ዘፍጥረት 35

1 ኣምላኽ ድማ ንያእቆብ፡ ተንስእ እሞ ናብ ቤት-ኤል ደይብ፡ ኣብኣውን ተቐመጥ። ኣብኣ ድማ ነቲ ኻብ ቅድሚ ሓውካ ኤሳው ክትሀድም ከሎኻ እተገልጸልካ ኣምላኽ መሰውኢ ግበር በሎ።

2 ሽዑ ያእቆብ ንስድራኡን ምስኡ ንዝነበሩ ዅሎምን፡ ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ጓኖት ኣማልኽቲ ኣርሕቑ፡ ጽረዩ፡ ክዳውንትኹምውን ለውጡ።

3 ንተንስእ፡ ናብ ቤት-ኤል ድማ ንደይብ፡ ኣብኣ ኸኣ ነቲ ብመዓልቲ ጸበባይ ዝሰምዓንን፡ ኣብ ዝኸድክዎ መገዲ ምሳይ ዝነበረን ኣምላኽ መሰውኢ ኽገብር እየ፡ በሎም።

4 ኣብ ኢዶም ዝነበሩ ዅሎም ጓኖት ኣማልኽትን ኣብ ኣእዛኖም ዝነበረ ቐላብትን ንያእቆብ ሀብዎ። ያእቆብ ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ጥቓ ሴኬም ዘሎ ድዋ ሐብኦ።

5 ተጓዕዙ ኸኣ። ኣብተን ኣብ ዙርያኦም ዝነበራ ኸተማታት ድማ ዓብዪ ፍርሃት ኣምላኽ ኰነ እሞ፡ ንደቂ ያእቆብ ኣይሰጐጕዎምን።

6 ያእቆብን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ናብታ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዘላ ሉዝ መጹ፡ ንሳ ኸኣ ቤት-ኤል እያ፡

7 ኣብኣ ድማ መሰውኢ ነደቐ። እቲ ኻብ ቅድሚ ሓዉ ኺሀድም ከሎ፡ ኣምላኽ ኣብኣ ስለ እተገልጸሉ፡ ነታ ቦታ ኤል-ቤት-ኤል ኣውጽኣላ።

8 ዲቦራ መጕዚት ርብቃ ሞተት፡ ኣብ ትሕቲ ቤት-ኤል፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ድዋ ድማ ተቐብረት። ስሙ ኸኣ ድዋ ብኽያት ተባህለ።

9 ያእቆብ ካብ ጵዳን-ኣራም ምስ መጸ ድማ፡ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ተራእዮ፡ ባረኾ ኸኣ።

10 ኣምላኽ ድማ፡ ስምካ ያእቆብ እዩ፡ ድሕሪ ደጊምሲ ስምካ ያእቆብ ኣይብሀልን፡ ስምካ እስራኤል ደኣ ኪኸውን እዩ፡ በሎ። ስሙ ኸኣ እስራኤል ኣውጽኣሉ።

11 ኣምላኽ ድማ፡ ኣነ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ እየ። ፍረን ብዛሕን፡ ህዝብን ብዝሒ ህዝብታትን ካባኻ ኺወጹ እዩም፡ ነገስታት ከኣ ካብ ሕቜኻ ኪወጹ እዮም።

12 እዛ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ዝሀብክዎም ምድሪ ንኣኻ ኽህበካ እየ። ብድሕሬኻ ድማ እታ ምድሪ ንዘርእኻ ኽህቦ እየ፡ በሎ።

13 ኣምላኽ ድማ ካብታ ምስኡ እተዛረበላ ቦታ ኻብኣ ደየበ።

14 ያእቆብ ከኣ ኣብታ ምስኡ እተዛረበላ ቦታ ሓወልቲ፡ ሓወልቲ እምኒ፡ ተኸለ። ኣብኣ ድማ መስዋእቲ መስተ ኸዐወ፡ ኣብ ልዕሊኡውን ዘይቲ ኸዐወ።

15 ያእቆብ ከኣ ነታ ኣምላኽ ኣብኣ ምስኡ እተዛረበላ ቦታ ስማ ቤት-ኤል ኣውጽኣላ።

16 ካብ ቤት-ኤል ድማ ተላዕሉ። ንኤፍራታ ኺበጽሑ ገና፡ ገለ መገዲ ተሪፍዎም ከሎ፡ ራሄል ወለደት። ክትወልድ ከላ ድማ፡ ጻዕሪ በርትዓ።

17 ኰነ ኸኣ፡ ብሕርሳ ኽትጽዐር ከላ፡ እታ መሕረሲት፡ ሕጂ ድማ ወዲ ረኺብኪ ኢኺ እሞ፡ ኣይትፍርሂ፡ በለታ።

18 ኰነ ኸኣ፡ ክትመውት፡ ነፍሳ ኽትወጽእ ከላ ድማ፡ ስሙ ቤን-ኦኒ ኣውጽኣትሉ። ኣቦኡ ግና ብንያም ኣውጽኣሉ።

19 ራሄል ከኣ ሞተት፡ ኣብ መገዲ ኤፍራታ ድማ ተቐብረት፡ ንሳ ቤት-ልሄም እያ።

20 ያእቆብ ድማ ኣብ መቓብራ ሓወልቲ ተኸለ፡ ንሱ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ዘሎ ሓወልቲ መቓብር ራሄል እዩ።

21 እስራኤል ከኣ ካብኡ ተላዒሉ ድንኳኑ ኣብ ክንየው ግምቢ ኤደር ተኸለ።

22 ኰነ ድማ፡ እስራኤል ኣብኡ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ሮቤል ከይዱ ምስ ቢልሃ፡ ሰበይቲ ወሰን ኣቦኡ ደቀሰ። እስራኤል ድማ ሰምዔ። ኣወዳት ያእቆብ ከኣ ዓሰርተው ክልተ ነበሩ።

23 ደቂ ልያ፡ ሮቤል በዅሪ ያእቆብን ስምኦንን ሌውን ይሁዳን ይሳኮርን ዛብሎንን።

24 ደቂ ራሄል፥ ዮሴፍን ብንያምን።

25 ደቂ ቢልሃ ግዝእቲ ራሄል ድማ፡ ዳንን ንፍታሌምን።

26 ደቂ ዚልጳ ግዝእቲ ልያ ኸኣ፡ ጋድን ኣሴርን፡ እዚኣቶም ኣብ ጳዳን-ኣራም እተወልዱሉ ደቂ ያእቆብ እዮም።

27 ያእቆብ ድማ ናብ ኣቦኡ ይስሃቅ ናብ መምሬ ኣብ ቅርያት-ኣርባዕ መጸ። ንሳ እታ ኣብርሃምን ይስሃቅን ተሰዲዶምዋ ዝነበሩ ኬብሮን እያ።

28 ዕድመ ይስሃቅ ከኣ ሚእትን ስማንያን ዓመት ኰነ።

29 ይስሃቅ ድማ ትንፋሱ ወጸት እሞ ሞተ። ኣሪጉ ዕድመ ጸጊቡ ናብ ህዝቡ ተአከበ። ደቁ ኤሳውን ያእቆብን ከኣ ቀበርዎ።