ዘፍጥረት 25

1 ኣብርሃም ድማ መሊሱ ቄጡራ ዝስማ ሰበይቲ ኣእተወ።

2 ንሳ ኸኣ ንዚምራንን ዮቅሻንን ሜዳንን ሚድያንን ይሽባቅን ሹኣሕን ወለደትሉ።

3 ዮቅሻን ድማ ንሸባን ዴዳንን ወለደ። ደቂ ዴዳን ከኣ ኣሹሪምን ለጡሺምን ለኡሚምን እዮም።

4 ደቂ ሚድያን ድማ ኤፋን ኤፌርን ሓኖክን ኣቢዳዕን ኤልዳዕን እዮም። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ቄጡራ እዮም።

5 ኣብርሃም ድማ ኵሉ ዘለዎ ንይስሃቅ ሀቦ።

6 ነቶም ውሉድ ኣንስቲ ወሰኑ ንኣብርሃም ግና ኣብርሃም ህያባት ሂቡ፡ ገና ብህይወቱ ኸሎ፡ ካብ ወዱ ይስሃቅ ንሸነኽ ምብራቕ ኣቢሉ ናብ ምድሪ ምብራቕ ሰደዶም።

7 ኣብርሃም ዝነበሮ ዘመን ዓመታት ህይወቱ ኸኣ እዚ እዩ፡ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ዓመት።

8 ኣብርሃም ድማ ጽቡቕ እርግና ኣሪጉ ዕድመ ጸጊቡ ትንፋሱ ወጸት ሞተውን፡ ናብ ህዝቡ ኸኣ ተኣከበ።

9 ደቁ ይስሃቅን እስማኤልን ድማ ኣብታ ኣብ ግራት ኤፍሮን ወዲ ጾሓር ሔታዊ፡ ኣብ መንጽር መምሬ ዘላ በዓቲ ማኽጴላ ቐበርዎ።

10 ኣብታ ኣብርሃም ካብ ደቂ ሔት እተሻየጣ ግራት፡ ኣብርሃምን ሰበይቱ ሳራን ኣብኣ ተቐብሩ።

11 ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሞት ኣብርሃም ንወዱ ይስሃቅ ኣምላኽ ባረኾ። ይስሃቅ ከኣ ኣብ ብኤር-ሓላይ-ሮይ ይቕመጥ ነበረ።

12 ውለዶ እስማኤል ወዲ ኣብርሃም፡ ኣጋር፡ እታ ግብጻዊት ግዝእቲ ሳራ፡ ንኣብርሃም ዝወለደትሉ፡ እዚ እዩ፡

13 ስማት ደቂ እስማኤል በብስሞም ኣብ ወወለዶኦም እዚ እዩ፡ በዅሪ ወዲ እስማኤል ነባዮት፡ ድማ ቄዳርን ኣድብኤልን ሚብሳምን፡

14 ሚሽማዕን ዱማን ማሳን፡

15 ሓዳርን ቴማን፡ የጡር፡ ናፊሽ፡ ቄድማ ኸኣ።

16 እዚኣቶም ደቂ እስማኤል እዮም፡ እዚ ድማ እዩ ስሞም በብዓዶም፡ በብሰፈሮም፡ ዓሰርተው ክልተ መሳፍንቲ ነንህዝቦም።

17 ዓመታት ህይወት እስማኤል ድማ ሚእትን ሰላሳን ሾብዓተን ዓመት ኰነ። ትንፋሱ ወጸት እሞ ሞተ፡ ናብ ህዝቡ ኸኣ ተኣከበ።

18 ካብ ሓዊላ ኽሳዕ እታ ኣብ መንጽር ግብጺ ዘሎ ሹር፡ በታ ንኣሶር እተእቱ፡ ሰፊሮም ነበሩ። ኣብ መንጽር ኵሎም ኣሕዋቱ ሰፈረ።

