ዘፍጥረት 43

1 እቲ ጥሜት ከኣ ኣብታ ሃገር በርትዔ።

2 ኰነ ድማ፡ እቲ ኻብ ግብጺ ዘምጽእዎ እኽሊ በሊዖም ምስ ወድኡ፡ ኣቦኦም፡ ተመሊስኩም ሒደት እኽሊ ሸምቱልና፡ በሎም።

3 ይሁዳ ኸኣ፡ እቲ ሰብኣይ ኣሕሚሙ፡ ሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘየሎ፡ ገጸይ ኣይትርእዩን ኢኹም፡ በለና።

4 ንሓውና ምሳና ትሰዶ እንተ ዄንካ፡ ወሪድና እኽሊ ኽንሽምተልካ ኢና።

5 ዘይትሰዶ እንተ ዄንካ ግና፡ እቲ ሰብኣይ፡ ሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘየሎ፡ ገጸይ ኣይትርእዩን ኢኹም፡ ኢሉና እዩ እሞ፡ ኣይንወርድን ኢና፡ በሎ።

6 እስራኤል ከኣ፥ ስለምንታይ ነቲ ሰብኣይ ገና ሓደ ሓው ኣሎና ኢልኩም ብምንጋርኩም ኣኽፋእኩምለይ፧ በለ።

7 ንሳቶም ድማ፡ እቲ ሰብኣይ ብዛዕባናን ብዛዕባ ወለዶናን፡ ኣቦኹም ገናዶ ብህይወቱ አሎ፧ ካልእ ሓውከ አሎኩምዶ፧ ኢሉ ኣጸቢቑ ሓተተና። ንሕና ኸኣ ከምቲ ዘረባኡ ነገርናዮ። ንሓውኩም ኣውርድዎ ኸምዚብለናዶ ፈሊጥና ኔርና፧ በሉ።

8 ይሁዳ ድማ ነቦኡ እስራኤል፡ ንሕናን ንስኻን ሕጻናትናን ክንነብር እምበር፡ ከይንመውት፡ ተንሲእና ኽንከይድሲ፡ ነዚ መንእሰይ ምሳይ ስደዶ።

9 ኣነ እውሐሶ፡ ካብ ኢደይ ድለዮ። ናባኻ ኣምጺኤ ኣብ ቅድሜኻ ደው እንተ ዘየበልክዎ፡ ብዅሉ ዘበን ንኣኻ ሓጢኣት ከም ዝገበርኩ እኹን።

10 ክሳዕ ሕጂ እንተ ዘይንድንጕስ፡ ኤረ ኻልኣይ እዋን እኳ ተመሊስና ምሀሎና ኔርና፡ በሎ።

11 ሽዑ ኣቦኦም እስራኤል፥ እዚ እንተ ደኣ ዀይኑስ፡ ከምዚ ግበሩ፡ ካብ ፍረ እዛ ምድሪ ጸጽቡቑ ኣብ ዓያብትኹም ውሰዱ፡ ነቲ ሰብኣይ ዚኸውን ገጽ በረኸት፡ ሒደት ቀመም፡ ሒደት መዓር፡ ሽቱን ከርበን ካዕካዕን ለውዝን ተማልኡሉ።

12 ገንዘብ ድማ ካዕበት ጌርኩም ኣብ ኢድኩም ውሰዱ፡ እቲ ኣብ ኣፍ ዓያብትኹም እተመልሰ ገንዘብ ከኣ፡ ምናልባሽ ናይ ጌጋ ኸይከውን፡ ብኢድኩም ምለስዎ።

13 ንሓውኩምውን ውሰድዎ፡ ተንሲእኩም ከኣ ናብቲ ሰብኣይ ተመለሱ።

14 ነቲ ሓደ ሓውኩምን ንብንያምን ምሳኻትኩም ምእንቲ ኺሰዶም፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ እቲ ሰብኣይ ምሕረት ይሀብኩም። ኣነ ውሉድ እንተ ሰኣንኩ፡ ውሉድ እስኣን፡ በሎም።

15 እቶም ሰብ ድማ ነዚ ገጽ በረኸት እዚ ወሰዱ፡ ዕጽፊ ገንዘብ ከኣ ኣብ ኢዶም፡ ንብንያምውን ሒዞም ተንስኡ፡ ናብ ግብጺ ወሪዶም ድማ ኣብ ቅድሚ ዮሴፍ ደው በሉ።

16 ዮሴፍ ከኣ ንብንያም ምሳታቶም ምስ ረአዮ፡ ንኣዛዝ ቤቱ፥ እዞም ሰባት እዚኣቶም ቀትሪ ምሳይ ኪምስሑ እዮም እሞ፡ ነዞም ሰባት ናብ ቤተይ ኣእትዎም፡ ሕሩድ ሐሪድካውን ኣዳሉ፡ በሎ።

17 እቲ ሰብኣይ ድማ ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ገበረ፡ እቲ ሰብኣይ ከኣ ነቶም ሰባት ናብ ቤት ዮሴፍ ኣእተዎም።

