ዘፍጥረት 47

1 ዮሴፍ ድማ ኣትዩ ንፈርኦን፡ ኣቦይን ኣሕዋተይን ምስ ኣባጊዖምን ኣሓኦምን ኲሉ ዘለዎምን ካብ ምድሪ ከንኣን ወጺኦም፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ጎሼን ኣለዉ፡ ኢሉ ነገሮ።

2 ካብቶም ኣሕዋቱ ድማ ሓሙሽተ ሰብኣይ ወሲዱ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ኣብጽሖም።

3 ፈርኦን ከኣ ነሕዋቱ፡ ተግባርኩም እንታይ እዩ፧ በሎም። ንፈርኦን ድማ፤ ገላዉኻ፡ ንሕናን ኣቦታትናን ጓሶት ኣባጊዕ ኢና፡ በልዎ።

4 ንፈርኦን ከኣ፡ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ጥሜት ኣዝዩ በርቲዑ እዩ እሞ፡ ኣባጊዕ ገላዉኻ ዝጓሰያሉ ድማ የልቦን እሞ፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ብስደት መጺእና ኣሎና፡ ሕጂ ኸኣ ገላዉኻ ኣብ ምድሪ ጎሼን ኪቕመጡ ንልምነካ ኣሎና፡ በልዎ።

5 ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ፤ ኣቦኻን ኣሕዋትካን መጺኦምኻ።

6 ምድሪ ግብጺ ኣብ ቅድሜኻ እያ። ነቦኻን ኣሕዋትካን ከኣ ኣብዛ ምድሪ ኣብ ዝበለጸ ኣቐምጦም፡ ኣብ ምድሪ ጎሼን ይቀመጡ። ካባታቶም ከኣልቲ ሰባት እትፈልጦም እንተሎካ፡ ኣብ ማለይ ዋናታት ግበሮም፡ ኢሉ ተዛረቦ።

7 ዮሴፍ ከኣ ነቡኡ ያእቆብ ኣምጺኡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ደው ኣበሎ፡ ያእቆብ ድማ ንፈርኦን መረቖ።

8 ፈርኦን ከኣ ንያእቆብ፤ ዘበን ህይወትካ ኽንደይ ዓመታት እዩ፧ በሎ።

9 ያእቆብ ድማ ንፈርኦን፡ ዓመታት ዘበን ስደተይ ሚእትን ሰላሳን ዓመት እየን። ዓመታት ዘበን ህይወተይ ሒደትን ክፉኣትን እየን። ክንዲ እቲ ዓመታት ዘበን ህይወት ኣቦታተይ ብዘበን ስደቶም ኣይኣኽላን፡ በሎ።

10 ያእቆብ ድማ ንፈርኦን መሪቑ ኻብ ቅድሚ ፈርኦን ወጸ።

11 ዮሴፍ ከኣ ነቦኡን ነሕዋቱን ኣስፈሮም፡ ከምቲ ፈርኦን ዝኣዘዞ ኣብ ሃገር ግብጺ ኣብታ ዝበለጸት ምድሪ፡ ኣብ ምድሪ ራዕምሴስ ርስቲ ሀቦም።

12 ዮሴፍ ድማ ነቦኡን ነሕዋቱን ንዂሉ ቤት ኣቦኡን ሐለየ፡ ከከም ብዝሒ ቔልዑኦም እናገበረ ይምግቦም ነበረ።

13 እቲ ጥሜት ኣዝዩ ስለ ዝበርትዔ ድማ፡ ኣብ ኲላ ምድሪ እንጌራ ኣይነበረን። ምድሪ ግብጽን ምድሪ ኸነኣንን ከኣ ብምኽንያት ጥሜት ቃህመማ።

14 ዮሴፍ ድማ በቲ ዝሸመትዎ እኽሊ ኣብ ምድሪ ግብጽን ኣብ ምድሪ ኸነኣንን እተረኽበ ዂሉ ገንዘብ ኣከበ። ዮሴፍ ከኣ ነቲ ገንዘብ ናብ ቤት ፈርኦን ኣእተዎ።

15 ኣብ ምድሪ ግብጽን ኣብ ምድሪ ኸነኣንን ገንዘብ ምስ ተወድኤ ድማ፡ ኲሎም ግብጻውያን ናብ ዮሴፍ መጺኦም፡ ስለምንታይ ኣብ ቅድሜኻ እንመውት፧ ገንዘብ ተወዲኡ እዩ እሞ፡ እንጌራ ሀበና፡ በልዎ።

