ዘፍጥረት 41

1 ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ኽልተ ዓመት ፈርኦን ሐለመ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ገምገም ርባ ደው ኢሉ ነበረ።

2 እንሆ ድማ፡ ሾብዓተ ንምርኣየን ጽቡቓት፡ ስጋኤን ከኣ ስቡሓት ኣሓ ኻብቲ ርባ ወጺኤን ኣብቲ ሰልሰላ ኺበልዓ ረኣየ።

3 ደድሕሪኤን ድማ እንሆ፡ ካልኦት ሾብዓተ ንምርኣየን ክፉኣት፡ስጋኤን ከኣ ዓባሩ ኣሓ ኻብቲ ርባ ወጺኤን ኣብ ጥቓ እተን ቀዳሞት ኣብ ገምገም ርባ ደው በላ።

4 እተን ንምርኣየን ክፉኣት፡ ስጋኤን ከኣ ዓባሩ ኣሓ ነተን ሾብዓተ ንምርኣየን ጽቡቓትን ስቡሓትን ኣሓ ወሐጥኤን። ፈርኦን ድማ ተበራበረ።

5 ደቀሰ እሞ ካልኣይ ሳዕውን ሐለመ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ሓንቲ ብርዒ ሾብዓተ ፍሩያትን ጽቡቓትን ሰዊት ወጻ።

6 ድሕሪኤን ከኣ እንሆ፡ ሾብዓተ ቐጠንቲ ብንፋስ ምብራቕ ዝሀጐጓ ሰዊት ወጻ።

7 እተን ቀጠንቲ ሰዊት ድማ ነተን ሾብዓተ ፍሩያትን ምሉኣትን ሰዊት ወሓጥኤን። ፈርኦን ከኣ ተበራበረ፡ እንሆ ድማ፡ ሕልሚ ነበረ።

8 ኰነ ድማ፡ ምስ ወግሔ፡ መንፈሱ ኣዕሎበጠ፡ ሽዑ ልኢኹ ንዅሎም ጠቢባን ግብጽን ንዅሎም ፈላጣትን ጸውዖም። ፈርኦን ከኣ ሕልሙ ነገሮም። ንፈርኦን ዚፈትሓሉ ግና ኣይነበረን።

9 ሽዑ እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ሜስ ንፈርኦን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ኣነ ሎሚ ሓጢኣተይ ዘከርኩ።

10 ፈርኦን ብገላውኡ ተቘጥዔ፡ ንኣይን ንሓለቓ ሰንከትቲ እንጌራን ከኣ ናብ ቤት ሓለቓ ዘብዔኛታት ኣእተወና።

11 ኣነን ንሱን ብሓንቲ ለይቲ ሕልሚ ሐለምና፡ በበይኑ ዝምፍታሑ ሕልሚ ሐለምና።

12 ኣብኡ ድማ እብራዊ ጐበዝ፡ ባርያ ሓለቓ ዘብዔኛታት፡ ምሳና ነበረ። ንእኡ ነገርናዮ፡ ንሱ ኸኣ ሕልምታትና ፈትሓልና፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ሕልሙ ፈትሖ።

13 ኰነ ድማ፡ ከምቲ ዝፈትሓልና ከምኡ ዀነ። ንኣይ ናብ ኣሰላፍነተይ መለሰኒ፡ ነቲ ኸኣ ሰቐሎ።

14 ሽዑ ፈርኦን ልኢኹ ንዮሴፍ ጸውዖ። ቀልጢፎም ድማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጽእዎ። ንሱ ኸኣ ተላጽዩ ኽዳኑ ለዊጡ ኣብ ፈርኦን ኣተወ።

15 ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ፡ ሕልሚ ሐሊመ፡ ዚፈትሖ ድማ የልቦን። ኣነ፡ ሕልሚ ምስ ሰማዕካ ኸም እትፈትሖ፡ ብዛዕባኻ ኺዛረቡ ሰሚዔ፡ በሎ።

16 ዮሴፍ ድማ ንፈርኦን፡ እዚ ካባይ ኣይኰነን፡ ኣምላኽ ደኣ ንፈርኦን ነገር ሰላም ኪመልሰሉ እዩ፡ ኢሉ መለሰ።

17 ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ ተዛረቦ፡ እንሆ፡ ኣነ ብሕልመይ ኣብ ገምገም ርባ ደው ኢለ ነበርኩ።

18 እንሆ ኸኣ፡ ሾብዓተ ስቡሓትንመልክዔን ከኣ ጽቡቓትን ኣሓ፡ ካብቲ ርባ ደይበን፡ ኣብ ሰልሰላ ይበልዓ ነበራ።

19 እንሆ ድማ፡ ደድሕሪኤን ካልኦት ሾብዓተ፡ ከማታተን ዝምኽፋኤን ኣብ ኵላ ሃገር ግብጺ እኳ ዘይርኤኹ፡ ዝማሰናን ትርኢተን ኣዝየን ክፉኣትን ዓባሩን ኣሓ ወጻ።