18 እቶም ሰባት ድማ፡ ናብ ቤት ዮሴፍ ስለ ዘእተዎም፡ ፈርሁ፡ ብዛዕባ እቲ በታ ቐዳመይቲ ጊዜ ኣብ ዓያብትና እተመልሰ ገንዘብ እዩ ንኣና ናብዚ ዘእተወና፡ ጐይዩ ሓደጋ ኺወድቀና እሞ፡ ባሮት ክንከውን፡ ንኣናን ነእዱግናን ኪወስድ እዩ፡ ከኣ በሉ።

19 ናብቲ ሰብኣይ፡ ኣዛዝ ቤት ዮሴፍ፡ ቀሪቦም ድማ፡ ኣብ ደገ ቤት ምስኡ ተዛረቡ፡

20 በል ጐይታይ፡ ብቐዳማይ እኽሊ ኽንሽምት ወሪድና ነበርና።

21 ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መሕደሪ ምስ በጻሕና፡ ዓያብትና ኸፈትና፡ እንሆ ኸኣ፡ ገንዘብ ነፍሲ ወከፍ ከም ሚዛኑ ኣብ ኣፍ ዐዓይበቱ ነበረ፡ ኣብ ኢድና ኸኣ መሊስናዮ ኣሎና።

22 እቲ ገንዘብ ድማ ናብ ዓያብትና መን ከም ዘእተዎ ኣይንፈልጥን፡ ካልእ ገንዘብውን መሸመት እኽሊ ዚኸውን ኣብ ኢድና ኣምጺእና ኣሎና፡ በሉ።

23 ንሱ ድማ፡ ኣጆኹም ኣይትፍርሁ። ኣብ ዓያብትኹም መዝገብ ዝሀበኩም ኣምላኽኩምን ኣምላኽ ኣቦኹም እዩ፡ ገንዘብኩምሲ ኣትዩኒ እዩ፡ በለ። ንስምኦን ከኣ ናባታቶም ኣውጽኦ።

24 እቲ ሰብኣይ ነቶም ሰባት ናብ ቤት ዮሴፍ ኣእቲዩ ኣእጋሮም ኪሕጸቡ ማይ ሀቦም፡ ነእዱጎም ድማ ድርቋ ሀበን።

25 ኣብኡ ኸም ዚምስሑ ሰሚዕም ነበሩ እሞ ዮሴፍ ቀትሪ ኽሳዕ ዚመጽእ ነቲ ገጽ በረኸት ኣዳለዉዎ።

26 ዮሴፍ ናብ ቤት ምስ መጸ፡ እቲ ኣብ ኢዶም ዘሎ ገጽ በረኸት ናብ ቤት ኣምጽኡሉ፡ ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ከኣ ሰገዱሉ።

27 ንሱ ድማ ብዛዕባ ጥዕናኦም ሐተቶም፡ እቲ ብዛዕብኡ እተዛረብኩምኒ ኣረጊት ኣቦኹምከ ደሓንዶ ኣሎ፧ ገናዶ ብህይወቱ ኣሎ፧ ከኣ በሎም።

28 ንሳቶም ድማ፥ ኣቦና ጊልያኻ ደሓን እዩ፡ ብህይወቱ አሎ፡ በሉ፡ ድንን ኢሎም ድማ ሰገዱሉ።

29 ዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ ንብንያም ሓዉ ወዲ ኣዲኡ ርእዩ ድማ፥ እዝስ እቲ ብዛዕባኡ እተዛረብኩምኒ ንእሽቶ ሓውኩም ድዩ፧ በለ። ወደይ፡ እግዚኣብሄር ሞገስ ይሀብካ፡ ከኣ በሎ።

30 ዮሴፍ ድማ ብዛዕባ ሓዉ ኣምዑቱ ትዅስኵስ ኢልዎ ተሀወኸ፡ ዚበኽየሉ ስፍራ ደልዩ ናብ ሕልፍኝኡ አተወ፡ ኣብኡ ኸኣ በኸየ።

31 ገጹ ተሐጺቡ ወጸ፡ ልቡ ቐጥ ኣቢሉ ኸኣ፡ እንጌራ ኣቕርቡ፡ በለ።

32 ሽዑ ንእኡ ንበይኑ፡ ንኣታቶም ድማ ንበይኖም፡ ነቶም ምስኡ ዚበልዑ ግብጻውያን ከኣ ንበይኖም ኣቕረቡሎም። ንግብጻውያን ምስ እብራውያን እንጌራ ምብላዕ ነውሪ እዩ እሞ፡ ስለዚ ግብጻውያን ምስኦም ኪበልዑ ኣይኽእሉን እዮም።

33 እቲ በዅሪ ኸም ብዅርናኡ፡ እቲ ንእሽቶ ኸኣ ከም ምንኣሱ ኣብ ቅድሚኡ ተቐመጡ። እቶም ሰባት ድማ ንሓድሕዶም ተደነቑ።

34 ካብቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ መብልዕ ከኣ ግዲኦም ኣቕረበሎም። ንብንያም ድማ ሓለፋ ግደ ዅሎም ሓሙሽተ ኢድ ኣቕረበሉ። ሰትዮም ድማ ምስኡ ተሐጐሱ።