ዘፍጥረት 9

1 ኣምላኽ ንኖህን ንደቁን ባረኾም፡ በሎም ድማ፡ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋ።

2 ኵሉ ኣራዊት ምድርን ኣዕዋፍ ሰማይን ብኣኻትኩም ይፍራህን ይሰምብድን፡ ምስቲ ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኵሉን ዓሳታት ባሕሪ ዅሉን ኣብ ኢድኩም ተዋህበ።

3 ዚዋሳወስ ዘበለ ዅሉ ህያው መብልዕኩም ይኹን፡ እዚ ዅሉ ኸምቲ ልሙዕ ብቑሊ ሂበኩም አሎኹ።

4 ግናኸ ስጋ ምስ ነፍሱ፡ እቲ ደሙ፡ ኣይትብልዕዎ።

5 እቲ ነፍስኹም ዘለዎ ደምኩምሲ ኣነ ኽደልዮ እየ። ካብ ኢድ ኵሉ ኣራዊት ክደልዮ እየ። ነፍሲ ሰብ ድማ ካብ ኢድ ሰብ፡ ካብ ኢድ ሓዉ፡ ክደልያ እየ።

6 ኣምላኽ ንሰብ ብመልክዑ ገይርዎ እዩ እሞ፡ እቲ ደም ሰብ ዜፍስስ፡ ደሙ ብሰብ ኪፈስስ እዩ።

7 ንሳትኩም ከኣ ፍረዩን ተባዝሑን፡ ኣብ ምድሪ ሰስኑ፡ ኣብኣ ድማ ተባዝሑ።

8 ኣምላኽ ከኣ ንኖህ፡ ንደቁ ድማ ምስኡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም።

9-10 እንሆ፡ ኣነ ኸኣ ምሳኻትኩምን ብድሕሬኹም ድማ ምስ ዘርእኹምን ምስቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ዅሉ ህያው ፍጡር፡ ኣዕዋፍ፡ እንስሳ፡ ምሳኻትኩም ዘሎ ዅሉ ኣራዊት ምድሪ ድማ፡ ምስቲ ኻብ መርከብ ዝወጸ ዅሉን ምስ ኵሉ ኣራዊት ምድርን ኪዳነይ ኤቕውም አሎኹ።

11 ኪዳነይ ከኣ ምሳኻትኩም ኤቕውም አሎኹ፡ ድሕሪ ደጊም ስጋ ዘበለ ዅሉ ብማይ ኣይሂ ኣይጠፍእን፡ ንምድሪ ዜጥፍእ ማይ ኣይሂ ድማ መሊሱ ኣይኸውንን።

12 ኣምላኽ ከኣ በለ፡ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ እቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ዅሉ ህያው ነፍስን ንዘለኣለም ዝገብሮ ኺዳን፡ ምልክቱ እዚ እዩ።

13 ቀስተይ ኣብ ደበና ኤንብር አሎኹ፡ ንሱ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ምድርን ዘሎ ኺዳን ምልክት ኪኸውን እዩ።

14 ይኸውን ከኣ፡ ደበና ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምስ ዘደባኑ፡ ኣብቲ ደበና ድማ ቀስቲ ኺርኤ እዩ፡

15 ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ኵሉ ስጋ ዘሎ ዅሉ ህያው ነፍስን ዘሎ ኺዳነይ እዝክር። ደጊምሲ እቲ ንኹሉ ስጋ ዜጥፍእ ማይ ኣይሂ ኣይኪኸውንን እዩ።

16 እቲ ቐስቲ ድማ ኣብ ደበና ኪኸውን እዩ፡ ኣነ ኸኣ ነቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ፡ ኣብ ኵሉ ስጋ ዘሎ ዅሉ ህያው ነፍስን ዘሎ ኺዳን ዘለኣለም ምእንቲ ኽዝክር፡ ክርእዮ እየ።

17 ኣምላኽ ድማ ንኖህ፡ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ስጋ ዘቘምክዎ ኺዳን ምልክቱ እዚ እዩ በሎ።

18 እቶም ካብ መርከብ ዝወጹ ደቂ ኖህ ሴምን ካምን ያፌትን እዮም። ካም ከኣ ኣቦ ኸነኣን እዩ።

19 እዚኣቶም ሰለስቲኦም ደቂ ኖህ እዮም። ካብዚኣቶም ከኣ ሰብ ኣብ ኩላ ምድሪ ተዘርዉ።

20 ኖህ ድማ ሓረስታይ ምድሪ ኪኸውን ጀመረ፡ ወይኒ ኸኣ ተኸለ።

21 ካብ ወይኒ ሰትዩ ድማ ሰኸረ፡ ኣብ ማእከል ድንኳኑ ኸኣ ጥራዩ ዀነ።

22 ካም፡ ኣቦ ኸነኣን ከኣ ሕፍረት ኣቦኡ ርእዩ፡ ናብ ግዳም ወጺኡ ንኽልቲኦም ኣሕዋቱ ነገሮም።

23 ሴምን ያፌትን ድማ ክዳን ወሲዶም ኣብ መንኩቦም ገይሮም እናኣድሓርሓሩ፡ ሕፍረት ኣቦኦም ከደኑ። ገጾም ንድሕሪት ገይሮም፡ ሕፍረት ኣቦም ኣይረኣዩን።

24 ኖህ ከኣ ካብ ስኽራኑ ናብ ልቡ ተመልሰ፡ እቲ ንእሽቶ ወዱ ዝገበሮ ድማ ፈለጠ።

25 በለ ኸኣ፡ ከነኣን ርጉም፡ ነሕዋቱ ባርያ ባሮት ይኹን።

26 በለ ድማ፡ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ሴም፡ ይባረኽ። ከነኣን ድማ ባርያኡ ይኹን።

27 ኣምላኽ ንያፌት የስፍሕ። ኣብ ድንኳውንቲ ሴም ከኣ ይንበር። ከነኣን ድማ ባርያኡ ይኹን።

28 ኖህ ከኣ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ሰለስተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ገበረ።

29 ኵሉ ዕድመ ኖህ ትሽዓተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ኰነ። ሞተ ድማ።