ዘፍጥረት 34

1 እታ፡ ልያ ንያእቆብ ዝወለደትሉ ዲና ጓላ ኸኣ፡ ነዋልድ እታ ሃገር ክትርኢ ወጸት።

2 ሴኬም ወዲ ሓሞር፡ እቲ ሓዋዊ ጐይታ እታ ሃገር ድማ ረኣያ፡ ወሲድዋ ኸኣ ምስኣ ደቀሰ፡ ኣነወራውን።

3 ነፍሱ ድማ ምስ ዲና ጓል ያእቆብ ተጣበቐት፡ ነታ ጓል ፈተዋ፡ ነታ ጓልውን ብፍቕሪ ተዛረባ።

4 ሴኬም ድማ ነቦኡ ሓሞር፡ እዛ ጓል እዚኣ ሰበይተይ ክትከውን ኣምጽኣለይ፡ ኢሉ ተዛረቦ።

5 ያእቆብ ድማ ንጓሉ ዲና ኸም ዘርከሳ ሰምዔ፡ ደቁ ኸኣ ምስ ማሉ ኣብ መሮር ነበሩ እሞ፡ ያእቆብ ክሳዕ ዚኣትዉ ስቕ በለ።

6 ሓሞር ኣቦ ሴኬም ከኣ ምስኡ ኺዛረብ ናብ ያእቆብ ወጸ።

7 ደቂ ያእቆብ ድማ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ካብ መሮር አተዉ። እቶም ሰባት ከኣ ምስ ጓል ያእቆብ ብምድቃሱ ኺግበር ዘይግባእ ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝገበረ፡ ጕህዮም ኣዝዮም ተናደዱ።

8 ሓሞር ድማ፥ ነፍሲ ወደይ ሴኬም ምስ ጓልኩም ተጣቢቓ እያ እሞ፡ በጃኹም ሰበይቱ ኽትከውን ሀብዎ።

9 ምሳና ተዋሰቡ፡ ኣዋልድኩም ሀቡና፡ ንኣኻትኩምውን ኣዋልድና ውሰዱ፡

10 ምሳና ድማ ንበሩ። እንሃ እዛ ምድሪ ኣብ ቅድሜኹም ኣላ፡ ተቐሚጥኩም ንገዱላን ተረስተይዋን፡ ኢሉ ተዛረቦም።

11 ሴኬም ድማ ነቦኣን ነሕዋታን፥ ኣብ ቅድሚኹም ኰታ ምገስ እርከብ፡ ዝበልኩምኒ ኽህብ እየ።

12 ገዝምን ህያብን ኣዚኹም ኣብዚሕኩም ኣዝዙኒ። እታ ጓል ደኣ ሰበይተይ ክትከውን ሀቡኒ እምበር፡ ከም ዝበልኩምኒ እህብ፡ በሎም።

13 ደቂ ያእቆብ ከኣ፡ ንሓብቶም ዲና ስለ ዘነወራ፡ ንሴኬምን ነቦኡ ሓሞርን መሊሶም ብተንኰል ተዛረብዎም፡

14 በልዎም ድማ፡ ሓብትና ንዘይተገዝረ ሰብኣይ ክንህብ እዚ የነውረና እዩ እሞ፡ እዚ ነገርዚ ኽንገብር ኣይንኽእልን።

15 ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ ብምግዛርኩም፡ ከማና እንተ ዀንኩም፡ በዚ ጥራይ ሕራይ ንብለኩም።

16 ሽዑ ኣዋልድና ንህበኩም፡ ኣዋልድኩም ከኣ ንወስድ፡ ምሳኻትኩም ድማ ንነብር፡ ሓደ ህዝቢውን ንኸውን።

17 ክትግዘሩ እንተ ዘይሰማዕኩምና ግና፡ ጓልና ሒዝና ንኸይድ።

18 ንሓሞርን ንሴኬም ወዲ ሓሞርን ከኣ እቲ ዘረባኦም ባህ ኣበሎም።

19 እቲ ጐበዝ ድማ ንጓል ያእቆብ ፈትይዋ ነበረ እሞ፡ እዚ ነገርዚ ንምግባር ኣይደንጐየን። ኣብ ቤት ኣቦኡ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ከኣ ንሱ ይኸብር ነበረ።

