ዘፍጥረት 37

1 ያእቆብ ድማ ኣብታ ኣቦኡ ተሰዲድዋ ዝነበረ ምድሪ፡ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ተቐመጠ።

2 ወለዶ ያእቆብ እዚ እዩ። ዮሴፍ፡ ወዲ ዓሰርተው ሾብዓተ ዓመት ምስ ኰነ፡ ምስ ኣሕዋቱ ጤለበጊዕ ይጓሲ ነበረ። ንሱ ብንእስነቱ ኾሎ ኸኣ ምስ ደቂ ቢልሃን ምስ ደቂ ዚልጳን ኣንስቲ ኣቦኡ ነበረ። ዮሴፍ ድማ እቲ ኽፉእ ወሬኦም ነቦኦም የምጽኣሉ ነበረ።

3 እስራኤል ንዮሴፍ፡ ወዲ እርግናኡ ነበረ እሞ፡ ሓለፋ ዅሎም ደቁ ይፈትዎ ነበረ። ወለል ዚብል ቀምሽ ከኣ ገበረሉ።

4 እቶም ኣሕዋቱ፡ ኣቦኦም ሓለፋ ዅላቶም ኸም ዝፈተዎ ርእዮም፡ ጸልእዎ፡ ብሰላም ኪዛረብዎ ድማ ኣይከኣሉን።

5 ዮሴፍ ከኣ ሕልሚ ሐለመ ነሕዋቱ ድማ ነገሮም። መሊሶም ከኣ ኣዝዮም ጸልእዎ።

6 ንሱ ድማ፡ ዝሐለምክዎ ሕልሚ እማ ስምዑ፡

7 እንሆ፡ ንሕና ኣብ ማእከል ግራት እንዳእቲ ንኣስር ነበርና። እንሆ ኸኣ፡ እንዳእተይ ተንሲኣ ትኽ በለት። እንሆ ድማ፡ እንዳእትኹም ንእንዳእተይ ከቢበን ሰገዳላ፡ በሎም።

8 ሽዑ ኣሕዋቱ፡ እሞ ብሓቂዶ ኣብ ልዕሌና ኽትነግስ፡ ብሓቂዶኸ ኽትገዝኣና ኢኻ፧ በልዎ። መሊሶም ከኣ ብዛዕባ ሕልምታቱን ዘረባኡን ኣዝዮም ጸልእዎ።

9 ካልእ ሕልሚ ድማ ሐለመ፡ ነሕዋቱ ኸኣ ነገሮም፡ እንሆ፡ ካልእ ሕልሚ ሐለምኩ፡ እንሆ ድማ፡ ጸሓይን ወርሕን ዓሰርተው ሓደ ከዋኽብትን ሰገዱለይ፡ በለ።

10 ነቦኡን ነሕዋቱን ድማ ነገሮም፡ ኣቦኡ ኸኣ ገንሖ፡ እዚ ዝሐለምካዮ እንታይ ሕልሙ እዩ፧ ብሓቂዶ ኣነን ኣዴኻን ኣሕዋትካን መጺእና ኣብ ምድሪ ኽንሰግደልካ ኢና፧ በሎ።

11 ኣሕዋቱ ኸኣ ቀንኡሉ። ኣቦኡ ግና ነዚ ነገርዚ ኣብ ልቡ ዐቝርዎ ነበረ።

12 ኣሕዋቱ ድማ ጤለበጊዕ ኣቦኦም ኪጓስዩ ናብ ሴኬም ከዱ።

13 እስራኤል ከኣ ንዮሴፍ፡ ኣሓትካ ደኣ ኣብ ሴኬምዶ ይጓስዩ ኣየለዉን፧ ንዓ ናባታቶም ክሰደካ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ፡ በሎ።

14 ኪድ እሞ፡ እቶም ኣሕዋትካ ደሓን እንተለዉ፡ እተን ጤለበጊዕውን ደሓን እንተለዋ ርኤ፡ ቃል ድማ ምለሰለይ፡ በሎ። ከምዚ ገይሩ ኻብ ለሰ ኬብሮን ለኣኾ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ሴኬም መጸ።

15 እብቲ መሮር ሃለው ኪብል ከሎ፡ እንሆ፡ ሓደ ሰብኣይ ረኸቦ። እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ እንታይ ትደሊ ኣሎኻ፧ ኢሉ ሐተቶ።

16 ንሱ ድማ፡ ኣሕዋተይ እደሊ ኣሎኹ፡ ኣበይ ከም ዚጓስዩ ዀታ ንገረኒ፡ በለ።

17 እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ ናብ ዶታን ንኺድ፡ ኪብሉ ሰሚዔዮም ነበርኩ እሞ፡ ካብዝስ ለቒቖም እዩም፡ በለ። ዮሴፍ ከኣ ደድሕሪ ኣሕዋቱ ኸይዱ፡ ኣብ ዶታን ረኸቦም።

