ዘፍጥረት 19

1 እቶም ክልተ መላእኽቲ ድማ ምሸት ናብ ሶዶም መጹ። ሎጥ ከኣ ኣብ ደገ ሶዶም ተቐሚጡ ነበረ። ሎጥ ድማ ምስ ረኣዮም፡ ኪቕበሎም ተንስኤ፡ ብገጹ ኸኣ ናብ ምድሪ ተደፍኤ እሞ፡

2 ኣቱም ጐይተተይ፡ በጃኹም እንሆ፡ ኣብ ቤት ባርያኹም ኣግልሱ፡ ኣብኣ ድማ ሕደሩ፡ ኣእጋርኩምውን ተሓጸቡ። ኣንጊህኩም ተንሲእኩም ከኣ መገድኹም ትኸዱ፡ በለ። ንሳቶም ግና፥ ኣይፋልናን፡ ኣብ ኣደባባይ ደኣ ንሓድር፡ በሉ።

3 ንሱ ኸኣ ኣዝዩ ግዲ በሎም እሞ ናብኡ ኣግሊሶም ናብ ቤቱ ኣተዉ። ንሱ ድማ ቅጫ ሰንኪቱ መኣዲ ኣዳለወሎም፡ ንሳቶምውን በልዑ።

4 ገና ኸይደቀሱ ኸለዉ ድማ፡ ሰብ እታ ኸተማ፡ ሰብ ሶዶም፡ ኣጒባዝን ኣረገውትን፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ኻብ ኲሉ ሸነኽ መጺኡ፡ ነታ ቤት ከበባ።

5 ንሎጥ ጸዊዖም ከኣ፥ እዞም ብለይቲ ናባኻ ዝኣተዉ ሰባት ኣበይ ኣለዉ፧ ምእንቲ ኽንፈልጦምሲ፡ ናባና ኣውጽኣዮም፡ በልዎ።

6 ሎጥ ድማ ናባታቶም ናብ ኣፍደገ ወጸ፡ ነቲ ማዕጾውን ብድሕሪኡ ዐጸዎ።

7 በሎም ከኣ፡ ኣሕዋተየ፡ ከምዚ ዝበለ ኽፉእ ኣይትግበሩ፡

8 እነዋ፡ ሰብኣይ ዘይፈለጣ ኽልተ ኣዋልድ ኣለዋኒ፡ በጃኹም ሕደጉ፡ ንኣታተን ከውጽኣልኩም፡ ባህ ዝበለኩም ግበርወን። እዞም ሰባት እዚኦም ግና ኣብ ጽላል ናሕሰይ ኣትዮም እዮም እሞ፡ ገለ እኳ ኣይትግበርዎም።

9 ንሳቶም ግና፡ ኣልግስ፡ ንየው በል፡ በሉ። ድማ፡ እዚ ሓደ ስደተኛ ዀይኑ ዝመጸስ ዳኛ ዀይኑ ኺፈርድ ይደሊ አሎ፡ ሕጂ ግና ካብ ንኣታቶም ዝገደደ ኸነኽፍኣልካ ኢና፡ በሉ። ነቲ ሰብኣይ፡ ንሎጥ፡ ብሓይሊ ጐነጽዎ፡ ማዕጾ ኺሰብሩ ድማ ቐረቡ።

10 ሽዑ እቶም ሰባት ኣእዳዎም ኣስሊኾም፡ ንሎጥ ናባታቶም ናብ ቤት ኣእተዉዎ፡ ነቲ ማዕጾ ድማ ዓጸዉዎ።

11 ነቶም ኣብ ኣፍ ቤት ዝነበሩ ሰባት፡ ካብ ናእሽቱ ኽሳዕ ዓበይቲ፡ ኣዖርዎም እሞ ነቲ ኣፍ ደገ ኺረኽቡ ይደኽሙ ነበሩ።

12 እቶም ሰብ ድማ ንሎጥ፡ ኣብዚ ገና ኻብ ናትካዶ አሎካ፧ ሰብኣይ ጓልን ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብዛ ኸተማ ዘሎ ናትካ ዘበለ ዂሉን ካብዛ ቦታ እዚኣ ኣውጽኣዮም።