20 ሓሞርን ወዱ ሴኬምን ናብ ደገ ኸተማኦም ከይዶም፡ ንሰብ እታ ኸተማኦም ከምዚ ኢሎም ተዛረብዎም፡

21 እዞም ሰባት እዚኦም ምሳና ሰብ ሰላም እዮም፡ እዛ ምድሪ ድማ እንሃ፡ ንኣታቶም እትኣክል ገፋሕ እያ እሞ፡ ኣብዛ ምድሪ ይቀመጡን ይንገዱላን። ኣዋልዶም ንኣና ኣንስቲ ንወስድ፡ ኣዋልድና ድማ ንኣታቶም ንሀቦም።

22 እዞም ሰባት እዚኣቶም ግና ምሳና ኪቕመጡ፡ ምሳና ሓደ ህዝቢ ኪዀኑ ድማ በዚ ጥራይ ሕራይ ይብሉና፡ ንሳቶም ግዙራት ከም ዝዀኑ፡ ኵሉ ተባዕታይና ኺግዘር።

23 ማሎምን ገንዘቦምን፡ ኵሉ እንስሳኦምንከ ናትናዶ ኣይኰነን፧ ሓንትስ ሕራይ ደኣ ንበሎም እምበር፡ ምሳና ኺነብሩ እዮም።

24 እቶም ብደገ ኸተማኡ ዝወጹ ዅላቶም ንሓሞርን ንወዱ ሴኬምን ሰምዕዎም እሞ፡ ብደገ ኸተማኡ ዝመጸ ዘበለ ዅሉ ተባዕታይ ተገዝረ።

25 ኰነ ኸኣ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኪቕንዘዉ ኸለዉ፡ ክልተ ደቂ ያእቆብ፡ ስምኦንን ሌውን ኣሕዋት ዲና፡ ሰሴፎም ወሲዶም፡ ነታ ኸተማ ኸይሐሰበት ሓደጋ ወዲቖም፡ ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ ቐተሉ።

26 ንሓሞርን ንወዱ ሴኬምን ብስሕለት ሴፍ ቀቲሎም፡ ንዲና ኻብ ቤት ሴኬም ሒዞምዋ ወጹ።

27 ደቂ ያእቆብ፡ ንሓብቶም ስለ ዘርከስዋ፡ ናብቶም ቅቱላት መጺኦም ነታ ኸተማ ዘመትዋ።

28 ኣባጊዖምን ኣሓኦምን ኣእዱጎምን ኣብ ከተማ ዝነበረን ኣብ መሮር ዝነበረን ድማ ወሰዱ።

29 ኵሉ ገንዘቦምን ኵሎም ሕጻውንቶምን ኣንስቶምን ማረኹ፡ ኣብ ቤት ንተረኽበ ዅሉ ድማ ዘመቱ።

30 ያእቆብ ከኣ ንስምኦንን ንሌውን፡ ኣብ መንጎ እዞም ኣብዛ ሃገር ዚነብሩ፡ ኣብ መንጎ ኸነኣናውያንን ፈረዛውያንን ንኽፉእ ጨና ብምግባርኩም ኣጨነቕኩምኒ። ኣነ ብቝጽሪ ሒደት እየ፡ ንሳቶም ከኣ ተኣኪቦም ይቐትሉኒ፡ ኣነን ቤተይን ድማ ንጠፍእ፡ በሎም።

31 ንሳቶም ከኣ፡ ኣብ ሓብትናዶ ደኣ ኸም ኣብ ኣመንዝራ ኺግበር እዩ፧ በሉ።