18 ካብ ርሑቕ ድማ ረኣይዎ፡ ገና ኣባታቶም ከይቀረበ ኸኣ፡ ኪቐትልዎ ተታናዀሉ።

19 ንሓድሕዶም ድማ ተባሃሀሉ፡ እቲ ሓላሚ እንሆ፡ ይመጽእ ኣሎ፡

20 ሕጂ ኸኣ ንዑ ንቕተሎ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብዘን ጐደጕድ ንደርብዮ እሞ፡ ሕሱም ኣራዊት በሊዕዎ፡ ንበል። እቲ ሕልምታቱ እንታይ ከም ዚኸውን ድማ ንርኢ።

21 ሮቤል ከኣ እዚ ሰሚዑ ኻብ ኢዶም ኣድሐኖ፡ ነፍሲ ኣይንቕተል፡ ድማ በለ።

22 ሮቤል ከኣ ካብ ኢዶም ኣድሒኑ ናብ ኣቦኡ ምእንቲ ኺመልሶ ኢሉ፡ ብኢድ እኳ ኣይትተንክይዎ፡ ኣብዚ በረኻ ኣብ ዘሎ ጕድጓድ ደርብይዎ እምበር፡ ደምሲ ኣይትኽዐዉ፡ በሎም።

23 ኰነ ኸኣ፡ ዮሴፍ ናብ ኣሕዋቱ ምስ መጸ፡ ነቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ቐምሹ፡ እቲ ወለል ዚብል ቀምሽ፡ ቀንጠጥዎ።

24 ወሲዶም ድማ ናብ ጕድጓድ ደርበይዎ። እቲ ጕድጓድ ከኣ ማይ ዜብሉ ጥራዩ ነበረ።

25 እንጌራ ኺበልዑ ድማ ተቐመጡ። ኣዒንቶም ቋሕ ኣቢሎም ጠመቱ፡ እንሆ ኸኣ፡ እስማኤላውያን ቃፍላይ፡ ኣግማሎም ሽቱን ቀመምን ከርበን ተጽዒነን ናብ ግብጺ ኼውርድዎ ኪኸዱ፡ ካብ ጊልዓድ ኪመጹ ረኣዩ።

26 ይሁዳ ድማ ነሕዋቱ፡ ሓውና ቐቲልና ደሙ እንተ ሓባእናስ፡ እንታይ ክንጥቀም ኢና፧

27 ንዑ ግዳ ኣብዞም እስማዔላውያን ንሽጦ፡ ሓውናን ስጋናን እዩ እሞ፡ ኢድና ኣብ ልዕሊኡ ኣይትኹን፡ በሎም። ኣሕዋቱ ድማ ሰምዕዎ።

28 እቶም ነጋዶ ሰብ ሚድያን ኪሐልፉ ኸለዉ፡ ንዮሴፍ ኣልዒሎም፡ ካብ ጕድጓድ ኣውጽእዎ እሞ፡ ንዮሴፍ ንዕስራ ሲቃል ብሩር ኣብ እስማዔላውያን ሸጥዎ። ንሳቶም ከኣ ንዮሴፍ ናብ ግብጺ ወሰድዎ።

29 ሮቤል ድማ ናብቲ ጕድጓድ ተመልሰ፡ እንሆ ኸኣ፡ ዮሴፍ ኣብቲ ጉድጓድ ኣይነበረን። ሽዑ ኽዳኑ ቐደደ።

30 ናብ ኣሕዋቱ ተመሊሱ ድማ፡ እቲ ቘልዓ የሎን፡ ኣነ ደኣ ናበይ ክኸይድ እየ፧ በለ።

31 ቀምሽ ዮሴፍ ወሲዶም ከኣ ወጠጦ ሐሪዶም ነቲ ቀምሽ ኣብ ደም ጠለቕዎ።

32 ነቲ ወለል ዚብል ቀምሽ ሰዲዶም ናብ ኣቦኦም ኣእተውዎ፡ እዚ ረኺብና እሞ፡ ቀምሽ ወድኻ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰነ፡ እስኪ ኣለልዮ፡ ድማ በሉ።

33 ኣለልይዎ ኸኣ፡ እዚ ቐምሽ ወደይ እዩ፡ ሕሱም ኣራዊት በሊዕዎ፡ ዮሴፍ ብርግጽ ተበሊዑ፡ በለ።

34 ያእቆብ ድማ ክዳኑ ቐዲዱ ኣብ ሕቝኡ ማቕ ተዐጥቀ፡ ብዛዕባ ወዱ ብዙሕ መዓልቲ ሐዘነ።

35 ኵሎም ኣወዳቱን ኵለን ኣዋልዱን ድማ ኬጸናንዕዎ ተንስኡ። ንሱ ግና ምጽንናዕ ኣበየ፡ ብሓዘን ናብ ወደይ ናብ ሽኦል ክወርድ እየ፡ ድማ በለ። ኣቦኡ ኸኣ በኸየሉ።

36 እቶም ሚድያናውያን ድማ ናብ ግብጺ፡ ናብ ጶጢፋር፡ በዓል መዋእል ፈርኦን ሓለቓ ዘብዔኛታት፡ ሸጥዎ።