ዘፍጥረት 49

1 ያእቆብ ንደቁ ጸዊዑ፤ በተን ዳሕሮት መዓልታት ዚረኽበኩም ክነግረኩምሲ፡ ተኣከቡ፡ በሎም።

2 ኣቱም ደቂ ያእቆብ፡ ተኣከቡ እሞ ስምዑ። ነቦኹም እስራኤል ከኣ ጽን በሉ።

3 ሮቤል ንስኻ በኹረይ ኢኻ፡ ሓይለይን ቀዳማይ ጽንዓተይን፡ ብኽብረት ብሉጽ፡ ብስልጣን ከኣ ብሉጽ።

4 ከም ፍሉሕ ማይ ገንፈልካ። ናብ መደቀስ ኣቦኻ ደየብካ፡ ሽዑ ኣርኪስካዮ ኢኻ እሞ፡ ብልጫ ኣይትረክብን። ናብ ዓራተይ ደየበ።

5 ስምኦንን ሌውን ኣሕዋት እዮም። ኣስያፎም ኣጽዋር ዓመጻ እዩ፡

6 ብቝጥዓኦም ሰብኡት ቀተሉ፡ ብዅራኦም ድማ በረዀዳ ኣብዑር ቈሪጾም እዮም እሞ፡ ነፍሰይ ናብ ምኽሮም ኣይትእቶ፡ ክብረይ ከኣ ኣብ ኣኼባኦም ኣይትሕበር።

7 እቲ ኹራኦም ብርቱዕ፡ ነድሮም ከኣ ጨካን ነበረ እሞ፡ ርጉም ይኹን። ኣብ ያእቆብ ክመቓቕሎም፡ ኣብ እስራኤል ድማ ፋሕ ከብሎም እየ።

8 ኣታ ይሁዳ፡ ኣሕዋትካ ኼመስግኑኻ እዮም፡ ኢድካ ኣብ ክሳድ ጸላእትኻ ኽትከውን እያ፡ ደቂ ኣቦኻ ኺሰግዱልካ እዮም።

9 ይሁዳ ሽደን ኣንበሳ እዩ። ወደይ፡ ካብ ምርኮ ደየብካ። ከም ኣንበሳ ተዀርምዩ ደቀሰ፡ ከም ኣንስተይቲ ኣንበሳ እኳ ደኣ፡ መን የተንስኦ፧

10 ሺሎ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ካብ ይሁዳ በትሪ፡ ዘንጊ ገዛኢ ኸኣ ካብ ማእከል ኣእጋሩ ኣይዝምብልን። ህዝብታት ይእዘዝዎ።

11 ንገልገሉ ኣብ ጉንዲ ወይኒ፡ ንዒሉ እታ ኣድጉ ኸኣ ኣብ ብሉጽ ጨንፈር ወይኒ ይኣስር። ክዳውንቱ ብወይኒ፡ ነጸላኡ ድማ ብደም ዘቢብ ይሕጸብ።

12 ኣዒንቱ ብወይኒ ኪቔሓ፡ ኣስናኑ ኸኣ ብጸባ ኺጽዕድዋ እየን።

13 ዛብሎን ኣብ ገምገም ባሕሪ፡ ንሱ ድማ ኣብቲ መዕረፍ መራኽብ ይነብር፡ ጐድኑ ኸኣ ኣብ ሲዶን ይጽጋዕ።

14 ይሳኮር ሓያል ኣድጊ እዩ፡ ኣብ መንጎ ደምቤታት ማል ይድቅስ።

15 እታ መዕረፊት ጽብቕቲ፡ እታ ምድሪ ድማ ልምዕቲ ኸም ዝዀነት ረኣየ። እሞ መንኲቡ ንምስካም ኣትሓተ፡ ጻዕራይ ግዙእ ድማ ዀነ።