20 እተን ዓባሩን ክፉኣትን ኣሓ ድማ ነተን ሾብዓተ ቐዳሞት ስቡሓት ኣሓ ወሓጥኤን፡

21 ኣብ ከብደን ድማ አተዋ። ኣብ ከብደን ከም ዝኣተዋ ኸኣ ኣይተፈልጠን፡ ትርኢተን ከም ቀደመን ክፉኣት ነበራ። ተበራበርኩ ድማ።

22 ብሕልመይ ከኣ እንሆ፡ ሾብዓተ ፍሩያትን ጽቡቓትን ሰዊት ኣብ ሓንቲ ብርዒ ኺወጻ ርኤኹ።

23 ድሕሪኤን ድማ እንሆ፡ ዓሸልን ቀጠንትን ብንፋስ ምብራቕ ዝሀጐጓ ሾብዓተ ሰዊት ወጻ።

24 እተን ቀጠንቲ ሰዊት ድማ ነተን ሾብዓተ ጽቡቓት ሰዊት ወሐጥኤን። እዚ ነቶም ጠቢባን ነገርክዎም፡ ዚፈትሓለይ ከኣ ኣይነበረን።

25 ዮሴፍ ድማ ንፈርኦን በሎ፡ ሕልሚ ፈርኦን ሓደ እዩ። ኣምላኽ ኪገብሮ ዘለዎ ንፈርኦን ኣግሀደሉ።

26 እተን ሾብዓተ ጽቡቓት ኣሓ ሾብዓተ ዓመት እየን፡ እተን ሾብዓተ ጽቡቓት ሰዊት ድማ ሾብዓተ ዓመት እየን። ሕልሙ ሓደ እዩ።

27 እተን ደድሕሪኤን ዝወጻ ሾብዓተ ሰዊት ድማ ሾብዓተ ዓባሩን ክፉኣትን ኣሓ ኸኣ ሾብዓተ ዓመት እየን። እተን ዓሸል ብንፋስ ምብራቕ ዝሀጐጋ ሾብዓተ ሰዊት ድማ ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ኪዀና እየን።

28 እቲ ንፈርኦን ዝነገርክዎ እዚ እዩ፡ ኣምላኽ እቲ ኺገብሮ ዘለዎ ንፈርኦን ኣርኣዮ።

29 እንሆ፡ ኣብ ብዘላ ሃገር ግብጺ ብዙሕ ጽጋብ ዝዀነለን ሾብዓተ ዓመት ኪመጻ እየን።

30 ብድሕሪኤን ከኣ ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ኪመጻ እየን። ብእኤን እቲ ዅሉ ጽጋብ ኣብ ሃገር ግብጺ ኺርሳዕ እዩ። እቲ ጥሜት ከኣ ነታ ሃገር ኪውድኣ እዩ።

31 ንሱ ኣዝዩ ኺብርትዕ እዩ እሞ፡ ካብቲ ድሕሪት ዚኸውን ጥሜት እተላዕለ እቲ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ጽጋብ ኣይፍለጥን።

32 እቲ ፈርኦን ካልኣይ ሳዕ ደጊሙ ምሕላሙ እቲ ነገር ካብ ኣምላኽ ስለ እተቘርጸ እዩ፡ ኣምላኽ ከኣ ቀልጢፉ ኺገብሮ እዩ።

33 ሕጂ ድማ ፈርኦን ኣስተውዓልን ፈላጥን ሰብኣይ ይድለ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ግብጺ ይሽሞ።

34 ፈርኦን ድማ በዘን ሾብዓተ ዓመት ጽጋብ ካብ ፍርያት ምድሪ ግብጺ ሓምሳይ ኣፍ ዜውጽኡ ኣዘዝቲ ኣብ ሃገር ይሽም።

35 ናይዘን ዝመጻ ዘለዋ ዓመታት ጽጋብ ዚብላዕ ዝዀነ ዅሉ ይአክቡ። እቲ እኽሊ ድማ ንቐለብ ኪኸውን ኣብ ትሕቲ ኢድ ፈርኦን ኣብ ከተማታት ይደለብ፡ ይሐልውዎ ኸኣ።

36 እቲ እኽሊ ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ዚመጻ ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ነታ ሃገር ኪኸውን ይተዐቘር፡ እታ ሃገር ከኣ ብጥሜት ኣይትጠፍእን።

37 እዚ ነገርዚ ድማ ኣብ ቅድሚ ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ዅሎም ገላውኡን ጽቡቕ ኰነ።

38 ፈርኦን ከኣ ንገላውኡ፡ ከምዚ ዝበለ መንፈስ ኣምላኽ ዘለዎ ሰብኣይ ዶኾን ንረክብ፧ በሎም።

39 ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ፡ ኣምላኽ እዚ ኹሉ ንኣኻ ኻብ ኣፍለጠካ፡ ከማኻ ዝበለ ኣስተውዓልን ፈላጥን የልቦን።

