ዘፍጥረት 20

1 ኣብርሃም ድማ ካብኡ ንምድሪ ደቡብ ኣቢሉ ተጓዕዘ። ኣብ መንጎ ቃዴስን ሹርን ተቐመጠ፡ ኣብ ጌራር ከኣ ስደተኛ ዀይኑ ነበረ።

2 ኣብርሃም ድማ ብዛዕባ ሰበይቱ ሳራ፡ ሓብተይ እያ፡ በለ። ኣቢሜለክ፡ ንጉስ ጌራር ከኣ፡ ልኢኹ ንሳራ ወሰዳ።

3 ኣምላኽ ግና ናብ ኣቢሜለክ ለይቲ ብሕልሚ መጺኡ፡ እዛ ወሲድካያ ዘሎኻ ሰበይቲ በዓልቲ ሰብኣይ እያ እሞ፡ እንሆ፡ ብሰራ ኽትመውት ኢኻ፡ በሎ።

4 ኣቢሜለክ ከኣ ኣይቀረባን ነበረ እሞ፥ ጐይታይ፡ ንጻድቕ ህዝቢውንዶ ትቐትል ኢኻ፧

5 ባዕሉዶ ኣይኮነን፡ ንሳ ሓብተይ እያ፡ ዝበለኒ፧ ንሳ ባዕላ ድማ፡ ንሱ ሓወይ እዩ፡ በለት። ብጽጹይ ልበይን ብጽሩይ ኢደይን እየ ነዚ ዝገበርኩ፡ በለ።

6 ኣምላኽ ከኣ ብሕልሚ፡ ኣነውን እዚ ብጽጹይ ልብኻ ከም ዝገበርካዮ፡ ፈሊጠ፡ ኣነ ድማ ኣብ ቅድመይ ሓጢኣት ከይትገብር ከልከልኩኻ። ስለዚ ኽትትንክያ ኣይፈቐድኩልካን።

7 ሕጂ ኸኣ ሰበይቲ እቲ ሰብኣይ ምለሳ። ነብዪ እዩ እሞ፡ ምእንቲ ኽትድሕን ከኣ ንሱ ይጸልየልካ። እንተ ዘይመለስካያ ግና፡ ንስኻን ናትካ ዘበለ ዅሉን ብርግጽ ከም እትመውት ፍለጥ፡ በሎ።

8 ኣቢሜለክ ንጽብሒቱ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ንዅሎም ገላውኡ ጸዊዑ እዚ ነገርዚ ዅሉ ኣዘንተወሎም። እቶም ሰባት ከኣ ኣዝዮም ፈርሁ።

9 ኣቢሜለክ ከኣ ንኣብርሃም ጸዊዑ፡ እዚ ዝገበርካና እንታይ እዩ፧ ኣባይን ኣብ መንግስተይን ዓብዪ ሓጢኣት ዘምጻእካልና፡ እንታይ በዲለካ ነይረ እየ፧ ዘይግበር ግብሪ እንካ ደኣ ገበርካኒ፡ በሎ።

10 ኣቢሜለክ ድማ ንኣብርሃም፡ እንታይ ተራእዩካ ኢኻ እዚ ነገርዚ ዝገበርካ፧ በሎ።

11 ኣብርሃም ከኣ፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ብርግጽ ፍርሃት ኣምላኽ የልቦን እሞ፡ ብምኽንያት ሰበይተይ ኪቐትሉኒ እዮም፡ ኢለ እየ።

12 ንሳ ድማ ብሓቂ ሓብተይ፡ ጓል ኣቦይ፡ እያ፡ ጓል ኣደይ ግና ኣይኰነትን፡ ሰበይተይ ከኣ ዀነት።

13 ኰነ ድማ፡ ኣምላኽ ካብ ቤት ኣቦይ ምስ ኣውጽኣኒ፥ ኣብ ኵሉ ዝኣቶናዮ ቦታ ብዛዕባይ፥ ንሱ ሓወይ እዩ፡ ክትብሊ፡ እዚ እዩ እተርእይኒ ሞገስኪ፡ በልክዋ፡ በለ።

14 ኣቢሜለክ ኣባጊዕን ኣሓን ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ወሲዱ ኸኣ ንኣብርሃም ሀቦ። ሰበይቱ ሳራ ድማ መለሰሉ።

15 ኣቢሜለክ ከኣ፥ እንሆ ምድረይ ኣብ ቅድሜኻ እያ፡ ኣብ ዝሓይሽ መሲሉ እተራእየካ ተቐመጥ፡ በለ።

16 ንሳራ ድማ፡ እንሆ፡ ንሓውኪ ሽሕ ሲቃል ብሩር ሂበዮ አሎኹ። እንሆ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኺ ዘለዉ ዅሎም መጐልበቢ ዓይኒ ይኹንኪ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉውን ተሰይምኪ፡ በላ።

17-18 እግዚኣብሄር ብምኽንያት ሳራ፡ ሰበይቲ ኣብርሃም፡ ኢሉ ኣብ ቤት ኣቢሜለክ ንዝነበረ ዅሉ ማህጸን ፈጺሙ ዐጽይዎ ነበረ እሞ፡ ኣብርሃም ድማ ንኣምላኽ ለመነ። ኣምላኽውን ንኣቢሜለክን ንሰበይቱን ኣግራዱን ኣሕወየ፡ ወለዱ ኸኣ።