ዘፍጥረት 24

1 ኣብርሃም ከኣ ነዊሕ ዕድመ ዝገበረ ኣረጊት ነበረ። እግዚኣብሄር ድማ ንኣብርሃም ብዅሉ ባሪኽዎ ነበረ።

2 ኣብርሃም ከኣ ነቲ ኣረጊት ግዙእ ቤቱ፡ ኣዛዝ ኩሉ ገንዘቡ፡ በጃኻ ኢድካ ኣብ ትሕቲ ሰለፈይ ኣንብር።

3 ካብ ኣዋልድ እዞም ኣነ ኣብ ማእከሎም ዝነብር ዘሎኹ ከነኣናውያን፡ ንወደይ ሰበይቲ ኸይተተኣታትዎ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይን ኣምላኽ ምድርን ኤምሕለካ አሎኹ።

4 ናብ ሃገረይን ናብ ዓሌተይን ኬድካ ደኣ ንወደይ ይስሃቅ ሰበይቲ ኣምጽኣሉ፡ በሎ።

5 እቲ ግዙእ ከኣ፡ ምናልባሽ እታ ሰበይቲ ናብዛ ሃገር ደድሕረይ ክትስዕብ እንተ ዘይፈተወትከ፡ ንወድኻ ናብታ ንስኻ ዝወጻእካላ ሃገርዶ ብግዲ ኽመልሶ እየ፧ በሎ።

6 ኣብርሃም ድማ፡ ንወደይ ናብኣ ኸይትመልሶ ተጠንቀቕ።

7 እቲ ኻብ ቤት ኣቦይን ካብታ እተወለድኩላ ሃገርን ዘውጽኣኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ፡ ንሱ ኸኣ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ክህባ እየ፡ ኢሉ እተዛረበንን፡ ዝመሐለለይን፡ ንሱ መልኣኹ ቀቅድሜኻ ኺልእኽ እዩ እሞ ካብኡ ንወደይ ሰበይቲ ኸተምጽኣሉ ኢኻ።

8 እታ ሰበይቲ ደድሕሬኻ ኽትስዕብ እንተ ዘይፈተወት ግና፡ ንስኻ ኻብዛ ማሕላይ ንጹህ ኢኻ። ሓንትስ ንወደይ ደኣ ናብኡ ኣይትምለሶ፡ በሎ።

9 እቲ ግዙእ ኢዱ ኣብ ትሕቲ ሰለፍ ጐይታኡ ኣብርሃም ኣንበረ፡ ከምዚ ነገርዚ ገይሩ ኸኣ መሓለሉ።

10 እቲ ግዙእ ድማ ካብ ኣግማል ጐይታኡ ዓሰርተ ገመል ወሲዱ፡ ካብ ኵሉ ዘዝጸበቐ ዘበለ ናይ ጐይታኡ ሒዙ ተበገሰ፡ ተንሲኡ ድማ ናብ መሶጶታምያ ናብ ከተማ ናሆር ከደ።

11 ኣጋ ምሸት፡ በታ ማይ ኪቐድሓላ ዚወጻላ ጊዜ ኸኣ ኣብ ወጻኢ ኸተማ ኣብ ጥቓ ዔላ ማይ ነተን ኣግማል ኣብረኸን።

12 በለ ድማ፡ ኣታ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፡ ሎሚ ዀታ ኣገባግበለይ፡ ንጐይታይ ኣብርሃም ከኣ ምሕረት ግበር።

13 እንሆ፡ ኣነ ኣብ ጥቓ እዚ ዓይኒ ማይ ደው ኢለ አሎኹ፡ ኣዋልድ ደቂ እዛ ኸተማ ኸኣ ማይ ኪቐድሓ ይወጻ ኣለዋ።

14 ይኹን ከኣ፡ ማይ ክሰቲ፡ በጃኺ ዕትሮኺ ትሕት ኣብልዮ ዝብላ ጓል፡ ንሳ ኸኣ፡ ስተ፡ ነግማልካውን ከስትየን እየ እትብለኒ፡ ንሳ ንይስሃቅ ባርያኻ ዝመደብካያ ትኹን። ንጐይታይ ምሕረት ከም ዝገበርካሉ ኸኣ በዚ እፈልጥ።

15 ኰነ ኸኣ፡ ገና ዘረባኡ ኸይወድኤ፡ እንሃ፡ ርብቃ፡ ጓል ቤቱኤል ወዲ ሚልካ፡ ሰበይቲ ናሆር ሓዉ ኣብርሃም፡ ዕትሮኣ ኣብ መንኩባ ጾይራ ወጸት።

16 እታ ጓል ድማ ትርኢታ ኣዝያ ውቅብቲ፡ ሰብኣይ ዘይፈለጣ ድንግል ነበረት። ናብቲ ዓይኒ ማይ ወሪዳ ኸኣ ዕትሮኣ መሊኣ ደየበት።

17 እቲ ግዙእ ድማ ጐይዩ ተቓባቢሉ፡ ካብ ዕትሮኺ ኰታ ሒደት ማይ ኣስትይኒ፡ በለ።

18 ንሳ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ስተ፡ ኢላ ቐልጢፋ ዕትሮኣ ናብ ኢዳ ኣውሪዳ ኣስተየቶ።

19 ምስ ኣስተየቶ ድማ፡ ነግማልካውን ክሳዕ ዚኣኽለን ኪሰትያ ክቐድሓለን እየ፡ በለት።

20 ቀልጢፋ ኸኣ ዕትሮኣ ናብ ጋብላ ኣዕሪቓ ማይ ክትቀድሕ መሊሳ ናብ ዔላ ጐየየት፡ ንዅለን ኣግማሉ ኸኣ ቀድሓትለን።

21 እቲ ሰብኣይ ድማ እግዚኣብሄር መገዱ ኣቕኒዑሉ እንተ ዀነ ወይስ እንተዘይኰነ ኺፈልጥ፡ ስቕ ኢሉ ተኵሩ ይጥምታ ነበረ።

22 ኰነ ኸኣ፡ እተን ኣግማል ሰትየን ምስ ኣእከላ፡ እቲ ሰብኣይ ፈረቓ ሲቃል ዝሚዛኑ ቐለቤት ወርቅን ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ኽልተ ኣምባር ወርቂውን ነእዳዋ ኣውጽኤ፡

23 ጓል መን ኢኺ፧ በጃኺ ንገርኒ፡ ኣብ ቤት ኣቦኺኸ እንሓድረሉ ስፍራዶ ይርከብ፧ ድማ በለ።

24 ንሳ ኸኣ፡ ኣነ ጓል ቤቱኤል፡ ወዲ ሚልካ ንናሆር ዝወለደትሉ፡ እየ፡ በለቶ።

25 መሊሳ ኸኣ፡ ብዙሕ ሓሰርን ድርቋን፡ ንመሕደሪ ኸኣ ስፍራ አሎና፡ በለቶ።

26 እቲ ሰብኣይ ድማ ፍግም ኢሉ ንእግዚኣብሄር ሰገደ።

27 በለ ኸኣ፡ እቲ፡ ምሕረቱን እምነቱን ካብ ጐይታይ ዘየቋረጸ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፡ ይባረኽ። እግዚኣብሄር ንኣይ ከኣ ብመገዲ ቤት ኣሕዋት ጐይታይ መርሓኒ።

28 እታ ጓል ከኣ ጐይያ እዚ ነገርዚ ኣብ ቤት ኣዲኣ ነገረት።

29 ርብቃ ድማ ላባን ዝስሙ ሓው ነበራ። ላባን ከኣ ናብቲ ሰብኣይ ኣብ ግዳም ናብቲ ዓይኒ ማይ ጐየየ።

30 ኰነ ኸኣ፡ ነቲ ቀለቤትን ኣምባርን ኣብ ኢድ ሓብቱ ምስ ረኣየ፡ ዘረባ ርብቃ ሓብቱ ድማ፡ እቲ ሰብኣይ ከምዚ ኢሉ ተዛረበኒ፡ ክትብል ምስ ሰምዔ፡ ናብቲ ሰብኣይ መጸ፡ እንሆ ኸኣ፡ ምስተን ኣግማል ኣብ ጥቓ ዔላ ደው ኢሉ ነበረ።

31 ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ብሩኽ፡ ንምንታይ ኣብ ግዳም ደው ትብል፧ ቤት ኣዳልየልካ አሎኹ፡ ነግማልካ ኸኣ ሰፈር፡ እቶ፡ በሎ።

32 ሽዑ እቲ ሰብኣይ ናብ ቤት ኣተወ። ንሱ ድማ ነተን ኣግማል ኣራገፈን፡ ሓሰርን ድርቋን ከኣ ሀበን፡ ንምሕጻብ ኣእጋሩን ኣእጋር እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ማይ ሀቦም።

33 መብልዕ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ተቐረበ፡ ንሱ ግና፡ ጕዳየይ ከይነገርኩስ ኣይበልዕን፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ተዛረብ፡ በለ።

