ዘፍጥረት 31

1 ደቂ ላባን ድማ፡ እቲ ናይ ኣቦና ዝነበረ ዅሉ ያእቆብ ወሰዶ፡ ኵሉ እዚ ኽብረት እዚ ኸኣ ካብቲ ናይ ኣቦና ዝነበረ ንሱ ዝረኸቦ እዩ፡ ኢሎም ኪዛረቡ ሰምዔ።

2 ያእቆብ ድማ ገጽ ላባን ጠመተ፡ እንሆ፡ ከም ቀደሙ ምስኡ ኣይነበረን።

3 እግዚኣብሄር ከኣ ንያእቆብ ናብ ምድሪ ኣቦታትካን ናብ ዓሌትካን ተመለስ እሞ ምሳኻ ክኸውን እየ፡ በሎ።

4 ያእቆብ ድማ ልኢኹ ንራሄልን ንልያን ናብተን መጓሴኡ ናብ መሮር ጸውዔን፡

5 በለን ከኣ፡ ገጽ ኣቦኽን ከም ቀደሙ ምሳይ ከም ዘይኰነ፡ ኣነ እርኢ ኣለኹ፡ ኣምላኽ ኣቦይ ግና ምሳይ ነበረ።

6 ነቦኽን ብምሉእ ሓይለይ ከም ዘገልገልክዎ ኸኣ፡ ባዕልኻትክን ትፈልጣ ኢኽን።

7 ኣቦኽን ደኣ ዓስበይ ዓሰርተ ሳዕ እናለዋወጠ ኣታለለኒ፡ እግዚኣብሄር ግና ክፉእ ኪገብረኒ ኣይፈቐደሉን።

8 ንሱ፡ ዓምቦሬታት ዘበላ ዓስብኻ ይኹን፡ ምስ በለኒ፡ ኵለን መጓሰ ዓምቦሬታት ወለዳ። ዓስብኻ ዑፌታት ይኹና፡ ምስ በለ ኸኣ፡ ኵለን መጓሰ ዑፌታት ወለዳ።

9 ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ማል ኣቦኽን ኣግዲፉ ንኣይ ሀበኒ።

10 ኰነ ኸኣ፡ በቲ እተን መጓሰ ዝትለዋሉ ጊዜ ዓይነይ ቋሕ እንተ ኣበልኩ ብሕልሚ ርኤኹ፡ እንሆ፡ ነተን ጤለበጊዕ ዚሰርወን ተባዕትዮ ዑፌታትን ጸነጺትን ጨቦሬታትን ነበሩ።

11 መልኣኽ ኣምላኽ ድማ ብሕልሚ፡ ያእቆብ፡ በለኒ። ኣነ ኸኣ፡ እኔኹ፡ በልኩ።

12 ንሱውን፡ ዓይንኻ ቛሕ ኣብል እሞ እዞም ነዘን ጤለበጊዕ ዚሰርወን ዘለዉ ዅሎም ተባዕትዮ ዑፌታትን ጸነጺትን ጨቦሬታትን ርኤ። እቲ ላባን ዝገበረካ ዅሉ ርእየዮ ኣሎኹ።

13 እቲ ኣብቲ ሓወልቲ ዝቐባእካሉን፡ ኣብኡ ድማ መብጽዓ እተማባጻዕካለይን ኣምላኽ ቤት-ኤል፡ ኣነ እየ። ሕጂ ተንስእ እሞ ካብዛ ምድሪ እዚኣ ወጺእካ ናብታ ተወለድካላ ሃገር ተመለስ፡ በለኒ።

14 ራሄልን ልያን ከኣ፡ ደጊምዶ ኣብ ቤት ኣቦና ግደ ወይ ርስቲ ኣልዩና፧

15 ሸይጡና እዩ እሞ፡ ከም ጓኖትዶ ቘጺሩና ኣይኰነን፧ ነቲ ገንዘብና ድማ በልዖ።

16 እቲ ኣምላኽ ካብ ኣቦና ዝወሰዶ ዅሉ ሃብቲ፡ ንሱ ናትናን ናይ ደቅናን እዩ እሞ፡ ሕጂ ኸኣ ኣምላኽ ዝበለካ ዅሉ ግበር፡ ኢለን መለሳሉ።

17 ሽዑ ያእቆብ ተንሲኡ ደቁን ኣንስቱን ኣብ ኣግማል ኣወጥሔ።

18 ናብ ኣቦኡ ይስሃቅ ናብ ምድሪ ኸነኣን ኪኽይድ፡ ኵለን ማሉን ኵሉ ዘጥረዮ ገንዘቡን፡ እተን ኣብ ጳዳን-ኣራም ዘጥረየን ማሉ ወሰደ።

