ዘፍጥረት 17

1 ኣብራም ወዲ ተስዓን ትሽዓተን ዓመት ምስ ኰነ፡ እግዚኣብሄር ተራእዮ፡ ኣነ እቲ ዂሉ ዚኽእል ኣምላኽ እየ፡ ኣብ ቅድመይ ተማላለስ፡ ፍጹም ከኣ ኹን።

2 ኪዳነይ ኣብ መንጎይን መንጎኻን ከቕውም እየ፡ ኣዝየውን ከብዝሓካ እየ፡ ድማ በሎ።

3 ኣብራም ከኣ ብገጹ ተደፍኤ፡ ኣምላኽ ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥

4 እንሆ፡ ኣነስ ኪዳነይ ምሳኻ እዩ፡ ንስኻ ኣቦ ብዙሓት ህዝብታት ክትከውን ኢኻ።

5 ኣቦ ብዙሓት ህዝብታት ገይረካ እየ እሞ፡ ኣብርሃም ደኣ እምበር፡ ደጊም ስምካ ኣብራም ኣይጸዋዕ።

6 ኣዝየ ኸፍርየካ እየ፡ ህዝብታት ከም እትኸውን ድማ ክገብረካ እየ፡ ነገስታትውን ካባኻ ኪወጹ እዮም።

7 ኣነ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርእኻን፡ ብድሕሬኻ ድማ ኣብ ወለዶኦም ኪዳነይ ከቕውም እየ። ኣነ ንኣኻን ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ኣምላኽ ከም ዝዀንኩ፡ እዚ ናይ ዘለኣለም ኪዳን እዩ።

8 እዛ ምድሪ ስደትካ፡ ኲላ ምድሪ ኸነኣን፡ ንኣኻን ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ንርስቲ ዘለኣለም ክህብ እየ፡ ኣምላኾም ከኣ ክኸውን እየ።

9 ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም በሎ፡ ንስኻ ኸኣ ኪዳነይ ክትሕሉ ኢኻ፡ ንስኻን ብድሕሬኻውን ዘርእኻ ኣብ ወለዶኦም ትሕልዉ።

10 እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን፡ ብድሕሬኻ ድማ ኣብ ዘርእኻ ዘሎ እሞ ንስኻትኩም እትሕልዉዎ ኺዳን እዚ እዩ፡ ኣባኻትኩም ተባዕታይ ዘበለ ዂሉ ይገዘር።

11 ስጋ ዕልቦኹም ግዘሩ፡ እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን መንጎኹምን ዘሎ ኺዳን ምልክት ኪኸውን እዩ።

12 ኣባኻትኩም ወዲ ሾሞንተ መዓልቲ ተባዕታይ ዘበለ ዂሉ፡ ኣብ ወለዶኹም፡ ኣብ ቤት እተወልደን ካብ ማንም፡ ካብ ዘርእኻ ዘይኰነ ወዲ ጓና ብገንዘብ እተዓደገን ይገዘር።

13 ኣብ ቤትካ እተወልደን ብገንዘብካ እተዓደገን ብግዲ ይገዘር። ኪዳነይ ኣብ ስጋኹም ኪዳን ዘለኣለም ኪኸውን እዩ።

14 ዘይተገዝረ ተባዕታይ፡ ስጋ ዕልቦኡ ዘይተገዝረ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኺዳነይ ኣፍሪሳ እያ እሞ፡ ካብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ።

15 ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም፡ ንሰበይትኻ ሳራይ ድማ ሳራ ደኣ እዩ እምበር፡ ስማ ሳራይ ኢልካ ኣይትጸውዓያ።

16 ክባርኻ እየ፡ ህዝብታት ከኣ ክትከውን እያ፡ ነገስታት ህዝብታት እኳ ደኣ ኻብኣ ኪዀኑ እዮም፡ በሎ።

17 ሽዑ ኣብርሃም ብገጹ ተደፍኤ፡ ስሒቑ ድማ ብልቡ፡ ንወዲ ሚእቲ ዓመትዶ ወዲ ይውለደሉ፧ ሳራ፡ ጓል ተስዓ ዓመትከ ትወልድዶ፧ በለ።

18 ኣብርሃም ድማ ንኣምላኽ፡ እስማኤል ግዳ ኣብ ቅድሜኻ እንተ ዚነብር፡ በሎ።

19 ኣምላኽ ከኣ በለ፥ ኣይፋልን፡ ሰበይትኻ ሳራ ደኣ ወዲ ኽትወልደልካ እያ፡ ስሙ ድማ ይስሃቅ ከተውጽኣሉ ኢኻ። ኪዳነይ ከኣ ምስኡን ብድሕሪኡውን ምስ ዝርኡን ኪዳን ዘለኣለም ከቕውም እየ።

20 ብዛዕባ እስማኤል ድማ ጸሎትካ ሰሚዔ አሎኹ። እንሆ፡ ባሪኸዮ አሎኹ፡ ከፍርዮን ኣዝየ ኸኣ ከብዝሖን እየ። ዓሰርተው ክልተ ሹም ኪወልድ እዩ፡ ዓብዪ ህዝቢ ድማ ኽገብሮ እየ።

21 ግናኸ ምስቲ፡ ሳራ ንዓመታ ኸምዛ ጊዜ እዚኣ እትወልደልካ ይስሃቅ ኪዳነይ ከቕውም እየ።

22 ምስኡ ምዝራብ ምስ ወድኤ ኸኣ፡ ኣምላኽ ካብ ኣብርሃም ናብ ላዕሊ ደየበ።

23 ኣብርሃም ድማ ንወዱ እስማኤልን ነቶም ኣብ ቤቱ እተወልዱ ዂሎምን ብገንዘቡ እተዓደጉ ዂሎምን፡ ካብ ቤተሰብ ኣብርሃም ተባዕታይ ዘበለ ዂሉ ወሲዱ፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎ በታ መዓልቲ እቲኣ ዕልቦ ስጋኦም ገዘረ።

24 ኣብርሃም ስጋ ዕልቦኡ ኺግዘር ከሎ፡ ወዲ ተስዓን ትሽዓተን ዓመት ኰይኑ ነበረ።

25 ወዱ እስማኤል ድማ ስጋ ዕልቦኡ ኺግዘር ከሎ፡ ወዲ ዓሰርተው ሰለስተ ዓመት ኰይኑ ነበረ።

26 በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብርሃምን እስማኤል ወዱን ተገዝሩ።

27 ኣብ ቤቱ እተወልዱ ዂሎም ቤተሰቡን ካብ ደቂ ጓና ብገንዘብ እተዓደጉን ምስኡ ተገዝሩ።