ዘፍጥረት 36

1 ወለዶ ኤሳው፡ ንሱ ድማ ኤዶም፡ እዚ እዩ።

2 ኤሳው እተን ኣንስቱ ኻብ ኣዋልድ ከነኣን፡ ዓዳ፡ ጓል ኤሎን ሔታውን ኦሆሊባማ ጓል ዓና ጓል ጺብዖን ሓዋዊን፡

3 ባስማት፡ ጓል እስማኤል ሓብቲ ነባዮትን ወሰደ።

4 ዓዳ ድማ ንኤሳው ኤሊፋዝ ወለደትሉ፡ ባስማት ከኣ ንራጉኤል ወለደት።

5 ኦሆሊባማውን የዑስን ያዕላምን ቆራሕን ወለደት። እዚኣቶም ኣብ ምድሪ ኸነኣን እተወልዱሉ ደቂ ኤሳው እዮም።

6 ኤሳው ኣንስቱን ኣወዳቱን ኣዋልዱን ኵሉ ስድራ ቤቱን ማሉን ኵሉ እንስሳኡን ኣብ ምድሪ ኸንኣን ዘጥረዮ ዅሉ ገንዘቡን ወሰደ፡ ካብ ቅድሚ ያእቆብ ሓዉ ኸኣ ናብ ካልእ ምድሪ ኸደ።

7 ብሓደ ኸይቅመጡ እቲ ጥሪቶም በዚሑ ነበረ እሞ፡ ብምኽንያት ማሎም ድማ እታ ምድሪ ስደቶም ክትጾሮም ኣይከኣለትን።

8 ኤሳው ከኣ ኣብ ከረን ስዒር ተቐመጠ። ኤሳው ኤዶም እዩ።

9 ወለዶ ኤሳው፡ ኣቦ ኤዶማውያን ኣብ ከረን ስዒር እዚ እዩ።

10 ስማት ደቂ ኤሳው እዚ እዩ፡ ኤሊፋዝ፡ ወዲ ዓዳ ሰበይቲ ኤሳው፡ራጉኤል፡ ወዲ ባስማት ሰበይቲ ኤሳው።

11 ደቂ ኤሊፋዝ ከኣ፡ ቴማን፡ ኦማር፡ ጼፎ፡ ጋዕታም፡ ቄናዝ ነበሩ።

12 ቲምናዕ ድማ ሰበይቲ ወሰኑ ንኤሊፋዝ ወዲ ኤሳው ነበረት እሞ፡ ኔሊፋዝ ኣማሌቅ ወለደትሉ። እዚኣቶም ደቂ ዓዳ ሰበይቲ ኤሳው እዮም።

13 ደቂ ራጉኤል ድማ እዚኣቶም እዮም፥ ናሓትን ዜራሕን ሻማን ሚዛን፡ እዚኣቶም ደቂ ባስማት ሰበይቲ ኤሳው ነበሩ።

14 ደቂ ኦሆሊባማ ሰበይቲ ኤሳው፡ ጓል ዓና ጓል ጺብዖን ድማ እዚኣቶም እዮም፥ ንሳ ንኤሳው የዑሽን ያዕላማን ቆራሕን ወለደትሉ።

15 ሹማምቲ ደቂ ኤሳው፡ ደቂ ኤልፋዝ በዅሪ ኤሳው፡ እዚኣቶም እዮም፡ ሹም ቴማን፡ ሹም ኦማር፡ ሹም ጼፎ፡ ሹም ቄናዝ፡

16 ሹም ቆራሕ፡ ሹም ጋዕታም፡ ሹም ኣማሌቅ። እዚኣቶም ሹማምቲ ኤሊፋዝ ኣብ ምድሪ ኤዶም እዮም። እዚኣቶም ደቂ ዓዳ እዮም።

17 ደቂ ራጉኤል ወዲ ኤሳው ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ሹም ናሓት፡ ሹም ዜራሕ፡ ሹም ሻማ፡ ሹም ሚዛ። እዚኣቶም ሹማምቲ ራጉኤል ኣብ ምድሪ ኤዶም እዮም። ንሳቶም ደቂ ባስማት ሰበይቲ ኤሳው እዮም።

18 ደቂ ኦሆሊባማ ሰበይቲ ኤሳው ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ሹም የዑስ፡ ሹም ያዕላም፡ ሹም ቆራሕ። እዚኣቶም ሹማምቲ ኦሆሊባማ፡ ጓል ዓና ሰበይቲ ኤሳው፡ እዮም።