19 ወለዶ ይስሃቅ፡ ወዲ ኣብርሃም፡ ድማ እዚ እዩ፡ ኣብርሃም ንይስሃቅ ወለደ፡

20 ይስሃቅ ድማ ንርብቃ፡ ጓል ቤቱኤል እቲ ሶርያዊ በዓል ጳዳን-ኣራም፡ ሓብቲ ላባን እቲ ሶርያዊ፡ ንሰበይቱ ኼእትዋ ኸሎ፡ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ኰይኑ ነበረ።

21 ይስሃቅ ድማ፡ ሰበይቱ ርብቃ መኻን ነበረት እሞ፡ ምእንትኣ ንእግዚኣብሄር ለመነ። እግዚኣብሄር ከኣ ተለመኖ፡ ሰበይቱ ርብቃ ድማ ጠነሰት።

22 እቶም ቈልዑ ኸኣ ኣብ ማሕጸና ይዳፋፍኡ ነበሩ። ሽዑ ንሳ፡ ከምዚ ኻብ ኰነ ደኣ፡ ንምንታይ እነብር አሎኹ፧ በለት። ንእግዚኣብሄር ክትሓትት ድማ ኸደት።

23 እግዚኣብሄር ከኣ በላ፡ ኣብ ማሕጸንኪ ኽልተ ህዝቢ አለዉ፡ ካብ ከርስኺውን ክልተ ህዝቢ ኺፋላለዩ እዮም። እቲ ሓደ ህዝቢ ኻብቲ ኻልኣይ ህዝቢ ኺብርትዕ እዩ። እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶ ኺግዛእ እዩ።

24 ክትወልድ ኣዋርሓ ምስ በጽሔ ድማ፡ እንሆ፡ ኣብ ማሕጸና ማንታ ነበሩ።

25 እቲ ቕድም ዝወጸ ቐይሕ፡ ኵለንትናኡ ኸኣ ጸጕሪ ማቕ ዚመስል ነበረ። ስሙ ኸኣ ኤሳው ኣውጽኡሉ።

26 ድሕርዚ ድማ ሓዉ ወጸ፡ ኢዱ ኸኣ ኵርዅረ ኤሳው ሒዛ ነበረት፡ ስሙ ድማ ያእቆብ ተባህለ። ንሳ ኽትወልዶም ከላ ኸኣ፡ ይስሃቅ ወዲ ስሳ ዓመት ኰይኑ ነበረ።

27 እቶም ቈልዑ ድማ ዐበዩ። ኤሳው ሃድን ዚፈልጥ ሰብኣይ መሮር ኰነ። ያእቆብ ከኣ ኣብ ድንኳን ዚነብር ህዱእ ሰብኣይ ኰነ።

28 ይስሃቅ፡ ስጋ ሃድን መቂርዎ ነበረ እሞ፡ ንኤሳው ይፈቱ ነበረ። ርብቃ ግና ንያእቆብ ትፈቱ ነበረት።

29 ያእቆብ ጸብሒ ኺሰርሕ ከሎ፡ ኤሳው ደኺሙ ኻብ መሮር አተወ።

30 ሽዑ ኤሳው ንያእቆብ፡ ደኺመ እየ እሞ፡ በጃኻ ካብዚ ቐይሕ ጸብሒ ኣብልዓኒ፡ በሎ። ስለዚ ስሙ ኤዶም ተባህለ።

31 ያእቆብ ከኣ፡ ሎሚ ብዅርናኻ ሽጠለይ፡ በሎ።

32 ኤሳው ድማ፡ እንሆ፡ ኣነ ኽመውት ኢለ አሎኹ፡ እዛ ብዅርናኸ ንምንታይ እያ፧ በለ።

33 ያእቆብ ከኣ፡ ሎሚ ምሓለለይ፡ በለ እሞ መሐለሉ፡ ብዅርናኡውን ንያቆብ ሸጠሉ።

34 ያእቆብ ድማ ንኤሳው እንጌራን ጸብሒ ብርስንን ገይሩ ሀቦ። ንሱ ድማ በሊዑን ሰትዩን ተንስኤ ከደውን። ኤሳው ንብዅርናኡ ኸምዚ ገይሩ ነዐቓ።