ዘፍጥረት 18

1 ንሱ ብዳህሪ መዓልቲ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ተቐሚጡ ኸሎ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ድዋታት መምሬ ተገልጸሉ።

2 ኣዒንቱ ኸኣ ቋሕ ኣበለ፡ እንሆ ድማ፡ ሰለስተ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ረኣየ። ምስ ረኣዮም ድማ፡ ካብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ኪቕበሎም ጐየየ፡ ናብ ምድሪ ኸኣ ሰገደ፡

3 በለ ድማ፡ ጐይታይ፡ ኣብ ቅድሜኻ ሞጎስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ በጃኻ፡ ንባርያኻ ኣይትሕለፈኒ።

4 እእጋርኩም ክትሕጸቡ ሒደት ማይ ኰታ ይምጽኣልኩም፡ ኣብ ትሕቲ እዛ ኦም ድማ ዕረፉ።

5 ብባርያኹም ኣቢልኩም ካብ እትሓልፉስ፡ ልብኹም ክትድግፉ፡ ቍራስ እንጌራ ኸምጽኣልኩም ድሕርቲ ትሓልፉ፡ በለ። ከምቲ ዝበልካዮ፡ ከምኡ ግበር፡ ድማ በልዎ።

6 ኣብርሃም ቀልጢፉ ናብ ሳራ ናብ ድንኳን ኣትዩ፡ ቀልጢፍኪ ሰለስተ መስፈር ድኹም ሓርጭ ኣቘምጢዕኪ ቀጫጩ ሰንክቲ፡ በለ።

7 ኣብርሃም ድማ ናብ ኣሓኡ ጐይዩ ልምሉም፡ ጽቡቕ ብተይ ወሲዱ፡ ነቲ ግዝኡ ሀቦ፡ ንሱ ኸኣ ኸዳልዎ ተቓለጠፈ።

8 ርግኦን ጻልጣን እቲ ዘዳለዎ ብተይን ገይሩ ድማ ኣቕረበሎም። ንሱ ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኦም ኣብ ጥቓኦም ደው ኢሉ ነበረ፡ ንሳቶም ከኣ በልዑ።

9 ንሳቶም ድማ፡ ሰበይትኻ ሳራኸ ኣበይ ኣላ፧ በልዎ ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ድንኳን እንሃ፡ በለ።

10 ሽዑ ንሱ፡ ንዓመታ ኸምዚ ቕንያት እዚ ርግጽ ክምለሰካ እየ፡ ሰበይትኻ ሳራ ድማ እንሃ፡ ሽዑ ወዲ ኺህልዋ እዩ፡ በለ። ሳራ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ድንኳን ከላ፡ እዚ ሰምዔት።

11 ሕጂ ድማ ኣብርሃምን ሳራን ዕለቶም ዘብጽሑ ኣሪጎም ነበሩ፡ ንሳራ ድማ እቲ ልምዲ ደቂ ኣንስትዮ ገዲፍዋ ነበረ።

12 ሳራ ኸኣ ብልባ ኸምዚ ኢላ ሰሓቐት፡ ድሕሪ እርግናይዶ ፍትወት ኪልዓለኒ፧ ጐይታይ ድማ ኣሪጉ እዩ።

13 እግዚኣብሄር ከኣ ንኣብርሃም፡ ስለምንታይ ሳራ፡ ኣሪገ ኸሎኹስ፡ ብሓቂ ውሉድ ክወልድ እየ፧ ኢላ ሰሓቐት፧

14 ንእግዚኣብሄርዶ ዚጨንቆ ነገር ኣለዎ፧ ንዓመታ ኸምዚ ቅንያት እዚ ብምዱብ ጊዜ ኽምለሰካ እየ። ሳራ ድማ ወዲ ኺህልዋ እዩ፡ በሎ።

15 ሽዑ ሳራ፡ ሰምቢዳ ነበረት እሞ፡ ኣይሰሓቕኩን፡ ኢላ ኣሉ በለት። ንሱ ግና፡ ኣይፋል፡ ስሒቕኪ እባ ደኣ፡ በላ።

16 እቶም ሰባት ድማ ካብኡ ተንስኡ። ንሶዶም ገጾም ከኣ ቀንዑ፡ ኣብርሃምውን ከፋንዎም ምሳታቶም ከደ።

17 እግዚኣብሄር ድማ፡ እቲ ኣነ ዝገብሮ ኻብ ኣብርሃምዶ ኽሓብኦ እየ፧

18 ኣብርሃምሲ ዓብይን ብርቱዕን ህዝቢ ኪኸውን እዩ፡ ህዝብታት ኲላ ምድሪ ድማ ብእኡ ኺባረኹ እዮም።

19 እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ብዛዕባ ኣብርሃም እተዛረቦ ኼምጽኣሉ፡ ንሱ ድማ ብድሕሩኡውን ንቤቱን ንደቁን መገዲ እግዚኣብሄር ኪሕልዉን፡ ጽድቅን ፍርድን ከኣ ኪገብሩን፡ ምእንቲ ኺእዝዞም፡ ፈለጥክዎ፡ በለ።

