ዘፍጥረት 39

1 ንዮሴፍ ከኣ ናብ ግብጺ ኣውረድዎ። ጶጢፋር፡ በዓል መዋእል ፈርኦን፡ ሓለቓ ዘብዔኛታት ዝነበረ ግብጻዊ ሰብኣይ ድማ ካብ ኢድ እቶም ናብኡ ዘውረድዎ እስማኤላውያን ተሻየጦ።

2 እግዚኣብሄር ምስ ዮሴፍ ነበረ እሞ፡ ንሱ ዕዮኡ ዝቐንዓሉ ሰብኣይ ኰነ። ኣብ ቤት እቲ ግብጻዊ ጐይታኡ ድማ ነበረ።

3 ጐይታኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ምስኡ ኸም ዘሎን ንሱ ዝገበሮ ዅሉ ድማ እግዚኣብሄር ኣብ ኢዱ ኸም ዜቕንዓሉን ረኣየ።

4 ዮሴፍ ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ሞገስ ረኸበ፡ የገልግሎውን ነበረ። ኣዛዝ ቤቱ ገበሮ፡ ዘለዎ ዅሉ ኸኣ ኣብ ኢዱ ሀቦ።

5 ኰነ ኸኣ፡ ኣብ ቤቱን ኣብ ኵሉ ጥሪቱን ካብ ዝሾሞ ጊዜ ጀሚሩ፡ እግዚኣብሄር ምእንቲ ዮሴፍ ኢሉ ንቤት እቲ ግብጻዊ ባረኻ። ኣብ ቤትን ኣብ መሮርን ኣብ ዝነበረ ዅሉ ጥሪቱ በረኸት እግዚኣብሄር ነበረ።

6 ዘለዎ ዅሉ ኣብ ኢድ ዮሴፍ ኣሕሊፉ ሀቦ። ዘለዎ ዘበለ ድማ፡ ብዘይ እታ ዝበልዓ እንጌራ ገለኳ ኣይፈለጠን። ዮሴፍ ከኣ መልክዔኛ፡ ትርኢቱ ድማ ጽቡቕ ነበረ።

7 ድሕርዚ ነገርዚ ኸኣ ዀነ፡ ንዮሴፍ ሰበይቲ ጐይታኡ ዓይና ኣውደቐትሉ እሞ፡ ምሳይ ደቅስ፡ በለቶ።

8 ንሱ ድማ እናአበየ፡ ንሰበይቲ ጐይታኡ፡ እንሆ፡ ጐይታይ ኣብ ቤቱ ምሳይ እንታይ ከም ዘሎ ኣይፈልጥን እዩ፡ ዘለዎ ዅሉ ድማ ኣብ ኢደይ ሂቡኒ እዩ፡

9 ኣብዛ ቤት እዚኣ ኻባይ ዚስልጥን የልቦን፡ ሰበይቱ ኢኺ እሞ፡ ብጀካኽስ ገለኳ ኣይከልኣንን። ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧ በላ።

10 ኰነ ድማ፡ መዓልቲ ንመዓልቲ ንዮሴፍ እናተዛረበቶ ኽንሳ፡ ንሱ ምስኣ ኺድቅስ ወይስ ምስኣ ኽነብር ኣይሰምዓን።

11 ኰነ ኸኣ፡ ሓንቲ መዓልቲ ዕዮኡ ኺገብር ናብ ቤት አተወ፡ ኣብኣ ኣብታ ቤት ድማ ካብ ሰብ ቤት ገለ ሰብ ኣይነበረን።

12 ብኽዳኑ ቀጥ ኣቢላ ሒዛ ድማ፡ ምሳይ ደቅስ፡ በለቶ። ንሱ ግና ክዳኑ ኣብ ኢዳ ሐደገላ፡ ሀዲሙ ኸኣ ንግዳም ወጸ።

13 ንሳ ድማ ክዳኑ ኣብ ኢዳ ኸም ዝሐደገን ንግዳም ከኣ ከም ዝሀደመን ምስ ረኣየት፡

14 ንስድራ ቤታ ጸዊዓ፡ ርአዩ፡ ኪሰሓቐልናስ እብራዊ ሰብኣይ ኣእትዩልና፡ ንሱ ምሳይ ኪድቅስ ናባይ ኣተወ፡ ኣነ ኸኣ ዓው ኢለ ኣእዌኹ።

15 ኰነ ድማ፡ ቃለይ ዓው ኣቢለ ኸም ዘእዌኹ ምስ ስምዔ፡ ክዳኑ ሐዲጉለይ፡ ሀዲሙ ንግዳም ወጸ፡ ኢላ ተዛረበቶም።

16 ነቲ ኽዳኑ ድማ፡ ጐይታኡ ናብ ቤቱ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ምስኣ ኣንበረቶ።

17 ከምዚ ኢላ ኸኣ እዚ ነገርዚ ነገረቶ፡ እቲ ዘምጻእካልና እብራዊ ባርያ ኺሰሓቐለይ ናባይ አተወ።

18 ኰነ ድማ፡ ቃለይ ዓው ኣቢለ ምስ ኣእዌኹ፡ ክዳኑ ሐዲጉለይ ንግዳም ሀደመ።

19 ኰነ ኸኣ፡ ጐይታኡ እታ ሰበይቱ ባርያኻ ኸምዚ ነገርዚ ገበረኒ፡ ኢላ ዝነገረቶ ዘረባ ሰምዔ፡ ኵራኡ ነደደ።

20 ጐይታ ዮሴፍ ድማ ወሲዱ ናብታ ቤት ማእሰርቲ፡ እቶም እሱራት ንጉስ ዚእሰሩላ ቦታ፡ ኣእተዎ። ኣብኣ ኸኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነበረ።

21 እግዚኣብሄር ግና ምስ ዮሴፍ ነበረ፡ ምሕረት ድማ ገበረሉ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ሞገስ ሀቦ።

22 እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዝነበሩ ዅሎም እሱራት ኣብ ኢድ ዮሴፍ ኣሕሊፉ ሀቦ። ኣብኡ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ፡ ገባሪኡ ንሱ ነበረ።

23 እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ በቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ብገለኳ ኣይሐልን ነበረ። ዝገበሮ ዅሉ ድማ እግዚኣብሄር የቕንዓሉ ነበረ።