ ቶላዕን ፉዋህን ዮብን ሽምሮንን።

14 ደቂ ዛብሎን ድማ፤ ሰሬድን ኤሎንን ያሕኤልን።

15 እዚኣቶም ንያእቆብ ኣብ ጳዳን-ኣራም ዝወለደትሉ ደቂ ልያ እዮም፡ ዲና ድማ ጓሉ። ኣወዳቱን ኣዋልዱን ኲሎም ሰላሳን ሰለስተን ነፍሲ።

16 ደቂ ጋድ፡ ጺፍዮንን ሓጊን ሹኒን ኤጽቦንን ዔሪን ኣሮዲን ኣርኤሊን።

17 ደቂ ኣሴር ከኣ፡ ዪምናን ዪሽዋን ዪሽዊን በርዓን ሴራሕ፡ ሓብቶምን። ደቂ በሪዓ ኸኣ፤ ሔበርን ማልኪኤልን።

18 እዚኣቶም ደቂ ዚልጳ፡ እታ ላባን ንጓሉ ልያ ዝሀባ፡ እዮም። እዞም ዓሰርተው ሹድሽተ ነፍሲ ንያእቆብ ወለደትሉ።

19 ደቂ ራሄል ሰበይቲ ያእቆብ ድማ፤ ዮሴፍን ብንያምን።

20 ንዮሴፍ ከኣ ኣብ ሃገር ግብጺ እተወልዱሉ፡ ኣሰናት፡ ጓል ጶጢፌራ ካህን ኦን፡ ዝወለደትሉ፤ ምናሴን ኤፍሬምን እዮም።

21 ደቂ ብንያም ድማ፡ ቤላዕን ቤከርን ኣሸቤልን ጌራን ናዓማንን ኤሒን ሮሽን ሙጲምን ሑጲምን ኣርድን።

22 እዚኣቶም ንያእቆብ እተወልዱሉ ደቂ ራሄል፡ ኲሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ነፍሲ እዮም።

23 ደቂ ዳን ድማ፤ ሑሺም።

24 ደቂ ንፍታሌም ከኣ፡ የሕጽኤልን ጉኒን የጽርን ሺሌምን።

25 እዚኣቶም ደቂ ቢልሃ፡ እታ ላባን ንራሄል ጓሉ ዝሀባ፡ እዮም። እዚኣቶም ኲሎም ሾብዓተ ነፍሲ ንያእቆብ ወለደትሉ።

26 እቶም ምስ ያእቆብ ናብ ግብጺ ዝኣተዉ ነፍሳት፡ ካብ ሕቚኡ ዝወጹ ብጀካ ኣንስቲ ደቂ ያእቆብ፡ ኲሎም ስሳን ሹድሽተን ነፍሲ ነበሩ።

27 ኣብ ግብጺ እተወልዱሉ ደቂ ዮሴፍ ከኣ ክልተ ነፍሲ ነበሩ። ናብ ግብጺ ዝኣተዉ ዂሎም ነፍሳት ቤት ያእቆብ ሰብዓ ነበሩ።

28 ንሱ ቀቅድሚኡ ናብ ጎሼን ምእንቲ ኺመርሕ ድማ፡ ንይሁዳ ቀቅድሚኡ ናብ ዮሴፍ ሰደዶ። ናብ ምድሪ ጎሼን ከኣ ኣተዉ።

29 ዮሴፍ ድማ ሰረገላኡ ኣጽዒኑ፡ ነቦኡ እስራኤል ኪረክብ ናብ ጎሼን ደየበ። ምስ ተራእዮ ኸኣ፡ ኣብ ክሳዱ ወዲቑ፡ ኣብ ክሳዱ ነዊሕ ጊዜ በኸየ።

30 እስራኤል ድማ ንዮሴፍ፡ ገና ብህይወት ከም ዘሎኻ፡ ገጽካ ኻብ ርኤኹ፡ ሕጂስ እሙት፡ በሎ።

31 ዮሴፍ ከኣ ነሕዋቱን ንቤት ኣቦኡን በሎም፡ ናብ ፈርኦን ደይበ ኽነግሮ እየ፡ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዝነበሩ ኣሕዋተይን ቤት ኣቦይን ናባይ መጺኦም ኣለዉ።

32 እዞም ሰባት እዚኣቶም ሰብ ማል እዮም እሞ፡ ጓሶት ኣባጊዕ እዮም። ኣባጊዖምን ኣሓኦምን ኲሉ ዘለዎም ድማ ኣምጺኦም ኣለዉ።

33 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ፈርኦን ጸዊዑ፡ ተግባርኩም እንታይ እዩ፧ ምስ ዚብለኩም፡

34 ጓሳ ዘበለ ንግብጻውያን ጽዩፍ እዩ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ጎሼን ምእንቲ ኽትቅመጡስ፡፤ገላዉኻ፡ ንሕናን ኣቦታትናን ድማ ካብ ንእስነትና ኽሳዕ ሕጂ ሰብ ማል ኢና፡ በሉ።