40 ንስኻ ኣብ ልዕሊ ቤተይ ኩን፡ ኵሉ ህዝበይ ንቓልካ ይተኣዘዝ፡ ኣነ ብዝፋነይ ጥራይ እየ ኻባኻ ዝዐቢ፡ በሎ።

41 ፈርኦን ከኣ ንዮሴፍ፡ ርኤ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ ሃገር ግብጺ ሸይመካ ኣሎኹ፡ በሎ።

42 ፈርኦን ድማ ቀለቤቱ ኻብ ኢዱ ኣውጺኡ ናብ ኢድ ዮሴፍ ገበረሉ፡ ሻሽውን ከደኖ፡ ኣብ ክሳዱ ኸኣ ድሪ ወርቂ ገበረሉ።

43 ናብ ካልአይቲ ሰረገላኡ ድማ ኣወጥሖ፡ ቀቅድሚኡ ኸኣ፡ ስገድ፡ ኢሎም ጨደሩ። ኣብ ልዕሊ ዅላ ሃገር ግብጺውን ሾሞ።

44 ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ፡ ኣነ ፈርኦን እየ፡ ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ብዘይ ፍቓድካ ኢዱ ወይስ እግሩ ኣየልዕል፡ በሎ።

45 ፈርኦን ከኣ ንዮሴፍ ስሙ ጻፍናት-ጳዕናሕ ኣውጽኣሉ። ኣሰናት፡ ጓል ጶጢፌራዕ ካህን ኦን፡ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሀቦ። ዮሴፍ ከኣ ናብ ምድሪ ግብጺ ወጸ።

46 ዮሴፍ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ደው ኪብል ከሎ፡ ወዲ ሰላሳ ዓመት ነበረ። ዮሴፍ ካብ ቅድሚ ፈርኦን ወጺኡ ናብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ዞረ።

47 እታ ምድሪ ድማ በተን ሾብዓተ ዓመት ጽጋብ ብዙሕ ሓፍሻ ሀበት።

48 ኣብ ምድሪ ግብጺ ዝነበረ ዅሉ ናይተን ሾብዓተ ዓመት እኽሊ ድማ አከበ፡ ነቲ እኽሊ ኸኣ ኣብ ከተማታት ደለቦ። እኽሊ እቲ ኣብ ዙርያ ኸተማታት ዝነበረ ግራሁ ድማ ነናብ ማእከል ከታማኡ አከበ።

49 ዮሴፍ ከኣ፡ እቲ እኽሊ ቝጽሪ ዜብሉ ነበረ እሞ፡ ምቝጻር ክሳዕ ዚሐድጎ፡ ከም ሑጻ ባሕሪ ኣዝዩ ብዙሕ አከበ።

50 ገና ዓመት ጥሜት ከይመጸት ከላ፡ ኣሰናት፡ ጓል ጶጢፌራዕ ካህን ኦን፡ ዝወለደትሉ፡ ንዮሴፍ ክልተ ወዲ ተወልዱሉ።

51 ዮሴፍ ድማ፡ ኣምላኽ ኵሉ መከራይን ኵሉ ቤት ኣቦይን ኣረሲዑኒ እዩ እሞ፡ ኢሉ ስም እቲ በዅሪ ምናሴ ኣውጽኣሉ።

52 ነቲ ኻልኣይ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ መከራይ ኣፍርዩኒ፡ ኢሉ ስሙ ኤፍሬም ኣውጽኣሉ።

53 እተን ኣብ ምድሪ ግብጺ ዝነበራ ሾብዓተ ዓመት ጽጋብ ከኣ ሐለፋ።

54 ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ድማ፡ እተን ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ኪአትዋ ጀመራ። ኣብ ኵለን ሃገራት ከኣ ጥሜት ኰነ። ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ግና እንጌራ ነበረ።

55 ኵላ ሃገር ግብጺ ምስ ጠመየት ድማ፡ እቲ ህዝቢ ብዛዕባ እንጌራ ናብ ፈርኦን ጠርዔ። ፈርኦን ድማ ንኹሎም ግብጻውያን፡ ናብ ዮሴፍ ኪዱ እሞ ንሱ ዚብለኩም ግበሩ፡ በሎም።

56 ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ድማ ጥሜት ኰነ። ዮሴፍ ከኣ ኵሉ ሪቕ ከፊቱ፡ ንግብጻውያን እኽሊ ሸጠሎም። እቲ ጥሜት ድማ ኣብ ሃገር ግብጺ እናበርትዔ ኸደ።

57 እቲ ጥሜት ኣብ ኵላ ምድሪ እናበርትዔ ኸደ እሞ፡ ካብ ኵለን ሃገራት እኽሊ ኪሽምቱ፡ ናብ ዮሴፍ ናብ ግብጺ ይመጹ ነበሩ።