20 እግዚኣብሄር ድማ፡ ጭራሕምራሕ ሶዶምን ጎሞራን በዚሑ እዩ እሞ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ኣዝዩ በርቲዑ እዩ፡

21 ስለዚ ኸምቲ ናባይ ዝመጸ ጭራሕምራሕ ፈጺሞም ገይሮምዎ ወይ ዘይገበርዎ እንተ ዀይኖም ክፈልጥ፡ ወሪደ ኽርኢ እየ፡ በለ።

22 እቶም ሰባት ድማ ካብኡ ገጾም መሊሶም ናብ ሶዶም ከዱ። ኣብርሃም ከኣ ገና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ነበረ።

23 ኣብርሃም ድማ ቐሪቡ፡ ነቲ ጻድቕከ ምስቲ ረሲእዶ ኸተጥፍኦ ኢኻ፧

24 ምናልባሽ ኣብታ ኸተማ ሓምሳ ጻድቃን ይርከቡ ይዀኑ እዮም እሞ፡ ተጥፍኦምዶ፧ ምእንቲ እቶም ኣብኣ ዘለዉ ሓምሳ ጻድቃን ኢልካስ ነታ ቦታዶ ኣይትንሕፋን፧

25 ንጻድቕ ምስቲ ረሲእ ምቕታል ከምዚ ዝበለ ነገር ምግባርሲ ኻባካ ይርሓቕ፡ እቲ ጻድቕ ከምቲ ረሲእ ኪኸውንሲ፡ ኻባኻ ይርሓቕ። እቲ ፈራድ ኲላ ምድርስ ፍትሒዶ ኣየውጽእን እዩ፧ በለ።

26 እግዚኣብሄር ከኣ፡ ኣብ ሶዶም፡ ኣብ ማእከል እታ ከተማ ሓምሳ ጻድቃን እንተ ረኸብኩላስ፡ ንብዘላ እታ ቦታ ምእንታኦም ኢለ ኽንሕፋ እየ፡ በለ።

27 ኣብርሃም ድማ መሉሱ፡ እንሆ፡ ኣነ መሬትን ሓመዂስትን ክነሰይ ምስ ጐይታይ ክዛረብ ደፈርኩ፡

28 ምናልባሽ ካብቶም ሓምሳ ጻድቃን ሓሙሽተ ይጐድሉ ይዀኑ፡ ብዛዕባ እቶም ሓሙሽተዶ ንብኸተማኣ ተጥፍኣ፧ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ኣርብዓን ሓሙሽተን እንተ ረኸብኩላስ፡ ኣየጥፍኣን፡ በለ።

29 ከም ብሓድሽ ድማ፡ ምናልባሽ ኣርብዓ ይርከብዋ ይዀኑ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ምእንቲ እቶም ኣርብዓ ኢለ ኣይገብሮን እየ፡ በለ።

30 ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ብምዝራበይ ደኣ ኣይትዀሪ። ምናልባሽ ሰላሳ ይርከብዋ ይዀኑ፡ በለ። ሰላሳ እንተ ረኸብኩላስ፡ ኣይገብሮን እየ፡ በለ።

31 ንሱ ድማ፡ እንሆ፡ ምስ ጐይታይ ክዛረብ ደፈርኩ፡ ምናልባሽ ዕስራስ ግዲ ይርከብዋ ይዀኑ፡ በለ። ምእንቲ እቶም ዕስራ ኣየጥፍኣን እየ፡ በለ።

32 ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ሓንሳእ ጥራይ ክዛረብሲ ኣይትዀሪ ደኣ፡ ምናልባሽ ዓሰርተስ ግዲ ይርከብዋ ይዀኑ፡ በለ። ምእንቲ እቶም ዓሰርተውን ኣየጥፍኣን እየ፡ በለ።

33 እግዚኣብሄር ድማ ምስ ኣብርሃም ተዛሪቡ ምስ ወድኤ፡ ከደ። ኣብርሃምውን ናብ ቦታኡ ተመልሰ።