ዘፍጥረት 42

1 ያእቆብ ድማ ኣብ ግብጺ እኽሊ ኸም ዘሎ ረአየ እሞ፡ ያእቆብ ንደቁ፡ ስለምንታይ ንሓድሕድኩም ትርኣኣዩ፧ በሎም።

2 እንሆ፡ እኽሊ ኣብ ግብጺ ኸም ዚርከብ ሰሚዔ፡ ክንድሕንን ከይንመውትን ከኣ ናብኣ ወሪድኩም፡ ካባኣ ሸምቱልና፡ በሎም።

3 እቶም ዓሰርተ እሕዋት ዮሴፍ ከኣ እኽሊ ኪሽምቱ፡ ናብ ግብጺ ወረዱ።

4 ንብንያም ሓው ዮሴፍ ግና፡ ገለ ድንገት ከይረኽቦ ኢሉ፡ ያእቆብ ምስ ኣሕዋቱ ኣይሰደዶን።

5 ኣብ ምድሪ ኸነኣን ጥሜት ነበረ እሞ፡ ደቂ እስራኤል ኣብ መንጎ እቶም ዝመጹ ዀይኖም እኽሊ ኺሽምቱ መጹ።

6 ነታ ሃገር ዚእዝዛ ድማ ዮሴፍ ነበረ፡ ንዅሉ ህዝቢ እታ ሃገር እኽሊ ዚሽምት ከኣ ንሱ ነበረ። ኣሕዋት ዮሴፍ ድማ መጹ፡ ኣብ ቅድሚኡ ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፍኡ።

7 ዮሴፍ ከኣ ኣሕዋቱ ርእዩ ኣለለዮም፡ ንርእሱ ግና ጓና ኣምሰለሎም፡ ኣበርቲዑ ድማ ተዛረቦም፡ ካበይ ዝመጻእኩም ኢኹም፧ ድማ በሎም። ካብ ምድሪ ኸነኣን እኽሊ ኽንሽምት፡ በሉ።

8 ዮሴፍ ከኣ ነሕዋቱ ኣለለዮም፡ ንሳቶም ግና ኣየለለይዎን።

9 ዮሴፍ ድማ ነቲ ብዛዕብኦም ሐሊምዎ ዝነበረ ሕልምታት ዘከረ፡ ንስኻትኩም፡ እዛ ሃገር ቃልዕ ምዃና ኽትርእዩ ዝመጻእኩም፡ ሰለይቲ ኢኹም፡ ከኣ በሎም።

10 ንሳቶም መለሱሉ፡ ኣይፋልናን ጐይታይ፡ ገላውኻስ ቀለብ ኪሽምቱ ደኣ መጹ፡ ድማ በልዎ።

11 ንሕና ዅልና ደቂ ሓደ ሰብኣይ ኢና፡ ንሕና ቕኑዓት ኢና፡ ገላዉኻ ሰለይቲ ኣይኰኑን።

12 ንሱ ድማ፡ ኣይፋልኩምን፡ እዛ ሃገር ቃልዕ ምዃና ኽትርእዩ ዝመጻእኩም ኢኹም፡ በሎም።

13 ንሳቶም ከኣ፡ ንሕና ገላዉኻ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዓሰርተው ክልተ ኣሕዋት፡ ደቂ ሓደ ሰብኣይ ኢና። እንሆ ድማ፡ እቲ ንእሽቶ ሎሚ ምስ ኣቦና አሎ፡ እቲ ሓደ ኸኣ የሎን፡ በሉ።

14 ዮሴፍ ድማ በሎም፡ እቲ ሰለይቲ ኢኹም ኢለ ዝበልኩኹም ንሱ እዩ።

15 በዚ ኽትፍተኑ ኢኹም፡ እቲ ንእሽቶ ሓውኩም ናብዚ ኸይመጸ፡ ካብዚ ኸይትወጹ፡ ህይወት ፈርኦን እዩ።

16 ሓደ ኻባኻትኩም ንሓውኩም ዜምጽእ ስደዱ፡ ንስኻትኩም ድማ ሓቂ እንተሎኩም፡ ዘረባኹም ኪፍተን፡ ክትእሰሩ ኢኹም። እንተዘይኰነስ፡ ብህይወት ፈርኦን፡ ሰለይቲ ኢኹም።

17 ብሓደ ገይሩ፡ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሐለዎም።

18 ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ዮሴፍ በሎም፡ ኣነ ኣምላኽ እፈርህ እየ እሞ፡እዚ ግበሩ ትነብሩ ድማ።

19 ቅኑዓት እንተዄንኩምሲ፡ ሓደ ሓውኩም ኣብታ ተኣሲርኩምላ ዝነበርኩም ቤት ይተኣሰር። ንስኻትኩም ድማ ኬድኩም፡ እቲ ንጥሜት ኣባይትኹም ዚኸውን እኽሊ ኣብጽሑ።

20 እቲ ንእሽቶ ሓውኩም ድማ ናባይ ኣምጽእዎ፡ እቲ ቓልኩም ከኣ ሓቂ ምዃኑ ይእመን፡ ኣይትሞቱን ድማ። ከምኡውን ገበሩ።

21 ንሓድሕዶም ከኣ፡ ብሓቂ ኣብ ሓውና በደልና፡ እቲ ምሕረት ኪልምነና ኸሎ፡ ጸበባ ነፍሱ እናርኤና ኣይሰማዕናዮን፡ ብሰርዚ እዚ መከራዚ በጽሓና፡ ተባሃሀሉ።