34 ንሱ ድማ በለ፡ ኣነ ግዙእ ኣብርሃም እየ።

35 እግዚኣብሄር ንጐይታይ ኣብዚሑ ባረኾን ኣዕበዮን፡ ኣባጊዕን ኣሓን ብሩርን ወርቅን፡ ገላዉን ኣግራድን ኣግማልን ኣእዱግን ከኣ ሂብዎ አሎ።

36 ሳራ፡ ሰበይቲ ጐይታይ ድማ ምስ ኣረገት፡ ንጐይታይ ወዲ ወለደትሉ፡ ንእኡ ኸኣ ዘለዎ ዅሉ ሂብዎ አሎ።

37 ጐይታይ ድማ ኸምዚ ኢሉ ኣምሓለኒ፡ ካብ ኣዋልድ እዞም ኣነ ኣብ ምድሮም ዝነብር ዘሎኹ ከነኣናውያን፡ ንወደይ ሰበይቲ ኣይተምጽኣሉ።

38 ናብ ቤት ኣቦይን ናብ ዓሌተይን ኬድካ ደኣ፡ ንወደይ ሰበይቲ ኣምጽኣሉ።

39 ሽዑ ኸኣ እነ ንጐይታይ፥ ምናልባሽ እታ ሰበይቲ እንተ ዘይሰዓበትኒኸ፧ በልክዎ።

40 ንሱ ድማ በለኒ፡ እቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ዝማላለስ እግዚኣብሄር መልኣኹ ምሳኻ ሰዲዱ መገድኻ ኬቕንዓልካ እዩ እሞ ንወደይ ካብ ዓሌተይን ካብ ቤት ኣቦይን ሰበይቲ ኸተምጽኣሉ ኢኻ።

41 ናብ ዓሌተይ ምስ መጻእካ ድማ፡ ካብቲ ማሕላይ ክትነጽህ ኢኻ፡ እንተ ዘይሀቡኻ፡ ሽዑ ኻብቲ ማሕላይ ንጹህ ትኸውን ኢኻ።

42 ሎሚ ኸኣ ናብዛ ዓይኒ ማይ መጺኤ በልኩ፡ ኣታ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፡ እዛ ኣነ ዝኸዳ ዘሎኹ መገዲ ተቕንዓለይ እንተ ዄንካስ፡

43 እንሆ፡ ኣነ ኣብ ጥቓ እዛ ዓይኒ ማይ ደው ኢለ አሎኹ፡ ማይ ክትቀድሕ እትወጽእ ጓል፡ ኣነ ኸኣ፡ ካብ ዕትሮኺ ዀታ ሒደት ማይ ኣስትይኒ ዝብላ፡

44 ንሳ ድማ፡ ስተ፡ ነግማልካውን ክቐድሓለን እየ እትብለኒ፡ ንሳ እታ እግዚኣብሄር ንወዲ ጐይታይ ዝመደባ ሰበይቲ ትኹን።

45 ኣነ ብልበይ ምዝራብ ከይወዳእኩ፡ እንሆ ርብቃ፡ ዕትሮኣ ኣብ መንኩባ ጾይራ፡ ወጸት፡ ናብ ዓይኒ ማይ ወሪዳ ድማ ቀድሔት። ኣነ ኸኣ፡ ኣስትይኒ ዀታ፡ በልክዋ።

46 ቀልጢፋ ድማ ዕትሮኣ ኻብ መንኩባ ኣውሪዳ፡ ስተ፡ ነግማልካውን ከስትየን እየ፡ በለት። ኣነ ሰቴኹ፡ ነተን ኣግማል ድማ ኣስተየተን።

47 ኣነ ኸኣ፡ ኣቲ፡ ጓል መን ኢኺ፧ ኢለ ሐተትክዋ። ንሳ ኸኣ፡ ጓል ቤቱኤል ወዲ ናሆር፡ ሚልካ ዝወለደትሉ እየ፡ በለት። ሽዑ ኣነ ቐለቤት ኣብ ኣፍንጫኣ፡ ኣምባር ደኣ ኣብ ኣእዳዋ ገበርኩላ።

48 ፍግም ኢለ ድማ ንእግዚኣብሄር ሰገድኩሉ፡ ጓል ሓው ጐይታይ ንወዱ ኽወስድ ቅንዕቲ መገዲ ዝመርሓኒ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም ኣመስገንኩ።

