ዘፍጥረት 13

1 ኣብራም ከኣ፡ ንሱን ሰበይቱን ምስ ዘለዎ ዅሉን፡ ሎጥ ድማ ምስኡ፡ ካብ ግብጺ ናብ ደቡብ ኣቢሉ ደየበ።

2 ኣብራም ከኣ ብኸብትን ብብሩርን ብወርቅን ብዙሕ ሀብቲሙ ነበረ።

3-4 ካብ ደቡብ እናተጓዕዘ ድማ ክሳዕ ቤት-ኤል፡ ናብታ ቕድም ኣብ መንጎ ቤት-ኤልን ዓይን ድንኳኑ ተኺሉላ ዝነበረ ቦታ፡ ናብታ ቕድም መሰውኢ ገይሩላ ዝነበረ ቦታ ኸደ። ኣብኣ ድማ ኣብራም ብስም እግዚኣብሄር ተማህለለ።

5 እቲ ምስ ኣብራም ዝኸደ ሎጥ ድማ ኣባጊዕን ኣብዑርን ድንኳውንትን ነበሮ።

6 እታ ምድሪ ኸኣ ብሓደ ኺነብሩ ኽትጸሮም ኣይከኣለትን። ጥሪቶም ብዙሕ ነበረ እሞ፡ ብሓደ ኺነብሩ ኣይከኣሉን።

7 ኣብ መንጎ ጓሶት ከብቲ ኣብራምን ጓሶት ከብቲ ሎጥን ከኣ ባእሲ ዀነ። በቲ ዘበን እቲ ድማ ከነኣናውያንን ፈረዛውያንን ኣብታ ምድሪ ይቕመጡ ነበሩ።

8 ኣብራም ከኣ ንሎጥ፡ ንሕና ኣሕዋት ኢና እሞ፡ በጃኻ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን፡ ኣብ መንጎ ጓሶተይን ጓሶትካን ከኣ ባእሲ ኣይኹን።

9 ኵላ እዛ ምድሪዶ ኣብ ቅድሜኻ ኣየላን፧ ሕድርኻ፡ ካባይ ተፈለ። ናብ ጸጋም እንተ ኣበልካ፡ ኣነ ድማ ናብ የማን ኤብል፡ ናብ የማን እንተ ኣበልካ ኸኣ፡ ኣነ ድማ ናብ ጸጋም ኤብል፡ በሎ።

10 ሎጥ ከኣ ዓይኑ ቋሕ ኣቢሉ፡ ብዘሎ እቲ ጐልጐል ዮርዳኖስ ኵሉ ማይ መሊእዎ ኸም ዘሎ ረኣየ። እግዚኣብሄር ንሶዶምን ጎሞራን ከየጥፍኤን ከሎ፡ እቲ ንዞዓር እትኣትወሉ ኸም ገነት እግዚኣብሄር፡ ከም ምድሪ ግብጺ ነበረ።

11 ሽዑ ሎጥ ንዅሉ ጐልጐል ዮርዳኖስ ሓረየ። ሎጥ ከኣ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ተጓዕዘ እሞ ንሓድሕዶም ተፋላለዩ።

12 ኣብራም ኣብ ምድሪ ኸነኣን ተቐመጠ። ሎጥ ድማ ኣብተን ኣብቲ ጐልጐል ዘለዋ ኸተማታት ተቐመጠ፡ ድንኳኑ ኸኣ ኽሳዕ ሶዶም ተኸለ።

13 ሰብ ሶዶም ግና ሕሱማት፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ኣዝዮም ሓጥኣን ነበሩ።

14 ሎጥ ካብኡ ምስ ተፈልየ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንኣብራም፡ ዓይንኻ ቋሕ ኣብል እሞ ካብዛ ዘሎኻያ ቦታ ንሰሜንን ንደቡብን ንምብራቕን ንምዕራብን ኣቢልካ ጠምት።

15 እዛ ንስኻ እትርእያ ዘሎኻ ኵላ ምድሪ ንኣኻን ንዘርእኻን ንዘለኣለም ክህበካ እየ።

16 ንዘርእኻ ድማ ከም ሓመድ ምድሪ ኽገብሮ እየ። ሰብ ሓመድ ምድሪ ኪቘጽር ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ ዘርእኻ ከኣ ይቝጸር።

17 ንኣኻ ክህበካ እየ እሞ፡ ተንስእ፡ ነዛ ምድሪ ብምንዋሓን ብምግፋሓን ኪድ፡ በሎ።

18 ኣብራም ድማ ድንኳኑ ኣልዐለ፡ ናብቲ ኣብ ኬብሮን ዘሎ ድዋታት መምሬ መጺኡ ኸኣ ተቐመጠ፡ ኣብኡ ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ።