ዘፍጥረት 30

1 ራሄል ድማ ንያእቆብ ከምዘይወለደትሉ ምስ ረአየት፡ ንሓብታ ቐንኣትላ፡ ንያእቆብ ከኣ፡ ውሉድ ሀበኒ፡ እንተ ዘይኰነስ እመውት አለኹ፡ በለቶ።

2 ሽዑ ዅራ ያእቆብ ኣብ ራሄል ነዲዱ፡ ኣነዶ ኣብ ክንዲ እቲ ፍረ ኸርሲ ዝኸልኣኪ ኣምላኽ እየ፧ በላ።

3 ንሳ ኸኣ፥ እንሃ፡ ቢልሃ ግዝእተይ፡ ንሳ ኣብ ብርከይ ክትወልድ፡ ብእኣ ድማ ኣነ ኽፋረ፡ ናብኣ እቶ፡ በለት።

4 ንቢልሃ ግዝእታ ኸኣ ሰበይቱ ኽትከውን ሀበቶ። ያእቆብ ድማ ኣእተዋ።

5 ቢልሃ ጠነሰት፡ ንይእቆብ ድማ ወዲ ወለደትሉ።

6 ሽዑ ራሄል፡ ኣምላኽ ፍትሒ ኣውጺኡለይ፡ ቃለይ ሰሚዑውን ወዲ ሂቡኒ፡ በለት። ስለዚ ስሙ ዳን ኣውጽኣትሉ።

7 ቢልሃ ግዝእቲ ራሄል ከኣ መሊሳ ጠነሰት፡ ንያእቆብ ካልኣይ ወዲ ወለደትሉ።

8 ሽዑ ራሄል፡ ቅልስ ኣምላኽ ምስ ሓብተይ ተቓሊሰ ሐየልኩ፡ በለት። ስሙ ኸኣ ንፍታሌም ኣውጽኣትሉ።

9 ልያ ኸኣ ካብ ምላድ ከም ዘቛረጸት ምስ ረአየት፡ ዚልጳ ግዝእታ ወሲዳ፡ ንያእቆብ ሰበይቱ ኽትከውን ሀበቶ።

10 ዚልጳ ግዝእቲ ልያ ድማ ንያእቆብ ወዲ ወለደትሉ።

11 ሽዑ ልያ፡ ኣሰይ፡ ኢላ ስሙ ጋድ ኣውጽኣትሉ።

12 ዚልጳ ግዝእቲ ልያ ንያእቆብ ካልኣይ ወዲ ድማ ወለደትሉ።

13 ልያ ኸኣ፡ ርሕስቲ ዀይነ እየ እሞ፡ ኣዋልድ ብራሕሰይ ይውድሳኒ፡ በለት። ስሙ ድማ ኣሴር ኣውጽኣትሉ።

14 ሮቤል ድማ በቲ ስርናይ ዝዐጽደሉ ወርሓት ከይዱ ኣብ መሮር ምልዖ ረኸበ፡ ናብ ኣዲኡ ልያ ኣምጽኦ። ሽዑ ራሄል ንልያ፥ ካብዚ ምልዖ ወድኺ ዀታ ሀብኒ፡ በለታ።

15 ንሳ ኸኣ፡ ሰብኣየይ ዝወሰድክለይዶ ንእሽቶ ነገር እዩ፧ ምልዖ ወደይ እንዶ ድማ ክትወስዲ፧ በለታ። ራሄል ከኣ፡ እሞ ኣብ ክንዲ ምልዖ ወድኺ እዛ ለይቲ እዚኣ ምሳኺ ይደቅስ፡ በለት።

16 ምሸት ያእቆብ ካብ መሮር ኪአቱ ኸሎ ድማ፡ ልያ ኽትቅበሎ ወጺኣ፡ ብምልዖ ወደይ ዐዲገካ እየ እሞ፡ ናባይ ኢኻ እትአቱ፡ በለቶ፡ በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ ምስኣ ደቀሰ።

17 ኣምላኽ ድማ ንልያ ሰምዓ፡ ጠነሰት፡ ንያእቆብ ከኣ ሓምሳይ ወዲ ወለደትሉ።

18 ልያ ድማ፡ ግዝእተይ ንሰብኣየይ ክንዲ ዝሀብኩ፡ ኣምላኽ ዓስበይ ሀበኒ፡ በለት። ስሙ ኸኣ ይሳኮር ኣውጽኣትሉ።

19 ልያ ድማ መሊሳ ጠነሰት፡ ንያእቆብ ከኣ ሳድሳይ ወዲ ወለደትሉ።

20 ልያ ድማ፡ ኣምላኽ ጽቡቕ ህያብ ሂቡኒ፡ ሕጂ ሹድሽተ ወዲ ወሊደሉ እየ እሞ፡ ደጊም ሰብኣየይ ምሳይ ኪነብር እዩ፡ በለት። ስሙ ኸኣ ዛብሎን ኣውጽኣትሉ።

21 ድሕርዚ ድማ ጓል ወለደት፡ ስማ ኸኣ ዲና ኣውጽኣትላ።

22 ኣምላኽ ድማ ንራሄል ዘከራ። ኣምላኽ ሰምዓ እሞ ማሕጸና ኸፈተላ።

23 ንሳ ድማ ጠነሰት ወዲውን ወለደት፥ ኣምላኽ ሕስራነይ ኣርሐቐ፡ ከኣ በለት።

24 እግዚኣብሄር ካልእ ወዲ ድማ ይወስኸኒ፡ ኢላ ኸኣ ስሙ ዮሴፍ ኣውጽኣትሉ።

25 ኰነ ኸኣ፡ ራሄል ንዮሴፍ ምስ ወለደት፡ ያእቆብ ንላባን፥ ናብ ቦታይን ናብ ምድረይን ክኸይድ ኣሳናብተኒ።

26 እተን ብዛዕባኤን እተገዛእኩኻ ኣንስተይን ደቀይን ሀበኒ። እቲ እተገዛእኩኻ መግዛእቲ ባዕልኻ ትፈልጦ ኢኻ እሞ፡ እኺድ ሕደገኒ፡ በሎ።