49 ሕጂ ኸኣ ንጐይታይ ሞገስን እምነትን ትገብሩሉ እንተ ዄንኩም፡ ንገሩኒ። እንተዘይኰነ ድማ፡ ንየማን ወይስ ንጸጋም ክምለስ፡ ንገሩኒ።

50 ሽዑ ላባንን ቤቱኤልን፡ እዚ ነገር እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ዝወጸ እዩ፡ ክፉእ ሓደው ጽቡቕ ክንዛረበካ ኣይንኽእልን።

51 እንሃ፡ ርብቃ ኣብ ቅድሜኻ ኣላ፡ ውሰዳ እሞ ኺድ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ፡ ሰበይቲ ወዲ ጐይታኻ ትኹን፡ ኢሎም መለሱሉ።

52 ኰነ ኸኣ፡ እቲ ግዙእ ኣብርሃም ዘረባኦም ምስ ሰምዔ፡ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።

53 ድሕርዚ እቲ ግዙእ ኣቓሑ ብሩርን ኣቓሑ ወርቅን ክዳውንትን ኣውጺኡ ንርብቃ ሀባ። ንሓዋን ነዲኣን ድማ ክቡር ነገር ሀቦም።

54 ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ከኣ በሊዖም ሰትዮም ኣብኡ ሓደሩ። ንጽብሒቱ ምስ ተንስኡ ኸኣ፡ ናብ ጐይታይ ክምለስ ኣፋንዉኒ፡ በለ።

55 ሓዋን ኣዲኣን ድማ፡ እዛ ጓል ገለ ዓሰርተ መዓልቲ ምሳና ትቐኒ፡ ድሕሪኡ ትኺድ፡ በልዎ።

56 ንሱ ኸኣ፡ ኣይተደናጕዩኒ፡ እግዚኣብሄር መገደይ ኣቕኒዑለይ እዩ፡ ናብ ጐይታይ ክኸይድ ስደዱኒ፡ በሎም።

57 ነታ ጓል ጸዊዕና ኻብ ኣፋ ኽንሐትት፡ ከኣ በሉ።

58 ንርብቃ ጸዊዖም ድማ፡ ምስ እዚ ሰብኣይዚዶ ትኸዲ፧ በልዋ። ንሳ ድማ፡ እኸይድ፡ በለት።

59 ሽዑ ንርብቃ ሓብቶምን፡ ንመጕዚታን ነቲ ግዙእ ኣብርሃምን ንሰቡን ይኺዱ ሓደግዎም።

60 ንሳቶም ንርብቃ፡ ኣቲ ሓብትና፡ ኣሻሕ ኣእላፋት ኩኒ፡ ዘርእኺ ድማ ደገ ጸላእቱ ይውረስ፡ ኢሎም መረቕዋ።

61 ርብቃ ኸኣ ምስ ኣግራዳ ኣብ ኣግማል ተወጢሔን ነቲ ሰብኣይ ሰዓባኦ። እቲ ግዙእ ድማ ንርብቃ ወሰዳ እሞ ኸደ።

62 ይስሃቅ ከኣ ኣብ ምድሪ ደቡብ ተቐሚጡ ነበረ እሞ፡ ካብታ መገዲ ብኤር-ሓላይ-ሮይ ይመጽእ ነበረ።

63 ይስሃቅ ድማ ኣጋ ምሸት ኣብ መሮር ኰይኑ ብሓሳቡ ኼስተንትን ወጺኡ ነበረ። ኣዒንቱ ኸኣ ቋሕ ኣበለ፡ እንሆ፡ ኣግማል ኪመጻ ረኣየ።

64 ርብቃ ድማ ኣዒንታ ቛሕ ኣቢላ፡ ንይስሃቅ ምስ ረኣየቶ፡ ቀልጢፋ ኻብ ገመል ወረደት።

65 ነቲ ግዙእ ድማ፡ እቲ ኣብ መሮር ኪቕበለና ዚመጽእ ዘሎ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧ በለቶ። እቲ ግዙእ ከኣ፡ ንሱ ጐይታይ እዩ፡ በለ። ሽዑ መጐልበቢኣ ወሲዳ ተጐልበበት።

66 እቲ ግዙእ ድማ ዝገበሮ ዅሉ ነገር ንይስሃቅ ኣዘንተወሉ።

67 ይስሃቅ ከኣ ናብ ድንኳን ኣዲኡ ሳራ ኣእተዋ። ንርብቃ ድማ ወሰዳ እሞ ሰበይቱ ዀነት፡ ፈተዋውን። ይስሃቅ ከኣ ድሕሪ ሞት ኣዲኡ ተደበሰ።