13 ነዛ ቦታ እዚኣ ኸኣ፡ ጭራሕ ምራሖም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓብዩ ስለዝዀነ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ከነጥፍኣ ልኢኹና እዩ እሞ፡ ንሕና ኸነጥፍኣ ኢና፡ በልዎ።

14 ሎጥ ድማ ወጺኡ ነቶም ነዋልዱ ዘእተዉ ሰብኡት ኣዋልዱ፡ እግዚኣብሄር ነዛ ከተማ ኼጥፍኣ እዩ እሞ፡ ተንስኡ፡ ካብዛ ቦታ እዚኣ ውጹ፡ ኢሉ ተዛረቦም። እቶም ሰብኡት ኣዋልዱ ግና ይዋዘ ኸም ዘሎ መሲሉ ተራእዮም።

15 ቀይሔጸሊም ኺቐድድ ከሎ ድማ፡ እቶም መላእኽቲ ንሎጥ፡ ብዓመጽ እዛ ኸተማ ኸይትጠፍእሲ፡ ሰበይትኻን እዘን ኣብዚ ዘለዋ ኽልተ ኣዋልድካን ተማሊእካ ተለዓል፡ ኢሎም ሀወኽዎ።

16 ንሱ ግና ደንጐየ። እግዚኣብሄር ኪንሕፎ ስለ ዝደለየ፡ እቶም ሰባት ኢዱን ኢድ ሰበይቱን ኢድ ክልቲኤን ኣዋልዱን ሒዞም ኣውጽእዎ፡ ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ድማ ሓደግዎ።

17 ኰነ ኸኣ፡ ናብ ወጻኢ ምስ ኣውጽእዎም፡ ነፍስኻ ኣድሕን፡ ንድሕሪት ገጽካ ግልጽ ኣይትበል፡ ኣብ ብዘሎ እዚ ጐልጐል ድማ ደው ኣይትበል። ምእንቲ ኸይትጠፍእ፡ ናብ ከረን ኣቢልካ ድሓን፡ በለ።

18 ሎጥ ግና፡ ኣይፋልካን ጐይታይ፡

19 እንሆ ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ረኺቡ አሎ፡ ንነፍሰይ ብምድሓንካ ዝገበርካለይ ምሕረትካ ድማ ኣዕቤኻዮ። ኣነ ግና፡ እቲ ኽፉእ ከየርክበንን ከይመውትን፡ ናብ ከረን በጺሔ ኽድሕን ኣይክእልን እየ።

20 በጃኻ እንሃ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ናብኣ ንምህዳም ቀረባ እያ፡ ንእሽቶ ኸኣ እያ። ንእሽቶዶ ኣይኰነትን፧ እሞ ነፍሰይ ብህይወት ምእንቲ ኽትነብርሲ፡ በጃኻ፡ ናብኣ ኽድሕን ሕደገኒ፡ በሎም።

21 ንሱ ድማ፡ ነታ እተዛረብካላ ኸተማ ኸይግልብጣስ፡ እንሆ፡ በዚ ነገርዚውን ሕራይ ኢለካ እየ።

22 ኣብኣ ኸይበጻሕካ፡ ገለ ነገር ክገብር ኣይክእልን እየ እሞ፡ ቀልጢፍካ ናብኣ ድሓን፡ በሎ። ስለዚ ስም እታ ኸተማ ዞኣር ተባህለት።

23 ሎጥ ኣብ ዞኣር ምስ ኣተወ ድማ፡ ኣብታ ምድሪ ጸሓይ በረቐት።

24 ሽዑ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ኣብ ልዕሊ ሶዶምን ኣብ ልዕሊ ጎሞራን ካብ እግዚኣብሄር ዲንን ሓውን ኣዝነመ።