27 ላባን ድማ፥ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ረኺበስ፡ እግዚኣብሄር ምእንታኻ ኢሉ ኸም ዝባረኸኒ ኣስተውዒለ አሎኹ፡ በሎ።

28 ዓስብኻ ቝጸረለይ እሞ እህበካ፡ ድማ በለ።

29 ንሱ ኸኣ፥ ከመይ ከም ዘገልገልኩኻን ከብትኻውን ምሳይ ከመይ ከም ዝዀናን፡ ባዕልኻ ትፈልጥ ኢኻ።

30 ኣነ ኸይመጻእኩ ሒደት ነበራኻ፡ ሕጂ ግና ኣነ ኣብ ዝኸድክዎ ዅሉ እግዚኣብሄር ባሪኹካ እዩ እሞ፡ ኣዝየን በዝሓ። ሕጂ ኸኣ ንቤተይ ደኣ ምኣዝ ከምህዝ እየ፧ በሎ።

31 ንሱ ድማ፥ እንታይ እሞ ኽህበካ፧ በለ። ያእቆብ ከኣ፥ ገለኳ ኣይትሀበኒ። እዚ ነገርዚ እንተ ትገብረለይ መሊሰ ነባጊዕካ እጓስየን እከናኸነንውን።

32 ሎሚ ብዅለን መጓሴኻ ኽሐልፍ እየ፡ ካብኡ ኸኣ ኵለን ጸነጺትን ዓምቦሬታትን ኵለን ጸለምትን ኣባጊዕ፡ ካብ ኣጣል ድማ ቡረቴታትን ጸነጺትን ዘበላ ኽፈሊ እየ እሞ ዓስበይ ይኹና።

33 ድሕሪ ሎሚ ድማ ብዛዕባ ዓስበይ ምስ እትመጽእ፡ ሽዑ ቕንዕናይ ኣብ ቅድሜኻ ኺምስክረለይ እዩ። ጸነጺትን ቡረቴታትን ዘይኰና ኣጣል፡ ጸለምቲ ዘይኰና ኣባጊዕ ከኣ ኣባይ እንተ ተረኽባ፡ ስሩቓት እየን፡ በለ።

34 ላባን ከኣ፡ ሕራይ፡ ከምቲ ዘረባኻ ይኹን፡ በለ።

35 በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ዑፌታትን ቡረቴታትን ወጣጡ፡ ኵለን ቡረቴታትን ጸነጺትን ኣጣል፡ ገለ ጻዕዳ ዘለወን ኵለን፡ ካብ ኣባጊዕ ድማ ኵለን ጸለምቲ ፈልዩ፡ ኣብ ኢድ ደቁ ሀቦም።

36 ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ያእቆብን ከኣ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ኣርሓሐቐ። ያእቆብ ድማ ነተን ዝተረፋ መጓሰ ላባን ይጓሲ ነበረ።

37 ያእቆብ ከኣ ክርዋሕን ሉዝን ሑዳን ካብ ዚብሀል ኣእዋም ጥሉል ኣባትር ወሲዱ፡ ኣብኡ ቕላጥ ቀሊጡ ነቲ ኣባትር ዕሮርባይ ገበሮ።

38 ነቲ ዕሮርባይ ዝገበሮ ኣባትር ድማ ኣብቲ እተን መጓሴታት መጺኤን ዚሰትያሉ ዛራ ማይ ዘሎ ጋብላታት፡ ኣብ ቅድሚ እተን መጓሰ ገበሮ እሞ፡ ኪሰትያ ምስ መጻ፡ ይትለዋ ነበራ።

39 እተን መጓሰ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣባትር ተተልዋ እሞ እተን መጓሴታት ዑፌታትን ጸነጺትን ዓምቦሬታትን ወለዳ።

40 ሽዑ ያእቆብ ነተን ዕያውቲ ፈልዩ፡ ገጽ እተን መጓሰ ናብተን ዑፌታትን ኵለን ጸለምትን ኣብ መጓሰ ላባን ገበረ፡ ንመጓሴኡ ኸኣ ምስ መጓሰ ላባን ኣይሐወሰንን፡ ንበይነን ደኣ ገበረን።

41 ኰነ ድማ፡ በቲ እተን ጽዓኛታት ኣባጊዕ ዚትለዋሉ ዘበለ ጊዜ ኣብ ጥቓ እቲ ኣባትር ምእንቲ ኺትለዋስ፡ ያእቆብ ነቲ ኣባትር ኣብቲ ጋብላታት ኣብ ቅድሚ እተን መጓሰ የንብሮ ነበረ።

42 እተን መጓሰ ድኹማት ከለዋ ግና ኣየንብሮን ነበረ። በዚ ኸምዚ ኸኣ እተን ድኹማት ንላባን፡ እተን ድዓኛታት ከኣ ንያእቆብ ኰና።

43 እቲ ሰብኣይ እቲ ድማ ኣዝዩ ሀብተመ። ብዙሓት መጓሴታት ገላዉን ኣግራድን ኣግማልን ኣእዱግን ነበሮ።