ዘፍጥረት 29

1 ያእቆብ ድማ ንመገሻኡ ተልዒሉ ናብ ሃገር ደቂ ምብራቕ ከደ።

2 ጠመተ እሞ እንሆ ኸኣ፡ ዔላ ኣብ መሮር ነበረ፡ ኣብቲ ዔላ ድማ መጓሴታት የስትዩ ነበሩ እሞ፡ እንሆ፡ ኣብኡ ሰለስተ መጓሰ ኣባጊዕ ደቂሰን ነበራ። ኣብ ኣፍ እቲ ዔላ ዝነበረ እምኒ ኸኣ ዓብዪ ነበረ።

3 ንዅለን መጓሴታት ድማ ናብኡ ይእክብወን ነበሩ። ነቲ እምኒ ኻብ ኣፍ እቲ ዔላ ገምጢሎም ከኣ፡ ነተን ኣባጊዕ የስትይወን ነበሩ፡ ነቲ እምኒ ድማ ናብ ኣፍ እቲ ዔላ ኣብ ቦታኡ ይመልስዎ ነበሩ።

4 ያእቆብ ከኣ፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ካበይ ኢኹም፧ በሎም። ካብ ካራን ኢና፡ በልዎ።

5 ንሱ ድማ፡ ንላባን ወዲ ናሆርዶ ትፈልጥዎ ኢኹም፧ በሎም። እወ ንፈልጦ፡ በሉ።

6 ደሓንዶ ኣሎ፧ ከኣ በሎም። ደሓን ኣሎ፡ ራሄል ጓሉ እኳ እንሃ፡ ምስተን ኣባጊዕ ትመጽእ ኣላ፡ በሉ።

7 ንሱ ኸኣ፡ እንሆ፡ መዓልቲ ገና ነዋሕ ኣላ፡ ከብቲ ዚእከባላ ጊዜ ኣይኰነትን። ነዘን ኣባጊዕ ኣስትይወን እሞ ኬድኩም ኣብልዕወን፡ በሎም።

8 ንሳቶም ድማ፡ ኵለን መጓሴታት ከይተኣከባ፡ ነቲ እምኒ ኸኣ ካብ ኣፍ እቲ ዔላ ኸይገልበጥዎ፡ ኣይንኽእልን፡ ሽዑ ነተን ኣባጊዕ ነስትየን በሉ።

9 ራሄል ባዕላ ትጓሲ ነበረት እሞ፡ ንሱ ገና ምሳታቶም ኪዛረብ ከሎ፡ እንሃ፡ ምስ ኣባጊዕ ኣቦኣ መጸት።

10 ኰነ ኸኣ፡ ያእቆብ ንራሄል ጓል ላባን ኣኮኡን ነባጊዕ ኣኮኡ ላባንን ምስ ረአየ፡ ቀሪቡ ነቲ እምኒ ኻብ ኣፍ እቲ ዔላ ገልበጦ፡ ነባጊዕ ኣኮኡ ላባን ድማ ኣስተየን።

11 ያእቆብ ከኣ ንራሄል ሰዐማ፡ ቃሉ ዓው ኣቢሉውን በኸየ።

12 ያእቆብ ድማ ንራሄል፡ ንሱ ዘመድ ኣቦኣ፡ ወዲ ርብቃ፡ ምዃኑ ነገራ። ንሳ ኸኣ ጐይያ ነቦኣ ነገረቶ።

13 ኰነ ኸኣ፡ ላባን ወረ ያእቆብ ወዲ ሓብቱ ምስ ሰምዔ፡ ኪቕበሎ ጐየየ፡ ሐቝፉ ሰዐሞ፡ ናብ ቤቱ ድማ ኣእተዎ። እዚ ነገርዚ ዅሉውን ንላባን ነገሮ።