25 ነዘን ከተማታት እዚኤንን ንዂሉ ጐልጐልን ኣብተን ከተማታት ንዚነብሩ ዂሎምን ንብቝሊ ምድርን ገልበጠ።

26 ሰበይቲ ሎጥ ግና ንድሕሪት ክትርኢ ግልጽ በለት፡ ሓወልቲ ጨው ከኣ ዀነት።

27 ኣብርሃም ድማ ንጽብሒቱ ናብታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉላ ዝነበረ ቦታ ኣንግሄ።

28 ናብ ሶዶምን ጎሞራን ናብ ብዘላ ምድሪ ጐልጐልን ኣማዕደወ፡ እንሆ ኸኣ፡ ካብታ ሃገር፡ ትኪ እቶን ዚመስል፡ ትኪ ኺለዐል ረአየ።

29 ከምዚ ኸኣ ዀነ፡ ኣምላኽ ነተን ኣብ ጐልጐል ዝነበራ ኸተማታት ኬጥፍእ ከሎ፡ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዘከሮ። ነተን ሎጥ ተቐሚጥወን ዝነበረ ኸተማታት ኪግልብጥ ከሎ፡ ንሎጥ ካብ ማእከል ምግልባጥ ኣውጽኦ።

30 ሎጥ ከኣ ኣብ ዞኣር ንምቕማጥ ፈሪሁ ነበረ እሞ፡ ኣብ ዞኣር ደይቡ፡ ክልቲኤን ኣዋልዱ ድማ ምስኡ ኣብ ከረን ተቐመጡ። ንሱን ክልቲኤን ኣዋልዱን ኣብ በዓቲ ተቐመጡ።

31 እታ ቦዂሪ ኸኣ ነታ ንእሽቶ፡ ኣቦና ኣሪጉ እዩ፡ ኣብ ምድሪ ድማ ከም ልማድ ኵሉ ምድሪ ዜእትወና ሰብኣይ የልቦን።

32 ንዒ፡ ነቦና ወይኒ ነስትዮ፡ ካብ ኣቦና ዘርኢ ምእንቲ ኸነትርፍሲ ምስኡ ንደቅስ፡ በለታ።

33 እሞ በታ ለይቲ እቲኣ ነቦኤን ወይኒ እስተያኦ፡ እታ በዂሪ ድማ ኣትያ ምስ ኣቦኣ ደቀሰት። ንሱ ግና ምድቃሳን ምትንስኣን ኣይፈለጠን።

34 ኰነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ እታ በዅሪ ነታ ንእሽቶ፥ እንሆ፡ ትማሊ ለይቲ ምስ ኣቦይ ደቂሰ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ድማ ወይኒ ነስትዮ፡ ካብ ኣቦና ዘርኢ ምእንቲ ኸነትርፍ፡ ንስኺ ድማ ኣቲኺ ምስኡ ደቅሲ፡ በለታ።

35 በታ ለይቲ እቲኣ ድማ ነቦኤን ወይኒ ኣስተያኦ፡ እታ ንእሽቶ ኸኣ ከይዳ ምስኡ ደቀሰት። ንሱ ግና ምድቃሳን ምትንስኣን ኣይፈለጠን።

36 ክልቲኤን ደቂ ሎጥ ከኣ ካብ ኣቦኤን ጠነሳ።

37 እታ በዅሪ ወዲ ወለደት፡ ስሙ ኸኣ ሞኣብ ኣውጽኣትሉ። ንሱ ኽሳዕ ሎሚ ኣቦ ሞኣባውያን እዩ።

38 እታ ንእሽቶ፡ ንሳ ድማ ወዲ ወለደት፡ ስሙ ብንዓሚ ኣውጽኣትሉ። ንሱ ኽሳዕ ሎሚ ኣቦ ደቂ ዓሞን እዩ።