19 ላባን ከኣ ኣባጊዑ ኪቘርጽ ከይዱ ነበረ፡ ራሄል ድማ ጣኦታት ኣቦኣ ሰረቐት።

20 ያእቆብ ድማ ከም ዚሀድም ንላባን፡ እቲ ሶርያዊ፡ ከይነገረ መሊቑ ኸደ።

21 ዘለዎ ዅሉ ሒዙ ኸኣ ሀደመ፡ ተንሲኡ ድማ ርባ ተሳገረ፡ ገጹ ኸኣ ናብ ከረን ጊልዓድ ኣቢሉ ኣቕንዔ።

22 ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ያእቆብ ከም ዝሀደመ ንላባን ነገርዎ።

23 ሽዑ ኣሕዋቱ ምስኡ ወሰደ፡ ደድሕሪኡ ድማ መገዲ ሾብዓተ መዓልቲ ሰዐቦ። ኣብ ከረን ጊልዓድ ከኣ ኣርከቦ።

24 ኣምላኽ ግና ብሕልሚ ለይቲ ናብ ላባን፡ እቲ ሶርያዊ፡ መጺኡ፡ ንያእቆብ ጽቡቕ ኰነ ኽፉእ ከይትዛረቦ ተጠንቀቕ፡ በሎ።

25 ላባን ከኣ ንያእቆብ ኣርከቦ። ያእቆብ ከኣ ድንኳኑ ኣብ ከረን ተኺሉ ነበረ፡ ላባን ምስ ኣሕዋቱ ድማ ድንኳኑ ኣብ ከረን ጊልዓድ ተኸለ።

26 ላባን ከኣ ንያእቆብ በሎ፡ እንታይ እዩ ዝገበርካዮ፧ ልበይ ጠቢርካዶ ነዋልደይ ብሴፍ ከም እተማረኻ ከብከብካየን፧

27 ስለምንታይ ካባይ ተሰሪቕካ፡ ከይነገርካኒ ድማ ተሓቢእካ ዝሀደምካ፧ ብሓጎስን ብመዝሙርን ብዀበሮን ብመሰንቆን መፋኖኹኻ ነይረ።

28 ነወዳተይን ነዋልደይን ክስዕሞም እኳ ኣይሐደግካንን። ሕጂ እዚ ብዕሽነት ኢኻ ዝገበርካዮ።

29 ክፉእ ክገብረኩም ኣብ ኢደይ ስልጣን ኣሎኒ። ኣምላኽ ኣቦኹም ግና ትማሊ ለይቲ፥ ንያእቆብ ጽቡቕ ኰነ ኽፉእ ከይትዛረቦ ተጠንቀቕ፡ ኢሉ ተዛረበኒ።

30 ሕጂ ኸኣ ቤት ኣቦኻ ኣዚኻ ኻብ ናፈቕካ፡ ምኻድሲ ኸድካ፡ ስለምንታይ ደኣ ኣማልኽተይ ሰረቕካ፧

31 ያእቆብ ድማ ንላባን፡ ኣዋልድካ ብሓይሊ ኸይተግድፈኒ ኢለ ፈራህኩ።

32 እቲ ኣማልኽትኻ እተረኽቦ ግና ንሱ ይሙት። ምሳይ ዘሎ ናትካ ዘበለ፡ ኣብ ቅድሚ ኣሕዋትና ጐርጕርካ፡ ንኣኻ ውሰዶ፡ ኢሉ መለሰሉ። ያእቆብ፡ ራሄል ከም ዝሰረቐቶም ኣይፈለጠን ነበረ።

33 ላባን ድማ ናብ ድንኳን ያእቆብን ናብ ድንኳን ልያን ናብ ድንኳን ክልቲኤን ግዙኣትን ኣተወ፡ ግናኸ ኣይረኸቦምን። ካብ ድንኳን ልያ ወጺኡ ናብ ድንኳን ራሄል ኣተወ።

34 ራሄል ድማ ነቶም ጣኦታት ወሲዳ ኣብ ኰረሻ ገመል ኣንቢራ ኣብ ልዕሊኦም ኮፍ በለት። ላባን ንብድንኳኑ ጐርጐሮ፡ ኣይረኸቦምን ከኣ።

35 ንሳ ኸኣ ነቦኣ፥ ጐይታይ፡ እቲ ናብ ኣንስቲ ዚኸውን መጺኡኒ እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድሜኻ ሓፍ ክብል ኣይክእልን እየ፡ ኣይትዀርየለይ በለቶ። ንሱ ኸኣ ደለየ፡ ነቶም ጣኦታት ግና ኣይረኸቦምን።

36 ሽዑ ያእቆብ ተናዲዱ ንላባን ተበአሶ፡ ያእቆብ ንላባን መሊሱ በሎ፡ እቲ ነዲርካ ደድሕረይ ዝገስገስካስ፡ እንታይ እዩ በደለይ፧ እንታይከ እዩ ሓጢኣተይ፧

37 ሕጂ ንዅሉ ኣቕሖይ ጐርጐርካ፡ ካብ ኵሉ ኣቓሑ ቤትካ እንታይ ረኸብካ፧ ኣብ መንጎ ኽልቴና ኺፈርዱስ፡ ኣብዚ ኣብ ቅድሚ ኣሕዋተይን ኣሕዋትካን ኣምጽኣዮ።