19 እዚኣቶም ደቂ ኤሳው፡ ንሱ ኤዶም፡ ሹማምቶም ድማ እዚኣቶም እዮም።

20 ደቂ ሰዒር ሖራዊ፡ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ፡ እዚኣቶም እዮም፥ ሎጣንን ሾባልን ጺብዖንን ዓናን፡

21 ዲሾንን ኤጾርን ዲሻንን፡ እዚኣቶም ሹማምቲ ሖራውያን ደቂ ስዒር፡ ኣብ ምድሪ ኤዶም እዮም።

22 ደቂ ሎጣን ከኣ ሖሪን ሄማምን ነበሩ፡ ሓብቲ ሎጣን ድማ ቲምናዕ።

23 ደቂ ሾባል ከኣ እዚኣቶም እዮም፥ ዓልዋንን ማናሓትን ኤባልን ሼፎን ኦናምን።

24 ደቂ ጺብዖን ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ኣያን ዓናን። እዚ ዓና እዚ፡ ኣእዱግ ኣቦኡ ጺብዖን ኣብ በረኻ ኺጓሲ ኸሎ፡ ዐይንታት ማይ ውዑይ ዝረኸበ እዩ።

25 ደቂ ዓና ኸኣ እዚኣቶም እዮም፡ ዲሾንን ኦሆሊባማ ጓል ዓናን።

26 ደቂ ዲሾን ከኣ እዚኣቶም እዮም፡ ሔምዳንን ኤሽባንን ይትራንን ከራንን።

27 ደቂ ኤጽር እዚኣቶም እዮም፡ ቢልሃንን ዛዕዋንን ዓቃንን።

28 ደቂ ዲሻን እዚኣቶም እዮም፥ ዑጽን ኣራንን።

29 ሹማምቲ ሖራውያን እዚኣቶም እዮም፡ ሹም ሎጣን፡ ሹም ሾባል፡ ሹም ጺብዖን፡ ሹም ዓና፡

30 ሹም ዲሾን፡ ሹም ኤጽር፡ ሹም ዲሻን። እዚኣቶም በብስሞም ኣብ ምድሪ ስዒር ዘለዉ ሹማምቲ ሖራውያን እዮም።

31 ገና ኣብ ደቂ እስራኤል ንጉስ ከይነገሰ፡ ኣብ ምድሪ ኤዶም ዝነገሱ ነገስታት ድማ እዚኣቶም እዮም፥

32 ቢላዕ ወዲ ቤዖር ኣብ ኤዶም ነገሰ፡ ከተማኡ ኸኣ ዲንሃባ ተባህለት።

33 ቤላዕ ድማ ሞተ፡ ዮባብ ወዲ ዘራሕ ካብ ቦጽራ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ።

34 ዮባብ ከኣ ሞተ። ሑሻም ካብ ሃገር ቴማኒ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ።

35 ሑሻም ድማ ሞተ። ሃዳድ ወዲ በዳድ፡ እቲ ንሰብ ሚድያን ኣብ መሮር ሞኣብ ዝሰዐረ፡ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። ስም ከተማኡ ድማ ዓዊት ነበረ።

36 ሃዳድ ከኣ ሞተ። ሳምላ ኻብ ማስሬቃ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ።

37 ሳምላ ድማ ሞተ። ሻኡል፡ በዓል እታ ጥቓ ርባ ዘላ ረሖቦት ኣብ ክንዳኡ ነገሰ።

38 ሻኡል ከኣ ሞተ እሞ በዓል-ሓናን ወዲ ኣኽቦር ኣብ ክንዳኡ ነገሰ።

39 በዓል-ሓናን ወዲ ኣኽቦር ድማ ሞተ። ሃዳር ከኣ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። ስም ከተማኡ ድማ ጳዑ ነበረ፡ ስም ሰበይቱ ኸኣ ሜሄጣብኤል እዩ፡ ንሳ ጓል ማጥሬድ ጓል ሜ-ዛሃብ እያ።

40 ስም ሹማምቲ ኤሳው በብዓሌቶም፡ በብቦታኦም፡ በብስሞም እዚ እዩ፡ ሹም ቲምናዕ፡ ሹም ዓልዋ፡ ሹም የቴት፡

41 ሹም ኦሆሊባማ፡ ሹም ኤላ፡ ሹም ጲኖን፡

42 ሹም ቄናዝ፡ ሹም ቴማን ሹም ሚብጻር፡

43 ሹም ማግዲኤል፡ ሹም ዒራም። እዚኣቶም በብምቕማጦም ኣብ ምድሪ ርስቶም ዘለዉ ሹማምቲ ኤዶም እዮም። ኤሳው፡ ንሱ ኣቦ ኤዶማውያን እዩ።