ዘፍጥረት 23

1 ዕድመ ሳራ ድማ ሚእትን ዕስራን ሾብዓተን ዓመት ኰነ፡ እዚ እዩ ዓመታት ሳራ።

2 ሳራ ኣብ ቂርያት-ኣርባዕ፡ ንሳ ኬብሮን ኣብ ምድሪ ኸነኣን፡ ሞተት። ኣብርሃም ድማ ንሳራ ኺሐዝነላን ኪበኽየላን መጸ።

3 ኣብርሃም ከኣ ኣብ ቅድሚ እታ ምውትቱ ተንስኤ፡ ንደቂ ሔት ድማ፥

4 ኣነ ኣብ ማእከልኩም ጋሻን መጻእተኛን እየ። ነዛ ምውትተይ ካብ ቅድሚ ገጸይ ዝቐብረሉ ርስቲ መቓብር ምሳኻትኩም ሀቡኒ፡ ኢሉ ተዛረቦም።

5 ደቂ ሔት ድማ ንኣብርሃም፥

6 ጐይታይ፡ ስምዓና፡ ንስኻ ኣብ ማእከልና ናይ ኣምላኽ መስፍን ኢኻ። ካብ መቓብርና ሐሪኻ ምውትኻ ቕበር። ካባና ሓደኳ ምውትኻ ንምቕባር መቓብሩ ዚኸልኣካ የልቦን፡ ኢሎም መለሱሉ።

7 ኣብርሃም ከኣ ተንሲኡ ንህዝቢ እታ ሃገር፡ ንደቂ ሔት፡ ሰገደሎም፡

8-9 ንምውተይ ክቐብር ፈቒድኩምለይ እንተ ዄንኩምሲ፡ ስምዑኒ፡ ንዔፍሮን፡ ወዲ ጾሓር፡ እታ ኣብ ደረት ግራቱ ኣብ ማክጴላ ዘላ በዓቱ ኺህበኒ እሞ ንርስቲ መቓብር ኣብ ማእከልኩም ብምሉእ ዋጋ ኺህበኒ ለምኑለይ፡ ኢሉ ተዛረቦም።

10 ዔፍሮን ከኣ ኣብ ማእከል ደቂ ሔት ተቐሚጡ ነበረ። ዔፍሮን፡ እቲ ሔታዊ፡ ድማ ኵሎም እቶም ብኣፍ ደገ ኸተማኡ ዚአቱ ደቂ ሔት እናሰምዑ ንኣብርሃም፡

11 ኣይፋልካን ጐይታይ፡ ስምዓኒ ደኣ፡ እታ ግራት እህበካ፡ እታ ኣብኣ ዘላ በዓቲ ድማ እህበካ፡ ደቂ ህዝበይ እናረኣዩ እህበካ አለኹ፡ ምውትኻ ቕበር፡ ኢሉ መለሰሉ።

12 ኣብርሃም ከኣ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እታ ሃገር ሰገደ።

13 ንዔፍሮን ድማ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር እናሰምዑ፡ እንተ ትሰምዓኒ ዀታ፡ ኣነ ዋጋ እታ ግራት ክህብ፡ ካባይ ውሰድ እሞ ምውትተይ ኣብኣ ክቐብር፡ ኢሉ ተዛረቦ።

14 ዔፍሮን ድማ ንኣብርሃም፡

15 ጐይታይ፡ ስምዓኒ ደኣ፡ ናይ ኣርባዕተ ሚእቲ ሲቃል ብሩር ምድሪ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን እንታይ እያ፧ ምውትኻ ግዳ ቕበር፡ ኢሉ መለሰሉ።

16 ኣብርሃም ድማ ንዔፍሮን ሰሚዑ፡ እቲ ዔፍሮን፡ ደቂ ሔት እናሰምዑ፡ እተዛረቦ ዋጋ፡ ከምቲ ኣብ ነጋድ ዚተሓላለፍ ዝበለ ኣርባዕተ ሚእቲ ሲቃል ብሩር መዘነሉ።

17 በዚ ኸምዚ ኸኣ እታ ኣብ ማክጴላ፡ ኣብ መንጽር መምሬ ዝነበረት ግራት ዔፍሮን፡ እታ ግራትን ኣብኣ ዘላ በዓትን፡ ኣብታ ግራትን ኣብ ዙርያኣ ኣብ ዘሎ ዅሉ ዶባን ዝነበረ ኣእዋምን፡

18 ደቂ ሔት እናረኣዩ ኣብ ቅድሚ እቶም ብደገ ኸተማኡ ዚኣትዉ ዅሎም ገንዘብ ኣብርሃም ኰይኑ ቘመ።

19 ድሕርዚ ድማ ኣብርሃም ንሰበይቱ ሳራ ኣብ በዓቲ ግራት ማክጴላ፡ ኣብ መንጽር መምሬ፡ ንሳ ኸኣ ኬብሮን፡ ኣብ ምድሪ ኸንኣን ቀበራ።

20 እታ ግራትን እታ ኣብኣ ዘላ በዓትን ድማ ካብ ደቂ ሔት ንኣብርሃም ርስቲ መቓብር ኰይና ቘመት።