ዘፍጥረት 14

1 ኰነ ድማ ብዘበን ኣምራፌል ንጉስ ሲነኣር፡ ኣርዮክ ንጉስ ኤላሳር፡ ክዳርላኦመር ንጉስ ዔላም፡ ቲደዓል ድማ ንጉስ ጎይም፡

2 ንሳቶም ምስ ቤራዕ ንጉስ ሶዶምን ምስ ቢርሻዕ ንጉስ ጎሞራን፡ ሺንኣብ ንጉስ ኣድማን፡ ሼምኤበር ንጉስ ጸቦኢምን ንጉስ ቤላዕን፡ ንሳ ኸኣ ዞዓር፡ ውግእ ኣልዐሉ።

3 እዚኣቶም ኵሎም ሓቢሮም ናብ ለሰ ሲዲም፡ ንሱ ኸኣ ባሕሪ ጨው፡ ተኣከቡ።

4 ንክዳርላኦመር ዓሰርተው ክልተ ዓመት ተገዚኦምሉ ነበሩ። ኣብ መበል ዓሰርተው ሰለስተ ዓመት ከኣ ዐለዉ።

5 ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት ድማ ክዳርላኦመርን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ነገስታትን መጹ። ንራፋውያን ከኣ ኣብ ዓስጣሮት-ቀርናይም፡ ንዙዛውያን ድማ ኣብ ሃም፡ ንኤማውያን ከኣ ኣብ ጐልጐል ቂርያታይም፡

6 ንሆራውያን ድማ ኣብ ሰዒር፡ ኣብ ከረኖም ክሳዕ እታ ኣብ ጥቓ በረኻ ዘላ ኤል-ጳራን ወቕዕዎም።

7 ተመሊሶም ድማ ናብ ዔን-ምሽጳጥ፡ ንሳውን ቃዴስ፡ መጹ። ንዅላ ምድሪ ኣማሌቃውያን ከኣ ነቶም ኣብ ሓጻ ጾን-ታማር ዝነበሩ ኣሞራውያን ድማ ወቕዕዎም።

8-9 ሽዑ ንጉስ ሶዶምን ንጉስ ጎሞራን ንጉስ ኣድማን ንጉስ ጸቦይምን ንጉስ ቤላዕን፡ ንሳ ዞዓር፡ ወጺኦም ምስ እቲኣቶም፡ ምስ ክዳርላኦመርን ንጉስ ዔላምን፡ ቲደዓል ንጉስ ጎይምን፡ ኣምራፌል ንጉስ ሲነኣርን ኣርዮክ ንጉስ ኤላሳርን፡ ኣርባዕተ ነገስታት ምስቶም ሓሙሽተ ኺዋግኡ ኣብ ለሰ ሲዲም ተሰለፉ።

10 እቲ ለሰ ሲዲም ድማ ጐዳጕዲ ቕጥራን መሊኡ ነበረ። ነገስታት ሶዶምን ጎሞራን ከኣ ሃዲሞም ኣብኡ ወደቑ። እቶም ዝተረፉ ድማ ናብ ከረን ሀደሙ።

11 እቲኣቶም ከኣ ናይ ሶዶምን ጎሞራን ኵሉ ገንዘብን ኵሉ ዚብላዕን ወሰዱ እሞ ኸዱ።

12 ሎጥ፡ ወዲ ሓዉ ንኣብራም ድማ፡ ንሱ ኣብ ሶዶም ይነብር ነበረ እሞ፡ ምስናይ ገንዘቡ ሒዞምዎ ኸዱ።

13 ሓደ ዘምለጠ ኸኣ ናብ ኣብራም፡ እቲ እብራዊ፡ መጺኡ እዚ ነገሮ። ንሱ ድማ ኣብ ድዋታት መምሬ፡ እቲ ኣሞራዊ፡ ሓው ኤሽኮልን ሓው ዓኔርን፡ ይቕመጥ ነበረ። ንሳቶም ከኣ ምስ ኣብራም ኪዳን ተኣታትዮም ነበሩ።

14 ኣብራም ድማ ሓዉ ኸም እተማረኸ ምስ ሰምዔ፡ ሰለስተ ሚእትን ዓሰርተው ሾሞንተን ኣብ ቤቱ እተወልዱ ፍቱናት ሰብ ኣዕጢቑ ክሳዕ ዳን ደድሕሪኦም ሰዐበ።

15 ንሱን ግዙኣቱን ተመቒሎም ከኣ፡ ብለይቲ ወቕዕዎም፡ ክሳዕ ሆባ፡ ጸጋም ደማስቆ ድማ ሰጐጕዎም።

16 ኵሉ ገንዘብ ከኣ ኣምለሰ። ንሎጥ ሓዉን ገንዘቡን ከምኡ ኸኣ ነተን ኣንስትን ነቲ ህዝብን ኣምለሰ።

17 ንክዳርላኦመርን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ነገስታትን ስዒሩ ኺምለስ ከሎ፡ ንጉስ ሶዶም ኪቕበሎ ናብ ለሰ ሻዌ፡ ንሱ ኸኣ ለሰ ንጉስ፡ ወጸ።

18 መልከጼዴቅ፡ ንጉስ ሳሌም ድማ፡ ንሱ ኸኣ ካህን ልዑል ኣምላኽ፡ እንጌራን ወይንን ኣምጽኤ።

19 ንሱ ድማ፡ ኣብራም በቲ ልዑል ኣምላኽ፡ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ ብሩኽ ይኹን፡

20 እቲ ንጸላእትኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ዝሀበካ ልዑል ኣምላኽ ከኣ ብሩኽ ይኹን፡ ኢሉ ባረኾ። ኣብራም ድማ ካብ ኵሉ ዕሽር ሀቦ።

21 ንጉስ ሶዶም ከኣ ንኣብራም፡ እቶም ሰባት ሀበኒ፡ እቲ ገንዘብ ድማ ንኣኻ ውሰዶ፡ በሎ።

22 ኣብራም ግና ንንጉስ ሶዶም፡ ኢደይ ናብ እግዚኣብሄር፡ ልዑል ኣምላኽ፡ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ ኣልዐልኩ፡

23-24 ንኣብራም ኣነ ኣሀብተምክዎ ኸይትብልሲ፡ ብጀካቲ እቶም ኣጕባዝ ዝበልዕዎ፡ ፈትሊ ዀነ፡ ስራኽ ሳእኒ ዀነ፡ ካብ ናትካ ዘበለ ገለኳ ኣይወስድን፡ ግደ እቶም ምሳይ ዝኸዱ ሰባት ድማ፡ ኣኔርን ኤሽኮልን መምሬን፡ ንሳቶም ግዲኦም ይውሰዱ፡ በሎ።