ዘፍጥረት 21

1 እግዚኣብሄር ድማ፡ ከምቲ ዝበሎ ንሳራ በጽሓ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሳራ ኸምቲ እተዛረቦ ገበረላ።

2 ሳራ ድማ ጠነሰት፡ በቲ ኣምላኽ እተዛረቦ ምዱብ ወርሓት ከኣ ንኣብርሃም ኣብ እርግናኡ ወዲ ወለደትሉ።

3 ኣብርሃም ድማ ነቲ እተወልደሉ ወዱ፡ ሳራ ዝወለደትሉ፡ ስሙ ይስሃቅ ኣውጽኣሉ።

4 ኣብርሃም ከኣ ንይስሃቅ ወዱ፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ፡ ወዲ ሾሞንተ መዓልቲ ምስ ኰነ፡ ገዘሮ።

5 ኣብርሃም ድማ ወዱ ይስሃቅ ኪውለደሉ ኸሎ፡ ወዲ ሚእቲ ዓመት ኰይኑ ነበረ።

6 ሳራ ኸኣ፡ ኣምላኽ ሰሓቕ ገበረለይ፡ እዚ ዝሰምዔ ዘበለ ኹሉ ኸኣ ምሳይ ይስሕቕ፡ በለት።

7 ኣብ እርግናኡ ወዲ ወሊደሉ እየ እሞ፡ ሳራ ቘልዓ ተጥቡ ኸም ዘላስ፡ ንኣብርሃም መን ምነገሮ፡ ድማ በለት።

8 እቲ ቘልዓ ኸኣ ዐበየ፡ ጡብውን ሓደገ። በታ ይስሃቅ ጡብ ዝሓደገላ መዓልቲ ድማ ኣብርሃም ዓብዪ ምሳሕ ገበረ።

9 ሳራ ድማ እቲ ኣጋር፡ ግብጻዊት፡ ንኣብርሃም ዝወለደትሉ ወዲ ኼላግጽ ረአየት።

10 ንኣብርሃም ድማ፡ ወዲ እዛ ባርያ እዚኣ ምስ ወደይ፡ ምስ ይስሃቅ፡ ኣይወርስን እዩ እሞ፡ ነዛ ባርያ እዚኣን ንወዳን ኣውጽኣዮም፡ በለቶ።

11 እዚ ነገርዚ ኸኣ ንኣብርሃም ብምኽንያት ወዱ ኣዝዩ ኽፉእ ኰይኑ ተራእዩ።

12 ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም፡ ብናይ እዚ ወድን ብናይ እዛ ባርያኻን ክፉእ ኰይኑ ኣይርኤኻ። ብይስሃቅ እዩ ዘርኢ ዚጽውዓልካ እሞ፡ ብዅሉ ሳራ እትብለካ ዘላ ቓላ ስማዕ።

13 ንወዲ እዛ ባርያ ድማ፡ ዘርእኻ ስለ ዝዀነ፡ ህዝቢ ኽገብሮ እየ፡ በሎ።

14 ንጽብሒቱ ኸኣ ኣብርሃም ኣንጊሁ ተንሲኡ እንጌራን ሓርቢ ማይን ወሲዱ፡ ንኣጋር ሀባ፡ ኣብ መንኩባ ድማ ኣሰከማ፡ እቲ ቘልዓውን ሂቡ ሰደዳ። ንሳ ኸኣ ኸይዳ፡ ኣብ በረኻ ብኤር-ሸባዕ ኰብለል ትብል ነበረት።

15 እቲ ማይ ካብ ሓርቢ ተወድኤ ኸኣ፡ እቲ ቘልዓ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኦም ይውደቕ ሐደገቶ።

16 ሞት እዚ ቘልዓ ኸይርኢ፡ ኢላ ድማ ኸደት እሞ ምውርዋር ቀስቲ ዚአክል ርሒቓ ኣብ መንጽሩ ተቐመጠት።ኣብ መንጽሩ ተቐሚጣ ድማ ዓው ኢላ በኸየት።