16 ዮሴፍ ከኣ፡ ገንዘብ እንተ ተወዲኡስ፡ ማልኩም ኣምጽኡ፡ ኣብ ክንዲ ማልኩም ክህበኩም፡ በለ።

17 ማሎም ከኣ ናብ ዮሴፍ ኣምጽኡ። ዮሴፍ ድማ ኣብ ክንዲ ኣፍራስን ኣብ ክንዲ መጓሰ ኣባጊዕን ኣብ ክንዲ መጋርያ ኣሓን ኣብ ክንዲ ኣእዱግን እንጌራ ሀቦም። በታ ዓመት እቲኣ ኣብ ክንዲ ዂለን ማሎም እንጌራ መገቦም።

18 እታ ዓመት እቲኣ ምስ መልኤት ከኣ፡ በታ ኻልአይቲ ዓመት ናብኡ መጺኦም፡ ገንዘብ ከም እተወድኤ፡ ንጐይታ ኣይንሐብኣሉን፡ እተን መጓሴታት ማል ድማ ምስ ጐይታይ ኣለዋ። ብጀካ ነፍስናን ምድርናን ኣብ ቅድሚ ጐይታይ ገለኳ ኣይተረፈን።

19 ከመይ ንሕናን ምድርናን ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ እንመውት፧ ንኣናን ንምድርናን ብእንጌራ ተሻየጠና። ንሕናን ምድርናን ድማ ባሮት ፈርኦን ንኹን። ምእንቲ ኽንነብር እምበር፡ ከይንመውት፡ እታ ሃገር ከኣ ኸይትባድምሲ፡ ዘርኢ ሀበና፡ በልዎ።

20 ግብጻውያን፡ ጥሜት ስለ ዝበርትዖም ከኣ፡ ነፍሲ ወከፎም ገግራቶም ሸጡ እሞ፡ ዮሴፍ ኲላ ምድሪ ግብጺ ንፈርኦን ክትከውን ተሻየጣ፡ እታ ምድሪ ድማ ናይ ፈርኦን ኰነት።

21 ነቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ካብታ ሓንቲ ወሰን ዶብ ግብጺ ኽሳዕ እታ ኻልአይቲ ወሰና፡ ናብ ከተማታት ኣግዐዞ።

22 እቶም ካህናት ካብ ፈርኦን ምዱብ ግደ ነበሮም እሞ፡ እቲ ፈርኦን ዝሀቦም ግደ ስለ እተመገቡ፡ ምድሮም ኣይሸጡን፡ ስለዚ ንምድሪ ኻህናት ጥራይ ኣይተሻየጣን።

23 ዮሴፍ ከኣ ንህዝቢ፡ እንሆ፡ ሎሚ ንኣኻትኩምን ንምድርኹምን ንፈርኦን ተሻይጠኩም እየ። እንሆልኩም ከኣ ዘርኢ፡ ነታ ምድሪ ዝርእዋ።

24 ኪኸውን ድማ እዩ፡ ብጊዜ እቶቱ ሕምሻ ንፈርኦን ክትህቡ ኢኹም፡ ኣርባዕተ ኣፍ ከኣ ንኣኻትኩም። ንሱ ንዘርኢ ግራትን ንቐለብኩምን ኣብ ቤትኩም ንዘለዉን ንቐለብ ቈለውዕኩምን ኪኸውን እዩ፡ በሎም።

25 ንሳቶም ድማ፡ ንስኻ ኣድሐንካና፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታይ ደኣ ሞገስ ንርከብ እምበር፡ ባሮት ፈርኦን ንኸውን፡ በሉ።

26 ዮሴፍ ከኣ ነዚ፡ ብዛዕባ ምድሪ ግብጺ ሕምሻ ንፈርኦን ኪኸውን፡ ክሳዕ ሎሚ ዘሎ ሕጊ ኣቘመ። ምድሪ ኻህናት በይና ጥራይ ንፈርኦን ኣይኰነትን።

27 እስራኤል ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኣብ ሃገር ጎሼን ተቐመጠ። ኣብኣ ኸኣ ተረስተዩ፡ ፈረዩ፡ ኣዝዮም ድማ በዝሑ።

28 ያእቆብ ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ዓሰርተው ሾብዓተ ዓመት ገበረ። ዕድመ ያእቆብ፡ ዘበን ህይወቱ ድማ ሚእትን ኣርብዓን ሾብዓተን ዓመት ኰነ።

29 እስራኤል ከኣ ኺመውት መዓልቱ ቐረበት። ንዮሴፍ ወዱ ጸዊዑ ድማ፡ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ ኢድካ ናብ ትሕቲ ሰለፈይ ኣእቱ እሞ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኸይትቐብረኒ፡ በጃኻ ምሕረትን እምነትን ግበረለይ።

30 ምስ ኣቦታተይ ምስ ዝድቅስ ግና፡ ካብ ግብጺ ተሰኪምካ ኣብ መቓብሮም ቅበረኒ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ ኸም ዘረባኻ እገብር፡ በለ።

31 ምሐለለይ፡ በለ። መሐለሉ ድማ። እስራኤል ከኣ ኣብ ትርኣስ ዓራቱ ሰገደ።