14 ላባን ከኣ፥ ብሓቂ ንስኻ ዓጽመ ስጋይ ኢኻ፡ በሎ። ወርሒ ዚአክልውን ምስኡ ተቐመጠ።

15 ላባን ድማ ንያእቆብ፡ ሓወይ ክንዲ ዝዀንካዶ ብኸምኡ ኽትግዝኣኒ፧ ዓስብኻ ደኣ እንታይ ምዃኑ ንገረኒ፡ በሎ።

16 ላባን ከኣ ኽልተ ኣዋልድ ነበራኦ፡ ስም እታ ዓባይ ልያ፡ ስም እታ ንእሽቶ ኸኣ ራሄል ነበረ።

17 ኣዒንቲ ልያ ጨምጫማት ነበራ፡ ራሂል ግና መልክዔኛ፡ ትርኢታውን ውቅብቲ ነበረት።

18 ያእቆብ ድማ ንራሄል ፈተዋ እሞ፡ ምእንቲ ራሄል፡ እታ ንእሽቶ ጓልካ፡ ሾብዓተ ዓመት እግዝኣካ፡ በለ።

19 ላባን ከኣ ንኻልእ ሰብኣይ ካብ ዝህባ፡ ንኣኻ ኽህባ ይሐይሽ፡ ምሳይ ተቐመጥ፡ በሎ።

20 ያእቆብ ከኣ ምእንቲ ራሄል ሾብዓተ ዓመት ተገዝኤ፡ ንእኣ ብምፍታው ከኣ ከም ሒዶት መዓልቲ ዀይነን ተራእያኦ።

21 ያእቆብ ከኣ ንላባን፡ መዓልትታተይ በጺሔን እየን እሞ፡ ከእትዋ ሰበይተይ ሀበኒ፡ በሎ።

22 ሽዑ ላባን፡ ንዅሎም ሰብ እታ ቦታ ኣኪቡ ምሳሕ ገበረ።

23 ምሸት ምስ ኰነ ድማ ልያ ጓሉ ወሲዱ፡ ናብኡ ኣእተዋ፡ ንሱ ኸኣ ናብኣ ኣተወ።

24 ላባን ድማ ንልያ ጓሉ፡ ግዝእቲ ኽትኰና፡ ዚልጳ ግዝእቱ ሀባ።

25 ኰነ ድማ፡ ንጽብሒቱ እንሃ፡ ንሳ ልያ ነበረት። ንላባን ከኣ፡ እንታይ እዩ ዝገበርካኒ፧ ምእንቲ ራሄልዶ ኣይኰንኩን እተገዛእኩኻ፧ ስለምንታይ ደኣ ጠበርካኒ፧ በሎ።

26 ላባን ድማ፡ ኣብ ሃገርና ንእሽቶ ቕድሚ እታ በዅሪ ምሃብ፡ ከምኡ ኣይግበርን እዩ።

27 ናይ እዚኣ ሰሙን መልእ እሞ ስለ እቲ ኸም ብሓድሽ ምሳይ ካልእ ሾብዓተ ዓመት እትግዝኦ መግዛእቲ፡ እቲኣ ድማ ንህበካ፡ በለ።

28 ያእቆብ ከኣ ከምኡ ገበረ፡ ናይ እዚኣ ሰሙን መልኤ። ደሓር ራሄል ጓሉ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሀቦ።

29 ላባን ድማ ንራሄል ጓሉ፡ ግዝእቲ ኽትኰና፡ ቢልሃ ግዝእቱ ሀባ።

30 ናብ ራሄል ድማ አተወ፡ ንራሄል ከኣ ሐለፋ ልያ ፈተዋ። መሊሱ ድማ ካልእ ሾብዓተ ዓመት ምስኡ ተገዝኤ።

31 እግዚኣብሄር ከኣ ልያ ኸም እተጸልኤት ርእዩ፡ ማሕጸና ኸፈተላ። ራሄል ግና መኻን ነበረት።

32 ልያ ድማ ጠነሰት ወዲውን ወለደት። እግዚኣብሄር መከራይ ርእዩ እዩ እሞ፡ ሕጅስ ሰብኣየይ ኪፈትወኒ እዩ፡ ኢላ ስሙ ሮቤል ኣውጽኣትሉ።

33 መሊሳ ኸኣ ጠነሰት ወዲውን ወለደት፡ እግዚኣብሄር ከም ዝተጸላእኩ ሰሚዑ እዩ እሞ፡ እዚ ድማ ሀበኒ፡ ኢላ ስሙ ስምኦን ኣውጽኣትሉ።

34 መሊሳ ኸኣ ጠነሰት ወዲውን ወለደት፡ ሰለስተ ወዲ ወሊደሉ እየ እሞ፡ ሕጅስ ሰብኣየይ ኣባይ ኪለግብ እዩ፡ በለት። ስለዚ ስሙ ሌዊ ተባህለ።

35 መሊሳ ኸኣ ጠነሰት ወዲውን ወለደት፡ ሕጂ ንእግዚኣብሄር ኤመስግኖ፡ በለት። ስለዚ ስሙ ይሁዳ ኣውጽኣትሉ። ካብ ምላድ ከኣ ኣቋረጸት።