ዘፍጥረት 40

1 ድሕርዚ ነገርዚ ኸኣ ዀነ፡ ናይ ንጉስ ግብጺ ኣሰላፍ ሜሱን ሰንካት እንጌራኡን ንጐይታኦም ንጉስ ግብጺ በደሉ።

2 ፈርኦን ድማ ብኽልቲኦም መኳንንቱ፡ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ሜስን ሓለቓ ስንከትቲ እንጌራን፡ ተቘጥዔ፡

3 ናብ ቤት ሓለቓ ዘብዔኛታት ኪሕለዉ፡ ናብታ ዮሴፍ ተኣሲሩላ ዝነበረ ቦታ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም።

4 እቲ ሓለቓ ዘብዔኛታት ከኣ ንዮሴፍ ምስኦም ኪኸውን አዘዞ፡ ንሱ ድማ ኣገልገሎም። ኣብኡ ኸኣ ሓያሎ መዓልቲ ተሐለዉ።

5 እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣሰላፍ ሜሱን ሰንካት እንጌራኡን ንንጉስ ግብጺ ኽልቲኦም ብሓንቲ ለይቲ በበይኑ ዝምፍታሑ ሔሕልሞም ሐለሙ።

6 ዮሴፍ ንግሆ ናባታቶም አትዩ፡ እነዉለ ጕህዮም ረአዮም።

7 ሽዑ ነቶም ኣብ ቤት ጐይታኡ ምስኡ ዚሕለዉ ዝነበሩ መኳንንቲ ፈርኦን፥ እንታይ ኴንኩም ኢኹም ሎሚ ገጽኩም ጸሊምኩም ዘሎኹም፧ ኢሉ ሐተቶም።

8 ሕልሚ ሐሊምና እሞ፡ ዚፈትሖ ድማ የልቦን፡ በልዎ። ዮሴፍ ድማ፥ እቲ ምፍታሕ ናይ እግዚኣብሄርዶ ኣይኰነን፧ እስኪ ሕልሙኸ ንገሩኒ፡ በሎም።

9 እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ሜስ ከኣ ሕልሙ ንዮሴፍ፡ እንሆ፡ ብሕልመይ ኣብ ቅድመይ ኦም ወይኒ ርኤኹ።

10 ኣብታ ኦም ወይኒ ድማ ሰለስተ ጨነፍር ነበረ፡ ኪጥጥዕ ከሎ ኸኣ ዐምበበ፡ እቲ ዘለላኡ ድማ ብሱል ዘቢብ ሀበ።

11 ጽዋእ ፈርኦን ድማ ኣብ ኢደይ ነበረት፡ ነቲ ዘቢብ ወሲደ ኸኣ ናብ ጽዋእ ፈርኦን ጸመቝክዎ፡ እታ ጽዋእ ድማ ንፈርኦን ኣብ ኢዱ ሀብክዎ።

12 ዮሴፍ ከኣ በሎ፡ ምፍታሑ እዚ እዩ፡ እቲ ሰለስተ ጨንፈር ሰለስተ መዓልቲ እዩ።

13 ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ፈርኦን ንርእስኻ ኽብ ኬብል፡ ናብ ሽመት ቀደምካውን ኪመልሰካ እዩ። ከምቲ ናይ ቀደም ኣሰላፊኡ ኸሎኻ ዝነበረ ስርዓት ከኣ፡ ጽዋእ ፈርኦን ኣብ ኢዱ ኽትህቦ ኢኻ።

14 ምስ ዚቐንዓካ ድማ ዘክረኒ፡ በጃኻ፡ ምሕረት ግበረለይ፡ ንፈርኦን ከኣ ንገረለይ እሞ ካብዛ ቤት እዚኣ ኣውጽኣኒ።

15 ኣነ ኻብ ምድሪ እብራውያን ብስርቂ እተጨዌኹ እየ እሞ፡ ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ ዜእቱ ድማ ገለኳ ኣይገበርኩን።

16 እቲ ሓለቓ ሰንከትቲ እንጌራ ኸኣ ጽቡቕ ከም ዝፈትሔ ምስ ረኣየ፡ ንዮሴፍ፡ ኣነ ድማ ብሕልመይ እንሆ፡ ሰለስተ መሶብ ጻዕዳ እንጌራ ኣብ ርእሰይ ነበረ።

17 ኣብቲ ላዕላይ መሶብ ከኣ ካብ ኵሉ ዓይነት ብልዒ ፈርኦን ግቡር እንጌራ ነበረ። ካብቲ ኣብ ርእሰይ ዘሎ መሶብ ድማ ኣዕዋፍ ካብኡ ይበልዓ ነበራ፡ በሎ።

18 ዮሴፍ ከኣ፡ ምፍታሑ እዚ እዩ፡ እቲ ሰለስተ መሶብ ሰለስተ መዓልቲ እዩ፡

19 ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ፈርኦን ርእስኻ ካባኻ ኪወስድ፡ ኣብ ዕጨይቲ ድማ ኪሰቕለካ እዩ። ስጋኻ ኸኣ ካባኻ ኣዕዋፍ ኪበልዓኦ እየን፡ ኢሉ መለሰ።

20 ኰነ ድማ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ፡ ንፈርኦን መዓልቲ ልደቱ ነበረ እሞ፡ ንዅሎም ገለዉኡ ምሳሕ ገበረሎም። ሽዑ ንርእሲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ሜስን ርእሲ ሓለቓ ሰንከትቲ እንጌራን ኣብ ማእከል ገላውኡ ኽብ ኣበለ።

21 ነቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ሜስ ናብ ኣሰላፍነቱ መለሶ፡ ንሱ ድማ እቲ ጽዋእ ኣብ ኢድ ፈርኦን ሀበ።

22 ነቲ ሓለቓ ሰንከትቲ እንጌራ ግና፡ ከምቲ ዮሴፍ ዝፈትሓሎም፡ ሰቐሎ።

23 እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ሜስ ግና ንዮሴፍ ረስዖ እምበር፡ ኣይዘከሮን።