ዘፍጥረት 7

1 እግዚኣብሄር ድማ ንኖህ በሎ፥ ኣብዛ ወለዶ እዚኣ ኣብ ቅድመይ ጸዲቕካ ረኺበካ እየ እሞ፡ ምስ ብዘላ ቤትካ ናብ መርከብ እቶ።

2-4 ድሕሪ ሾብዓተ መዓልቲ ኣነ ኣብ ምድሪ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከዝንም እየ፡ ነቲ ዝገበርክዎ ዅሉ ህያው ድማ ካብ ዝባን ምድሪ ኽድምስሶ እየ እሞ፡ ካብ ኵሉ ንጹህ እንስሳ ሸሾብዓተ ተባዕታይን ኣንስተይትን፡ ካብ ኵሉ ዘይንጹህ እንስሳ ኸኣ ከክልተ፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን፡ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይ ድማ፡ ምእንቲ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘርኢ ኪዀና ብህይወት ኪተርፋ፡ ሸሾብዓተ፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን ምሳኻ ውሰድ።

5 ኖህ ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዅሉ ገበረ።

6 ኖህ ድማ፡ እቲ ማይ ኣይሂ ኣብ ምድሪ ኪኸውን ከሎ፡ ወዲ ሹድሽተ ሚእቲ ዓመት ኰይኑ ነበረ።

7 ኖህን ደቁን ሰበይቱን ኣንስቲ ደቁን ከኣ ምስኡ ብዛዕባ ማይ ኣይሂ ናብ መርከብ ኣተዉ።

8 ካብ ንጹህ እንስሳን ካብ ዘይንጹህ እንስሳን ካብ ኣዕዋፍን ኣብ ምድሪ ለመም ካብ ዚብል ኵሉን፡

9 ከምቲ ኣምላኽ ንኖህ ዝኣዘዞ፡ ከክልተ፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን፡ ናብ ኖህ ናብ መርከብ ኣተዉ።

10 ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ እተን ሾብዓተ መዓልቲ ማይ ኣይሂ ኣብ ምድሪ ዀነ።

11 ኣብ መበል ሹድሽተ ሚእቲ ዓመቱ ንዕድመ ኖህ፡ ኣብታ ኻልአይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾብዓተ መዓልቲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ናይቲ ዓበይቲ መዓሙቝ ዓይኒ ማያት ተቐደ፡ መሳዅቲ ሰማይ ድማ ተኸፍተ።

12 ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከኣ ኣብ ምድሪ ዘነመ።

13 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኖህን ደቂ ኖህ ከኣ፡ ሴምን ካምን ያፌትን፡ ሰበይቲ ኖህን ሰለስቲኤን ኣንስቲ ደቁ ድማ ምስኦም ናብ መርከብ ኣተዉ።

14 ንሳቶምን ኵሉ ኣራዊት በብዓይነቱን ኵሉ እንስሳ በብዓይነቱን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኵሉ ለመምታ በብዓይነቱን ኵለን ኣዕዋፍ በብዓይነተን ኵለን ጨራሩን፡ ክንፊ ዘለዎ ዅሉ ድማ ናብ መርከብ ኣተዉ።

15 ህያው ትንፋስ ካብ ዘለዎ ዅሉ ስጋ ከክልተ ናብ ኖህ ናብ መርከብ ኣተዉ።

16 እቶም ዝኣተዉ ድማ ኸምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ፡ ካብ ኵሉ ስጋ ተባዕታይን ኣንስተይትን ኣተዉ። እግዚኣብሄር ከኣ ብድሕሪኡ ዐጸዎ።

17 ማይ ኣይሂ ድማ ኣርብዓ መዓልቲ ኣብ ምድሪ ዘነመ። እቲ ማይ ከኣ በዝሔ፡ ነታ መርከብ ድማ ኣልዐላ ካብ ምድሪ ኸኣ ንላዕሊ ኽብ በለት።

18 እቲ ማይ ድማ በርትዔ፡ ኣብ ምድሪ ኸኣ ኣዝዩ በዝሔ። እታ መርከብ ድማ ኣብ ልዕሊ ማይ ተጽባህልል ነበረት።

19 እቲ ማይ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣዝዩ እናበርትዔ ኸደ፡ ኣብ ትሕቲ ብዘሎ ሰማይ ዝነበረ ዅሉ ነዋሕቲ ኣኽራን ከኣ ተጐልበበ።

20 እቲ ማይ ዓሰርተው ሓሙሽተ እመት ንላዕሊ ደየበ፡ እቲ ኣኽራን ከኣ ተጐልበበ።

21 ሽዑ ኣብ ምድሪ ዚወሳወስ ስጋ ዘበለ ዅሉ ኣዕዋፍን እንስሳን ኣራዊትን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኵሉ ለመምታን ኵሉ ሰብን ሞተ።

22 ኣብ ንቑጽ ምድሪ ዝነበረ ዅሉ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ትንፋስ ህያው መንፈስ ዝነበሮ ሞተ።

23 ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝነበረ ዅሉ ህያው ጠፍኤ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳን ለመምታን ኣዕዋፍ ሰማይ ካብ ምድሪ ጠፍኡ። ኖህ ጥራይ ምስቶም ምስኡ ኣብ መርከብ ዝነበሩ ተረፈ።

24 እቲ ማይ ድማ ኽሳዕ ሚእትን ሓምሳን መዓልቲ ኣብ ምድሪ በርትዔ።