22 ሮቤል ከኣ፡ ኣብዚ ቘልዓ ኣይትበድሉ፡ ኢለዶ ኣይበልኩኹምን፧ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኩምንን። ስለዚ ድማ እንሆ፡ ደሙ ይድለ አሎ፡ ኢሉ መለሰሎም።

23 ኣስተርጓሚ ኣብ መንጎኦም ነበረ እሞ፡ ንሳቶም፡ ዮሴፍ ከም ዚሰምዖም ኣይፈለጡን ነበሩ።

24 ካባታቶም ኣግሊሱ ኸኣ በኸየ፡ ናባታቶም ተመሊሱ ድማ ተዛረቦም፡ ንስምኦን ከኣ ካባታቶም ወሲዱ ኣብ ቅድሚኦም አሰሮ።

25 ዮሴፍ ድማ ነቲ ዓያብቶም እኽሊ ኺመልኣሎም እቲ ገንዘቦም ከኣ ኣብ ዐዓይበቶም ኪመልሱሎም፡ ንመገዲውን ሲቂ ኪህብዎም አዘዘ። ከምኡ ኸኣ ገበሩሎም።

26 እቲ እኽሊ ኣብ ኣእዱጎም ጽዒኖም ከኣ ካብኡ ኸዱ።

27 ኣብ መሕደሪ ድማ ሓደ ኻባታቶም ንኣድጉ ድርቋ ኺህብ፡ ዓይበቱ ኸፈተ፡ እንሆ፡ እቲ ገንዘቡ ኣብ ኣፍ ዓይበቱ ረኣየ።

28 ነሕዋቱ ኸኣ፡ እቲ ገንዘበይ ተመሊሱ፡ እንሆ ኣብ ዓይበተይ፡ በሎም። ልቦም መሊቝዎም ራዕራዕ እናበሉ፡ ንሓድሕዶም፡ እዚ ኣምላኽ ገይሩና ዘሎ እንታይ እዩ፧ ተባሃሀሉ።

29 ናብ ኣቦኦም ያእቆብ ድማ ናብ ምድሪ ኸነኣን መጹ፡ ዝበጽሖም ኵሉ ኸኣ ከምዚ ኢሎም ነገርዎ፡

30 እቲ ሰብኣይ፡ ጐይታ እታ ሃገር፡ ኣበርቲዑ ተዛረበና፡ ከም ሰለይቲ እታ ሃገር ከኣ ገበረና።

31 ንሕና ሰለይቲ ኣይኰንናን፡ ቅኑዓት ሰብ ኢና፡

32 ንሕና ዓሰርተው ክልተ ኣሕዋት ደቂ ኣቦና ኢና፡ እቲ ሓደ የሎን፡ እቲ ንእሽቶ ድማ ሎሚ ምስ ኣቦና ኣብ ምድሪ ኸነኣን ኣሎ፡ በልናዮ።

33 እቲ ሰብኣይ፡ ጐይታ እታ ሃገር ከኣ፥ ንስኻትኩም ቅኑዓት እንተ ዄንኩም፡ በዚ ኽፈልጥ እየ፡ ሓደ ሓውኩም ምሳይ ሕደጉ፡ እቲ ንጥሜት ኣባይትኹም ዚኸውን እኽሊ ሒዝኩም ድማ ኪዱ።

34 ነቲ ንእሽቶ ሓውኩም ከኣ ናባይ ኣምጽእዎ። ሽዑ ንስኻትኩም ቅኑዓት እምበር፡ ሰለይቲ ኸም ዘይኰንኩም እፈልጥ፡ ሓውኩም ድማ ክህበኩም እየ፡ ኣብዛ ሃገርውን ትነግዱ፡ በለና።

35 ኰነ ኸኣ፡ ዓያብቶም ምስ ኣዕረቑ፡ እንሆ፡ ንነፍሲ ወከፍ እቲ ጥቕላል ገንዘቡ ኣብ ዐይበቱ ነበረ። ንሳቶምን ኣቦኦምን ነቲ ጥቕሉል ገንዘቦም ምስ ረኣዩ፡ ሰምበዱ።

36 ኣቦኦም ያእቆብ ድማ፡ ውሉድ ዜልቦ ገበርኩምኒ። ዮሴፍ የሎን፡ ስምኦን ከኣ የሎን፡ ንብንያምዶ ድማ ኽትወስድዎ ኢኹም፧ እዚ ዅሉ ኣባይ ኰይኑ አሎ፡ በሎም።

37 ሮቤል ከኣ ነቦኡ፥ ኣብ ኢደይ ሕድሪ ሀበኒ፡ ኣነ ድማ ናባኻ ኽመልሶ፡ ናባኻ እንተ ዘየምጻእክዎ፡ ንኽልቲኦም ደቀይ ቅተል፡ ኢሉ ተዛረቦ።

38 ንሱ ኸኣ፡ ሓዉ ሞይቱ፡ ንሱ ድማ በይኑ ተሪፉ እዩ እሞ፡ ወደይሲ ምሳኻትኩም ኣይወርድን። ኣብቲ እትኸድዎ መገዲ ገለ ጕድኣት እንተ ረኸቦ፡ ሽዑ ንሽበተይ ብሓዘን ናብ ሽኦል ተውርድዎ፡ በለ።