ዘፍጥረት 4

1 ኣዳም ድማ ንሰበይቱ ሄዋን ፈለጣ፡ እሞ ጠነሰት፡ ንቃየል ከኣ ወለደት፡ ብረድኤት እግዚኣብሄር ሰብ ተቐበልኩ፡ ድማ በለት።

2 ደጊማውን ንሓው ኣቤል ወለደት። ኣቤል ድማ ጓሳ ኣባጊዕ፡ ቃየል ከኣ ዓያዪ ምድሪ ዀነ።

3 ድሕሪ ገለ ወርሓት ድማ ዀነ፡ ቃየል ካብ ፍረ ምድሪ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣምጽኤ።

4 ኣቤል ከኣ ካብ በዅራት ኣባጊዑን ካብ ስብሔንን ኣምጽኤ። እግዚኣብሄር ድማ ናብ ኣቤልን ናብ መስዋእቱን ባህ ኢልዎ ረኣየ።

5 ናብ ቃየልን ናብ መስዋእቱን ግና ባህ ኢልዎ ኣይረኣየን። ቃየል ከኣ ኣዝዩ ዀረየ፡ ገጹ ድማ ጸለመ።

6 እግዚኣብሄር ከኣ ንቃየል፥ ስለምንታይ ኰሬኻ፧ ስለምንታይከ ገጽካ ጸለመ፧

7 ጽቡቕ እንተ ትገብርሲ፡ ገጽካዶ ትኽ ኣይምበለን፡ ጽቡቕ እንተ ዘይገበርካ ድማ፡ ሓጢኣት ኣብ ኣፍደገ ትቃጸወካ ኣላ፡ ሃረርታኣውን ናባኻ እዩ፡ ግናኸ ንስኻ ክትገዝኣ ይግባኣካ፡ በሎ።

8 ቃየል ድማ ንሓዉ ኣቤል ተዛረቦ። ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መሮር ከለዉ፡ ቃየል ንሓዉ ኣቤል ተንስኦ፡ ቀተሎ ድማ።

9 እግዚኣብሄር ከኣ ንቃየል፥ ኣቤል ሓውካ፡ ኣበይ አሎ፧ በሎ። ንሱ ድማ፥ ኣይፈልጥን፡ ኣነዶ ሓላው ሓወይ እየ፧ በለ።

10 ንሱ ኸኣ፥ እንታይ ጌርካ ኢኻ፧ ድምጺ ደም ሓውካ ኻብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ አሎ።

11 ሕጂ ድማ ንስኻ ካብዛ ንደም ሓውካ ኻብ ኢድካ ኽትቅበል ኣፋ ዝኸፈተት ምድሪ ርጉም ኩን፡

12 ንምድሪ ምስ እትሓርሳ መሊሳ ሓይላ ኣይክትህበካን እያ፡ ኣብ ምድሪ ኰብላልን ቀባሕባሓይን ኩን፡ በለ።

13 ቃየል ከኣ ንእግዚኣብሄር በሎ፡ በደለይ ክጾሮ ዘይክኣለኒ ዓብዪ እዩ።

14 እንሆ፡ ሎሚ ኻብ ገጽ ምድሪ ትሰጐኒ አሎኻ፡ ኣነ ድማ ኻብ ገጽካ ኽሕባእ እየ፡ ኣብ ምድሪ ኰብላልን ቀባሕባሓይን ክኸውን እየ። ክኸውን ከኣ እዩ፡ ዚረኽበኒ ዘበለ ዅሉ ኪቐትለኒ እዩ።

15 እግዚኣብሄር ድማ፥ እምበኣር ንቃየል ዝቐተለ ዅሉ ሾብዓተ ካዕበት ሕነ ኺፍደዮ እዩ፡ በሎ። ዝረኸቦ ዅሉ ምእንቲ ኸይቀትሎ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ንቃየል ምልክት ገበረሉ።

16 ቃየል ድማ ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወጸ፡ ኣብ ምድሪ ኖድ ከኣ፡ ኣብ ምብራቕ ኤድን ተቐመጠ።

17 ቃየል ከኣ ንሰበይቱ ፈለጣ፡ እሞ ጠነሰት፡ ንሄኖክ ድማ ወለደት። ንሱ ኸኣ ከተማ ሰርሔ፡ ስም እታ ኸተማ ድማ ብስም ወዱ ሄኖክ ኣውጽኣላ።

18 ንሄኖክ ከኣ ኢራድ ተወልደሉ። ኢራድ ድማ ንሜሁያኤል ወለደ። ሜሁያኤል ከኣ ንሜቱሳኤል ወለደ። ሜቱሳኤል ድማ ንላሜክ ወለደ።

19 ላሜክ ክልተ ኣንስቲ ኣእተወ፡ ስም እታ ሓንቲ ዓዳ፡ ስም እታ ኻልኣይቲ ድማ ጺላ ነበረ።

20 ዓዳ ንያባል ወለደት። ንሱ ኣቦ እቶም ኣብ ድንኳውንቲ ዚነብሩን ማሎም ዚጓስዩን ኰነ።

21 ስም ሓዉ ኸኣ ዮባል እዩ። ንሱ ኸኣ ኣቦ ዅሎም እቶም ወቓዕቲ መሰንቆን በገናን ኰነ።

22 ጺላ ድማ ንቱባል-ቃይን ወለደት። ንሱ ኸኣ ካብ ኣስራዝን ሓጺንን ኵሉ ዓይነት መቕረጺ ይሰርሕ ነበረ። ሓውቲ ቱባል-ቃይን ድማ ናዕማ እያ።

23 ላሜክ ድማ ነንስቱ በለን፥ ዓዳን ጺላን፡ ቃለይ ስምዓ፡ ኣትን ኣንስቲ ላሜክ፡ ናብ ዘረባይ ጽን በላ፡ ስለ ቝስለይ ሰብኣይ፡ ስለ ስምብራተይ ድማ ጐበዝ ቀተልኩ።

24 ንቃየል ሾብዓተ ኻዕበት ሕነ እንተ ዝፈድዮስ፡ ንላሜክ ከኣ ሰብዓን ሾብዓተን ካዕበት።

25 ኣዳም መሊሱ ንሰበይቱ ፈለጣ። ንሳ ኸኣ ወዲ ወለደት፡ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ እቲ ቃየል ዝቐተሎ ኣቤል ካልእ ፍረ ኸርሲ ተኪኡኒ እዩ፡ ኢላ ስሙ ሴት ኣውጽኣትሉ።

26 ንሴት ድማ ወዲ ተወልደሉ። ስሙ ኸኣ ሄኖስ ኣውጽኣሉ። ሽዑ ሰብ ብስም እግዚኣብሄር ኪምህለሉ ጀመሩ።