17 ኣምላኽ ከኣ ድምጺ እቲ ቘልዓ ሰምዔ። መልኣኽ ኣምላኽ ድማ ንኣጋር ካብ ሰማይ ጸዊዑ፡ ኣጋር፡ እንታይ ኴንኪ ኢኺ፧ ኣምላኽ ድምጺ እቲ ቘልዓ ኣብታ ዘለዋ ኸሎ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፡ ኣይትፍርሂ።

18 ነቲ ቘልዓ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብሮ እየ እሞ፡ ተንስኢ፡ ኣልዒልኪ ብኢድኪ ደግፍዮ፡ በላ።

19 ኣምላኽ ድማ ዓይና ኸፈተላ፡ ዔላ ማይ ከኣ ረኣየት። ከይዳ ኸኣ ሓርባ ማይ መሊኣ ነቲ ቘልዓ ኣስተየቶ።

20 ኣምላኽ ድማ ምስቲ ቘልዓ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ ዓበየ፡ ኣብ በረኻውን ተቐመጠ፡ ቀስተኛ ኸኣ ዀነ።

21 ንሱ ኣብ በረኻ ጳራን ይቕመጥ ነበረ። ኣዲኡ ድማ ካብ ሃገር ግብጺ ሰበይቲ ኣምጽኣትሉ።

22 ኰነ ኸኣ፡ በቲ ዘበን እቲ ኣቢሜለክ ምስ ፊኮል ሓለቓ ሰራዊቱ መጺኡ ንኣብርሃም ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ኣምላኽ ብትገብሮ ዘበለ ኵሉ ምሳኻ እዩ።

23 ሕጂ ኸኣ ከምቲ ኣነ ለውሃት ዝገበርኩልካ፡ ንኣይን ነዛ ስደተኛ ዄንካ እትነብራ ዘሎኻ ምድርን፡ ከምኡ ኽትገብር እምበር፡ ንኣይን ንደቀይን ንደቂ ደቀይን ከይትጠልም ብኣምላኽ መሓለለይ።

24 ኣብርሃም ከኣ፡ ኣነ እምሕል በለ።

25 ኣብርሃም ድማ ብዛዕባ ባሮት ኣቢሜለክ ብሓይሊ ዝሓዝዋ ዔላ ማይ ንኣቢሜለክ ወቐሶ።

26 ኣቢሜለክ ከኣ፥ ነዚ ነገር እዝስ መን ከም ዝገበሮ ኣይፈለጥኩን፡ ንስኻ ድማ ኣይነገርካንን፡ ኣነውን ብዘይሎሚ ኣይሰማዕኩን፡ በለ።

27 ኣብርሃም ድማ ኣባጊዕን ኣብዑርን ወሲዱ ንኣቢሜለክ ሀቦ። ክልቲኦም ከኣ ኪዳን ተኣታተዉ።

28 ኣብርሃም ድማ ካብ መጋርያኡ ሾብዓተ ሽበን ንበይነን ፈለየ።

29 ኣቢሜለክ ከኣ ንኣብርሃም፡ እዘን ንበይነን ዝፈሌኻየን ሾብዓተ ሽበን እንታይ እየን፧ በሎ።

30 ንሱ ድማ፡ ነዛ ዔላ እዚኣ ኣነ ኸም ዝዀዓትክዋ፡ ምእንቲ ንኣይ ምስክር ኪዀናኒ፡ እዘን ሾብዓተ ሽበን እዚኤን ካብ ኢደይ ክትወስድ፡ በለ።

31 ስለዚ ኽልቲኦም ኣብኣ ስለ እተማሓሐሉ፡ ነታ ቦታ እቲኣ ብኤር-ሸባዕ ኢሉ ኣውጽኣላ።

32 ኣብ ብኤር-ሸባዕ ከኣ ኪዳን ተኣታተዉ፡ ኣቢሜለክ ድማ ተንሲኡ ምስ ፊኮል፡ ሓለቓ ሰራዊቱ፡ ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ተመልሱ።

33 ኣብርሃም ከኣ ኣብ ብኤር-ሸባዕ ተምሪ ተኸለ። ኣብኣውን ብስም እግዚኣብሄር፡ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ፡ ተማህለለ።

34 ኣብርሃም ድማ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ስደተኛ ዀይኑ ነዊሕ ዘበን ተቐመጠ።