16 ዳን ከም ሓደ ኻብ ነገዳት እስራኤል ኰይኑ፡ ንህዝቡ ኺዳኒ እዩ።

17 ዳን ኣብ መገዲ ተመን፡ ኣብ ጓል መገዲ ድማ ቀራን ተመን ኪኸውን እዩ። ንፈረስ ሾዀናኡ ይነኽሶ፡ ንፈረሰኛ ኸኣ ንድሕሪት የውድቖ።

18 ዎ እግዚኣብሄር፡ ንምድሓንካ ይጽበ ኣሎኹ።

19 ንጋድ ጭፍራታት ኬጨንቕዎ እዮም፡ ንሱ ግና እግር እግሮም ኬጨንቖም እዩ።

20 ካብ ኣሴር ስብሒ እንጌራኡ ይመጽእ፡ ንሱ ድማ ጣዕሚ ነገስታት ይህብ።

21 ንፍታሌም እተፈነወት እራብ፡ ጥዑም ቃል ዚህብ እዩ።

22 ዮሴፍ ፈራዪት ጨንፈር፡ ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ዘላ ፈራዪት ጨንፈር እዩ። ጨናፍሩ ኣብ ልዕሊ መካበብያ ይዝርግሕ።

23 ቀስተኛታት ኣነዓብዎ፡ ፍላጻ ወርዊሮም ድማ ሰጐጒዎ።

24 ቀስቱ ግና ጸኒዑ ይነብር፡ ቀላጽም ኣእዳዉ ድማ በእዳው እቲ ናይ ያእቆብ ሓያል፡ በቲ ሓላውን ከውሒ እስራኤልን ጸንዓ።

25 በቲ ዝረድኣካ ኣምላኽ ኣቦኻ፡ በቲ ዝባርኸካ ዂሉ ዚኽእል፡ ካብ ላዕሊ በረኸት ሰማይ፡ ካብቲ ኣብ ታሕቲ ተዘርጊሑ ዘሎ ዓሚቚ ድማ በረኸት፡ ካብ ኣጥባትን ካብ ማሕጸንን ከኣ በረኸት።

26 ካብ በረኸት ኣቦሓጎታተይ በረኸት ኣቦኻ ይዐዝዝ። ክሳዕ ናብ ወሰን እቶም ኲርባታት ዘለኣለም ይበጽሕ። ንሱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ዮሴፍ፡ ኣብ ናላ እቲ መስፍን ኣሕዋቱ ኪኸውን እዩ።

27 ብንያም ዘራፊ ተዂላ እዩ። ንግሆ ዚዘረፎ ይበልዕ፡ ምሸት ከኣ ዝማረኾ ይመቅል።

28 እዚኣቶም ኲላቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል እዮም። እቲ ኣቦኦም እተዛረቦምን ዝመረቖምን ከኣ እዚ እዩ። ንነፍሲ ወከፍ ከከም ምርቓኡ መረቖም።

29-30 ከምዚ ኢሉ ድማ ኣዘዞም፤ ኣነ ናብ ህዝበይ ክእከብ እየ። ኣብታ ኣብ ግራት ዔፍሮን ሔታዊ ዘላ በዓቲ ኸኣ ኣብታ ኣብ ግራት ማክጴላ፡ ኣብ መንጽር መምሬ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዘላ፡ ኣብርሃም ንመቓብር ርስቲ ኽትከዉን ካብ ዔፍሮን ሔታዊ ምስታ ግራት እተሻየጣ በዓቲ፡ ምስ ኣቦታተይ ቅበሩኒ።

31 ንኣብርሃምን ንሳራ ሰበይቱን ኣብኣ ቐበርዎም፡ ንይስሃቅን ንሰበይቱ ርብቃን ከኣ ኣብኣ ቐበርዎም፡ ኣነ ድማ ንልያ ኣብኣ ቐበርክዋ።

32 እታ ግራትን ኣብኣ ዘላ በዓትን ካብ ደቂ ሔት ተዐደገት።

33 ያእቆብ ንደቁ እዚ ኣዚዙ ምስ ወድኤ፡ ኣእጋሩ ናብ ዓራት ኣከበ፡ ነፍሱ ድማ ወጸት፡ ናብ ህዝቡውን ተኣከበ።