38 እዘን ዕስራ ዓመት ምሳኻ ነይረ፡ ጤለበጊዕካ ኣየቘልዓን ድዓውል መጓሴኻ ድማ ኣይበላዕኩን።

39 ኣራዊት ዝሓዛ ኸኣ ኣብ ክንድኣ ባዕለይ ተካእኩልካ እምበር፡ ኣየምጻእኩልካን። መዓልቲ እተሰርቀትንን ለይቲ እተሰርቀትንን ድማ ካብ ኢደይ ትደልያ ነበርካ፡

40 ከምዚ እየ ዝነበርኩ፡ ብመዓልቲ ሃሩር ብለይቲውን ኣስሓይታ በልዓኒ፡ ድቃስ ከኣ ካብ ዓይነይ በረረ።

41 እዘን ዕስራ ዓመት ኣብ ቤትካ ነበርኩ። ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት ምእንቲ ኽልቲኤን ኣዋልድካ፡ ሹድሽተ ዓመት ድማ ምእንቲ ኣባጊዕካ ተገዛእኩኻ፡ ዓስበይ ከኣ ዓኣሰርተ ሳዕ ለዋወጥካ።

42 ኣምላኽ ኣቦይ፡ እቲ ይስሃቅ ዚፈርሆ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ምሳይ እንተ ዘይህሉስ፡ ብርግጽ ሕጂ ጥራይ ኢደይ ምሰደድካኒ ኔርካ። እግዚኣብሄር ግና እቲ መከራይን ድኻም ኢደይን ርእዩ፡ ትማሊ ለይቲ ገንሓካ።

43 ላባን ድማ መሊሱ ንያእቆብ በሎ፡ እዘን ኣዋልድ ኣዋልደይ እየን፡ ቈልዑውን ቈለውዔይ እዮም፡ እዘን መጓሴታት ከኣ መጓሴታተይ እየን፡ እዚ እትርእዮ ዘሎኻ ዅሉ ድማ ናተይ እዩ። ሎሚ ኸኣ ነዘን ኣዋልደይ ወይ ነዞም ዝወለዳኦም ደቀን እንታይ እሞ ኽገብር፧

44 ሕጂ ድማ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር ኪኸውንሲ፡ ንዓ ኣነን ንስኻን ኪዳን ንተኣታቶ።

45 ያእቆብ ከኣ እምኒ ወሲዱ ሓወልቲ ኪኸውን ተኸሎ።

46 ያእቆብ ድማ ነሕዋቱ፡ ኣእማን ኣክቡ፡ በሎም። ንሳቶምውን ኣእማን ኣኪቦም ጨርሒ ጨርሑ፡ ኣብኡ ከኣ ኣብቲ ጨርሒ በልዑ።

47 ላባን ድማ ይጋር-ሰሃዱታ ኣውጽኣሉ፡ ያእቆብ ከኣ ጋልዔድ ኣውጽኣሉ።

48 ላባን ድማ፡ ሎሚ እዚ ጨርሒ እዚ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር ይኹን፡ በለ። ስለዚ ስሙ ጋልዔድ ተባህለ።

49 ንሓድሕድና ኻብ ዘይንርእኤ፡ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፋቒ፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ሚጽጳ ድማ ተባህለ።

50 ነዘን ኣዋልደይ እንተ ገፋዕካየን ወይ ኣብ ልዕሊ ኣዋልደይ ካልኦት ኣንስቲ እንተ ኣእቶኻ፡ ምሳና ሰብ የልቦን፡ ርኤ፡ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር እዩ።

51 ላባን ድማ መሊሱ ንያእቆብ በሎ፡ እንሆ እዚ ጨርሒ፡ እንሆ እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ዝተኸልክዎ ሓወልቲ ድማ፡

52 ኣነ ነዚ ጨርሒ እዚ ኸይሐልፈካ፡ ንስኻውን ነዚ ጨርሒ እዝን ነዚ ሓወልቲ እዝን ንኽፍኣት ከይትሐልፈኒ፡ ነዚ ጨርሒ እዚ ምስክር ይኹን፡ እዚ ሓወልቲ እዚውን ምስክር ይኹን።

53 ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ናሆርን፡ ኣምላኽ ኣቦኦም፡ ኣብ መንጎና ይፍረድ። ያእቆብ ድማ በቲ ፍርሃት ኣቦኡ ይስሃቅ መሐለ።

54 ያእቆብ ኣብቲ ኸረን መስዋእቲ ሕሩድ ሰውኤ፡ ነሕዋቱ ኸኣ እንጌራ ኺበልዑ ጸውዖም። እንጌራ በሊዖም ድማ ኣብቲ ኸረን ሐደሩ።

55 ላባን ከኣ ንጽብሒቱ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ነወዳቱን ነዋልዱን ድማ ስዒሙ መረቖም። ላባን ከኣ ከይዱ ናብ ቦታኡ ተመልሰ።